ቁጠባ ኢትዮጵያ፡ ምጉዳል ሚዛን ንግድን ናህሪ ሸርፊ ወጻእን ናበይ ገጹ'ዩ?

ኢትዮጵያ ሓድሽ ሚለንየም (2000 ዓ.ም) ንክትቕበል ገለ ኣዋርሕ ኣብ ዝተረፋ እዋን ባንክታት እታ ሃገር: ሓደ ዶላር ብኣስታት 8.7 ብር የሽርፉ ነይሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓደ ዶላር ብ39.47 ብር ይሽረፍ ኣሎ።

እዚ ወግዓዊ ናይ ባንኪ ሸርፊ ዶላር ኮይኑ፡ ብልሙድ ጸሊም ዕዳጋ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ሸርፊ ተመን ሓደ ዶላር: 55 ብርን ልዕሊኡን ከም ዝኾነ ይዝረብ።

ብፍላይ እታ ሃገር እቲ ናይ ባንኪ ሸርፍን ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋን ንምቅርራብ ጻዕሪ ኣብ እትገብረሉ እዋን፡ ኣብ ሞንጎ ጸሊም ዕዳጋን ስሩዕ ሸርፊ ዶላርን ዘሎ ኣፈላላይ 16 ብርን ልዕሊኡን ምዃኑ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ኣብዚ ቕነ ዋጋ ሸርፊ ዶላር ክንህር ዝኽኣለ ብምኽንያት'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፣ እታ ሃገር ብዘጋጠማ ዘይምርግጋእ ከም ዝኾነ ክኢላታት ስነ ቑጠባ እንተገለጹ'ውን፡ ዋጋ ብር ምስ ዶላር ኮነ ካልኦት መተዓዳደጊ ገንዘብ ዘለዎ ዋጋ ክዳኸም ከም ዝጸንሐ ይዛረቡ።

እዚ ጸገም፡ ብፍላይ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጉድለት ሚዛን ንግዲ ዝተሓሓዝ ከም ዝኾነ የረድኡ።

ናህረ ሸርፊ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ

ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንዓመታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጸገም እታ ሃገር ኮይኑ መጺኡ'ዩ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝንቡዕ ስርዓት ዕዳጋ ብፍላይ ድማ ኣብ ሞንጎ ንግዲ ወጻእን ኣታውን ዘሎ ዘይምምጥጣን ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ክጋደድ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

እዚ ዘሕደሮ ጸቕጢ ልዑል ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ፋብሪካታትን ኢንዳስትሪታትን ብሙሉእ ዓቕሞም ከፍርዩ ኾነ ህልውንኦም ከረጋግጹ ኣይክኣሉን።

ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወጻኢ፣ ልቓሕ፣ ረድኤትን ካብ ሃገራት ወጻኢ ብዝልኣኽ ገንዘብን (ሬሚታንስ) እትረኽቦ ገንዘብ ተኣኪቡ ኣታዊ ንእትገብሮ ንግዲ ካብ ዘድልያ ገንዘብ ኣዝዩ ዝነኣሰ ከም ዝኾነ በዓል ሞያ ፋይናንስን ምምሕዳር ስነ ቑጠባን ኣቶ ዓብዱልመናን መሓመድ ይዛረብ።

እታ ሃገር ንዓመታት ሰንከልከል ካብ እትብለሉ ጉድለት ሚዛን ንግዲ ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ክፍጠር እንከሎ መንግስቲ ሸርፊ ወጻኢ ስለ ዝደሊ ናይ ቀረብን ድልየትን ኣፈላላይ ከም ዝፍጠር ይገልጽ።

ብፍላይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ሸርፊ ወጻኢ ኣዝዩ ክውስኽ ተራእዩ። ናይዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭትን ዘይምርጋገእን ከም ዝኾነ ይእመን።

መንግስቲ ንዝወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዶላር ስለ ዝደሊ፡ መንግስቲ ወጻኢ ዝገብሮ ዶላር ንኻልኦት ናይ ኣታዊ ንግዲታት ስለ ዝውዕል እቲ ሕጽረት ክጎልሕ ይገብር።

በዚ ምኽንያት ነጋዶ ዶላር ካብ ባንኪ ዝረኽብሉ ዕድል ስለ ዝጸብብን ቕድም ኢሉ ንነጋዶ ዝቐርብ ወግዓዊ ዶላር'ውን እኹል ስለ ዘይኸውን ዓብዪ ሕጽረት ከጋጥም ከም ዝኽእል እቲ በዓል ሞያ የረድእ።

