ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ- ህወሓት

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ "ናይ ህወሓት ናይ መራኸቢታት ታወራት" ዒላማ ዝገበረ ዕዉት መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ ክብል መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ናይ ፋናን ትካል ጸጥታ 'ኢንሳን' ዝነበሩ መደበራት ከምዘዕነወ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ሓይሊ ኣየር "ንጹሃት ዜጋጋታት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝገበረን፡ እዚ ድማ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተጸመ" ገሊጹ ክብል ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ህወሓትን ነበርቲ እታ ከተማን ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

እቲ ደብዳብ ኣብ ክልተ ቦታታት ከምዝተፈጸመ፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቲ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ደብዳብ ከምዘካየደ ሓይልታት ትግራይ ከሲሶም ነይሮም።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መንግስቲ ኣብታ ከተማ ደብዳብ ከምዘየካየደ ገሊጹ ክብል ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ መስመራት መራኸቢታት ሕጂ'ውን ተቛሪጾም ብምህላዎም፡ ነቲ ጸብጻብ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

ፕሮፌሰር ክንደያ ከምዝበሎ፡ እቲ ቀዳማይ ደብዳብ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ስሙ ሓሬና (መሰቦ) ከባቢ ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝተኻየደን፡ በቲ ደብዳብ ሰለስተ ሲቪላውያን ሳባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ገሊፁ።

እቲ ካልኣይ ደብዳብ ድማ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 6፡30: ዕዳጋ ዓዲ-ሓቂ (ዕዳጋ ሰኑይ) ኣብ ዝበሃል ቦታ ከምዝተፈፀመ ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ዕዳጋ ዓዲ-ሓቂ ዝተፈፀመ ደብዳብ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ኣይተገለፀን።

እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ይሕከሙ ከምዘለዉ እቶም ጸብጻባት ሓቢሮም።

ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ እውን፡ በቲ ኣብ ከባቢ ሓሬና ዝተፈፀመ ደብዳብ ሰለስተ ሲቪላት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ፀብፂቡ ነይሩ።

ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ ቀሪቡ፡ እቲ ኵናት ይዛዘም ከምዘሎን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ይዕወቱ ከምዘለዉ ምግላፁ ስዒቡ እዩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ይዕወት ከምዘሎ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልፅ።

ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ ደብዳብ፡ ካብ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሌነል ጌትነት ኣዳነን፡ ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝለሓመ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ውርሒ ሰነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለን ሓያሎ ከባቢታትን ትግራይ ብምውጻእ "በይናዊ ምቁራጽ ተዂሲ" ከምዝገበረ'ኳ መንግስቲ እንተፍለጠ፡ ውግእ ግን ኣየቋረጸን።

ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝተሰደዱ እንትኾኑ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። ኣብታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ ሚልዮናት ንጥምየት ከምዝተቓልዑን፡ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉን ይግለፅ።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን መጥቃዕትታት ብምክያድ፡ ሓያሎ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተፈናቐሉን፡ ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝኾኑን'ውን ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።

ብሰንኪ'ቲ ኩነታት እኹል ረዲኤት ናብቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ከባቢታት ክበጽሕ ከምዘይክኣለ፡ ሰብመዚን ትካላት ረዲኤትን ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።

ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሕጂ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ይግለጽ።