ኣብዪ ኣሕመድ፡ 'ኢትዮጵያ ካብ ግዳማዊ ጸቀጥታት ንኽትገላገል ረድኤት ክትቅበል የብላን' ኢሉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ካብ ግዳማዊ ጸቅጥታት ክትናገፍ እንተኾይና ዝኾነ ረድኤት ክትቅበል ከምዘይብላ ምግላጹ መንግስታዊት ተለቪዥን ኢቲቪ ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ "እዚ ብመልክዕ ስርናይ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ናይ መግቢ ረድኤት እንተተሓሲምና 70 ሚኢታዊት ጸገማት ናይ ኢትዮጵያ ክፍታሕ እዩ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ጸገም ናይ ኢትዮጵያ ናይ መግቢ ረድኤት ተባሂሉ ዝውሃብ ስርናይ'ዩ፡ ምስቲ ስርናይ ሕማም እዩ ዝመጽኣና ዘሎ፡ ምስቲ ስርናይ ብዙሕ ጸገማት እዩ ዝመጽኣና ዘሎ፡ ነዚ ደው ከነብሎ እንተኽኢልና ጸገማትና ክፍታሕ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝርከብ ዘመናዊ ሕርሻ ናይ ስርናይ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበሩ እዋን'ዩ ነዚ ተዛሪቡ።

እታ ሓንቲ ካብተን ብዙሕ መጠን ረድኤት ዝቕበላ ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኻየድ ዘሎ ኵናት ካብ ሃገራት ምዕራብ ብዙሕ ጸቅጢ'ዩ ዝወርዳ ዘሎ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ እታ ሃገር ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከቢድ ኵናት ኣብ ዝተጸመደትሉን እዋን እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ሚልዮናት ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ተቃሊዖም ምህላዎም'ዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣብ 2019 ተሸላሚ ሽልማት ኖቤል ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኸኣ፡ ብዓለም ዘለዎ ተቐባልነት ኣዝዩ ከምዝነከየ ብዙሓት ይጠቅሱ።

እቲ ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንኢትዮጵያ ክምርሓ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ቃለ መሓላ ዝጸፈመ ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብታ ኣስታት 6 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይኣቱዐዓንቂፉ ተባሂሉ ይንቀፍ ኣሎ፡ ንሱን መንግስቱን ግን ነዚ ክሲ እዚ ኣይቅበልዎን'ዮም።

ባንኪ ዓለም ዕብየት ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ አትዮጵያ (ጂዲፒ) ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት፡ ብገምጋም ብ9.4 ሚኢታዊት እናዓበየ ከም ዝመጽአ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ከቢድ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ከምኡ እውን ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ብምስዓብ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ናብ ቅልውላው ኣእተዕኡዎ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ'ውን፡ ናይ መጻኢ ኣንፈት ቁጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ክእምት ከምዘይክኣለ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥረ "ዘይንቡር ልዑል ደረጃ ዘይንጹርነት፡ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ቁጠባ ናበይ ከምዘብል" ምእማቱ ከምዝተጸገመ ገሊጹ።

እታ ሃገር፡ ደርቅን ብሄራዊ ምትፍናንን ዝርከብዎም ቁጠባዊ ብደሆታት ከጋጥምዋ ጸኒሖም'ዮም። ብሰንኪ እቲ ትሃንጾ ዘላ ዓበይቲ ናይ ትሕተ ቅርጺ ፕሮጀክትታት ዝተዋህለለ ዕዳ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ'ውን ኪኢላታት ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኣለዉ።