እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትንቢት ቁጠባዊ ዕብየት ናይታ ኣብ ኲናት እትርከብ ኢትዮጵያ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ኣይ-ኤም-ኤፍ ገሊጹ
ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ናይ መጻኢ ኣንፈት ቁጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ክእምት ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥረ "ዘይንቡር ልዑል ደረጃ ዘይንጹርነት፡ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ቁጠባ ናበይ ከምዘብል ምእማቱ ከምዝተጸገመ ገሊጹ።
እቲ መግለጺ ድሕሪ'ቲ ንልዕሊ 11 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ'ዩ ዝወሃብ ዘሎ።
ኣብ 2021 ግን ቁጠባ ኢትዮጵያ ብ2 ሚእታዊት ክዓቢ ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ማለት ትሕቲ ፍርቂ ናይቲ ኣብ 2020 ዝተራእየ 6 ሚእታዊት ዕብየት'ዩ።
ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ ድማ፡ እታ ኣብ ኲናት ትግራይ ኢዳ ኣእትያ ዝጸንሐት ኤርትራ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ እዋን 4.8 ሚእታዊት ዕብየት ከምእተርኢ ኣይ-ኤም-ኤፍ ሓቢሩ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኬንያ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብ6 ሚእታዊት ክትዓቢ'ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዝግባ ዝጸንሓ ሃገራት ኮይና፡ ብድርብ ኣሃዝ ዝዓበየትሉ እዋን ምንባሩ ይዝከር።
እንተኾነ ግን፡ ደርቂን ብሄራዊ ምትፍናንን ዝርከብዎም ቁጠባዊ ብደሆታት ከጋጥምዋ ጸኒሖም'ዮም። ብሰንኪ እቲ ትሃንጾ ዘላ ዓበይቲ ናይ ትሕተ ቅርጺ ፕሮጀክትታት ዘዋህለለቶ ዕዳ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ'ውን ኪኢላታት ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኣለዉ።
እቲ ትካል ኣመት ቁጠባአን ክፈልጦ ዘይክኣለ ካልኦት ሃገራት፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሊብያን ሶርያን ኮይነን ኩለን ብኲናት ዝተሓመሳ ሃገራት እየን።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣይ-ኤም-ኤፍ፡ ቁጠባ ዓለም ኣብ 2021 ብ5.9 ሚእታዊት ክዓቢ እንከሎ፡ ኣብ 2022 ድማ ናብ 4.9 ሚእታዊት ክወርድ'ዩ።
ጠንቂ ናይቲ ምንቁልቋል ቀታሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምምዝባል ሰንሰለት ቀረብን ምዃኑ'ዩ እቲ ጸብጻብ ዝጠቅስ።