"ጎንጺ ክህሉ እንከሎ እታ ሃገር እተውጽኦ ሸርፊ ወጻኢ ክህሉ'ዩ፤ ነጋዶ ድማ ዝደልይዎ ኣይረኽቡን" ኢሉ።

"ነጋዶ ዶላር ካብ ባንኪ እንተዘይረኺቦም ናብ ጸሊም ዕዳጋ እዮም ክኸዱ፤ በዚ ምኽንያት ልዑል ጠለብ ስለ ዝፍጠር ዋግኡ ይንህር" ይብል ኣቶ ዓብዱልመናን።

ጠለብን ቀረብን ክመጣጠን ኣብ ዘይኽእለሉ እዋን፡ ኣብ ዋጋ ሸቐጣት ናህሪ ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ ኣብ ዕዳጋ ሕጽረት ዶላር እንተጋጢሙ ዋጋ ዶላር ክንህር ከም ዝኽእል የረድእ።

ብኣንጻሩ ቐረብ ዶላር ብብዝሒ ክህሊ እንከሎ ዋግኡ ይጎድል።

መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ተኪኤ ኣለሙ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘይምርግጋእ ክፍጠር አንከሎ ናህሪ ሸርፊ ዶላር ከም ዘጋጥም ብምግላጽ፡ ኣብ እዋን ቐዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ ጀርመን መተዓዳደጊ ገንዘብ እታ ሃገር (ዶች ማርክ) ብምጥፍኡ ዜጋታት ብሽጋራ ይተዓዳደጉ ምንባሮም የዘኻኽር።

እቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ተመን ዶላር ብፍጥነት ኣብታ ሃገር ብዘሎ ዘይምርግጋእ ዝሰዓበ'ኳ እንተኾነ፡ ውጽኢት እቲ ስሩዕ ተመን ሸርፊ ብር ከም ዝኾነ ግን ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ኣብ ስሩዕ ዕዳጋ ዝርኣይ ምድኻም ዋጋ ብር ኣብቲ ጸሊም ዕዳጋ'ውን ዝተራእየ ምዃኑ የረድኡ።

ምድኻም ብርን ጸቕጢ ለገስቲ ትካላት

ዓለማዊ ትካላት ገንዘብ ንዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብር ምስ ዶላር ዘለዎ ተመን ሸርፊ ክተዳኽም ጸቕጢ ይገብሩ ነይሮም።

ትካል ገንዘብ ኣይኤምኤፍ እታ ሃገር ንዓሰርታት ዓመታት ክትመሓደረሉ ዝጸንሐት ስርዓት ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ (ፊክስድ ፎሬይን ኤክስቸንጅ ማርኬት) ይነቕፎ ነይሩ።

መተዓዳደጊ ገንዘብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዎ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ንላዕሊ ምዃኑ'ውን ንዓመታት ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።

ባንኪታት ኢትዮጵያ ዝሰርሕሉ ዝነበረ ስርዓት፡ ዓቕሚ ምግዛእ ዶላር መሰረት ብምግባር ተመን ዋጋ ብር ንዘይተወሰነ ግዜ ብቐዋሚነት ብሓደ ግዜ ዝውሰነሉ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።

እቶም ትካላት: ብር ዶላር ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ብምልዓሉ: ንግዲ ወጻኢ ንምትብባዕ ብዕዳጋ ዝምራሕ ተለዋዋጢ ስርዓት ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ክዝርጋሕ እንተኽኢሉ እታ ሃገር ዘጋጥማ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምፍታሕ ከም ዝሕግዛ ይምጉቱ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ተመን ሸርፊ ወጻኢ ብድልየት ዕዳጋ ዝምርሐሉ ስርዓት ክዝርግሕ ወሲኑ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ዕዳጋ ዝመርሖ ክኸውን እዩ ዝብል መደብ ሒዙ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ንሰለስተ ዓመት ድጋፍ ሃገር በቆል ቑጠባዊ ምምሕያሽ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ዘተ ብርኪ ምድኻምን ምስ ጸሊም ዕዳጋ ዘለዎ ዋጋ ምምጥጣንን ከም ሓደ ቅድመ ኩነት ከም ዝተቐመጠ ኣቶ ዓብዱልመናን ይዛረብ።

እታ ሃገር ካብ ዘጋጠማ ምዝባዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንክትወጽእ ኣይኤምኤፍ 2.9 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ከዳልወላ እንከሎ፡ ነቲ ቅድመ ኩነት ከተፈጽም ተሓቲታ'ያ።

ብተወሳኺ እዚ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ናብ ብሕቲ ክዛወሩ፣ ወጻኢ መንግስቲ ምንካይንን ካልእን ቅድሙ ኹነት ተቐሚጡላ'ዩ።

እታ ሃገር ብመሰረት ዝኣተወቶ ውዕሊ ድማ እቲ ዘጋጠማ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ብዘላቕነት ንምፍታሕን እቲ ናይ ዕዳጋ ስርዓት ንምምሕያሽን ትጽዕር ምህላዋ ይግለጽ።

ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ወግዓዊ ተመን ሸርፊ ዶላርን ጸሊምን ዕዳጋን ዘሎ ሰፊሕ ኣፈላላይ ንምምጥጣንን ዓቕሚ ምዕዳግ ብር ብመንጽር ሸርፊ ወጻኢ ክንኪ ንምግባርን መንግስቲ ብር ንምድኻም ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣቶ ዓብዱልመናን ገሊጹ። በዚ ምኽንያት ብር ይዳኸም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

"ዝሓለፈ ዓመት ብር ምስ ዶላር ክነጻጸር እንከሎ ብኣስታት 15 ሚኢታዊት ተዳኺሙ'ዩ" ኢሉ።

ተመን ብር ሸርፊ ወጻኢ ምስ ዶላር ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ካልኦት መተዓዳደጊ ገንዘብ ዘለዎ ዋጋ'ውን ተዳኺሙ'ዩ።

"ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ናህሪ (ዝውሰዱ ስጉምታት) እቶም ትካላት ብዘምጽኡዎ ጸቕጢ ዝተፈጥረ'ዩ። እንተኾነ ከምቲ ዝተባህለ እቲ ኣብ ሞንጎ ስሩዕን ዘይስሩዕን ዘሎ ተመን ዶላር ክጸብብ ኣይክኣለን" ክብል ኣቶ ዓብዱልመናን የረድእ።

ይኹን'ምበር ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይ ምጽባብ ዘይኮነ መንግስቲ ክልቲኡ ንምምጥጣን ብዝገብሮ ጻዕሪ ብር ክዳኸም እንከሎ ዋጋ ጸሊም ዕዳጋ ሓፍ ከም ዝብል ዶክተር ተክኤ ይዛረብ።

"ከመይ ገይርና ኢና ተመን ጸሊም ዕዳጋ ከነውርዶ እንኽእል ኣብ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። እቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ክበጽሖ እንትብሃል ኣብ ባንኪ ዝህሉ ተመን'ውን ሓፍ ምባሉ ኣይተርፍን" ይብል

እቲ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ዋጋ ክውስኽ እንከሎ ትሕዝቶ ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ከም ዘዳኽሞን እትረኽቦ ኣታዊ ክትስእን ከም ዝገብራን እቲ ሙሁር ይሕብር።

እታ ሃገር ዶላር ካብ ሞንጎ እትረኽበሎምን ዘለዋ ትሕዝቶ ንምጥንኻር ካብ እትሰርሐሎምን ጉዳያት እቲ ሓደ ካብ ዲያስፖራ ዝለኣኽ ገንዘብ (ሬሚታንስ) እዩ።

ኣብ ሞንጎ እቲ ወግዓዊ ተመን ዶላርን ጸሊም ዕዳጋን ብዘሎ ሰፊሕ ኣፈላላይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብባንኪ ናይ ምልኣኽ ድልየቶም ከም ዝንኪ ዝገልጽ ዶክተር ተክኤ "ኣብ ሞንጎ ሓደ ዶላርን ብርን ዘሎ ኣፈላላይ ልዕሊ 10 ብር እንተኾይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ባንኪ ክጥቀም ኣይደልን። ናብቲ ተወሳኺ ዝረኽበሉ እዩ ዝኸይድ" ኢሉ።

ስለ ዝኾነ ድማ ነጋዶ ጸሊም ዕዳጋ ሕጋውያን ክኾኑን ፍቓድ ንግዲ ክህልዎም ምግባርን እቲ ቀንዲ መፍትሒ ከም ዝኾነ ይሕብር።

"እዚ ስራሕ ሓደጋ ስለ ዘለዎ፡ ክትውረስ'ውን ስለ እትኽእል እቲ ጸሊም ዕዳጋ ልዕሊ ዓቐን ክንህር ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ስለዚ ሕጋዊ ኮይኖም ምዕሩይ ውድድር ክመጽእ ምግባር ይምረጽ" ክብል የረድእ።

መጠን ምግዛእ ብር ክዳኸም ምግባር እቲ ዝድለ ለውጢ ከም ዘየምጽአ ዝገልጹ እዞም ክኢላታት፡ ብፍላይ ኣታውን ወጻእን ንግዲ ክመጣጠን ከም ዘይኽኣለ ገሊጾም።

ኣቶ ዓብዱልመናን ከም ዝብሎ፡ እዛ ሃገር ካብ ንግዲ ወጻኢ ሰለስተ ቢሊየን ዶላር ክትረክብ እንከላ ብኣታዊ ንግዲ ድማ 15 ቢሊየን ዶላር ወጻኢ ትገብር።

እዚ ክመጣጠን ዘይምኽኣሉ ከቢድ ጸገም ከም ዝፈጠረ ይሕብር።

ዶክተር ተኪኤ ብወገኑ፡ ካብ ንግዲ ወጻኢ ንላዕሊ ካብ ወጻኢ ሃገር ብዝኣትው ፍርያት: ሸርፊ ብር ብምንቁልቋል ልዑል ዝቕባበ ከም ዘስዓበ ይዛረብ።

ወርሓዊ ልዕሊ 20 ሚኢታዊት ዝቕባበ ተመዝግብ ምህላዋ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ቑጠባዊ ጸቕጢ ክፈጥር ክኢሉ'ዩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ንሂሩ ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ዋጋ እትሸጦ ምህርቲ እንተሓሲሩ ብርክት ዝበለ ኣታዊ ክርከብ'ዩ፤ ከምኡ'ውን እቲ ናይ ንግዲ ወጻኢ ክተባባዕ'ዩ ብዝብል ዋጋ ብር ክዳኸም እንተገበረት'ውን ብደረጃ ፍርያምነትን ተወዳዳሪ ምዃንን ብዝተሓሓዝ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ይለዓሉ'ዮም።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ የዋጽእ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘልዕል ዶክተር ተኪኤ፡ ብቐንዱ ናብ ወጻኢ እትልእኾም ምህርታት ሕርሻ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎም ጠለብ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ከም ዘይኮነ ይዛረብ።

ብተወሳኺ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ዘተባብዕ ውጽኢት ብዘይምምጽኡ ኣታዊ ንግዲ እታ ሃገር ዝለዓለ ኮይኑ ሚዛን ንግዲ ክጎድል ገይሩ'ዩ።

ተመን ገንዘብ'ውን ካብ ወጻኢ ዝኣትው ምህርታት ዋግኦም ብምውሳኽ እቲ ኣታዊ ንግዲ ንምትካእ እንተተሓሰበ'ውን፡ ብቐንዱ ካብ ወጻኢ ኣታዊ እትገብሮ ነዳዲ፣ መድሃኒትን መሰረታዊ ሸቐጣትን ስለ ዝኾነ ናህሪ ዋጋ እዞም ኣቑሑት ከቢድ ቅልውላው ከም ዘስዕብ ዶክተር ተኪኤ የረድእ።

ምህርታት ናብ ወጻኢ ዝልእኹ ሰብ ሃብቲ ብምትብባዕ ዝርከብ ሸርፊ ወጻኢ ብምዕባይ እቲ ዘሎ ሕጽረት ምፍታሕ ከም ዝክኣል ተሓሲቡ'ኳ እንተነበረ፡ ዋጋ ንፍርያት ዝመጽኡ እታወታት ብምኽንያት ወሰኽ እቲ ተመን ኣጸጋሚ ከም ዝኾኖም እቶም ሰብ ሃብቲ ይዛረቡ።

ካብዚ ብዝብገስ ብምኽንያት ምድኻም ብር እታዋት ብኽቡር ዋጋ ዓዲጎም እንተኣምጽኡ'ውን ዋጋ ምህርታቶም ስለ ዝንኪ ለኣኽቲ ከማርሩ ይስማዕ።

መዐደጊ ካብ ወጻኢ ዝኣትው ኣቑሑት ብምውሳኽ እቲ ዘሎ ድልየት ክንኪ ንምግባር እንተተሓሰበ'ውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ እተእትዎም ምህርታት መሰረታዊ ሸቐጣት ወሰኽ ዋጋ ክህሉ ገይሩ'ዩ።

ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ ብር ኢትዮጵያ: ልዕሊ እቲ ክህልዎ ዝግባእ ዓቕሚ ሒዙ'ዩ ኢሎም ምሕሳቦም ከምኡ'ውን ብር ክተዳኽም ጸቕጢ ምግባሮም "ናይ ርእዮተ ዓለም (ክልሰሓሳብ) ሕቶ'ዩ" ክብል ዶክተር ተኪኤ የረድእ።

መፍትሒኡኸ?

ኢትዮጵያ ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ምጉዳል ሚዛን ንግዲ ወጻእን ኣጋጢሙዋ ኣሎ።

ነዚ ብቐንዲ ከም መፍትሒ ኮይኑ ዝቐርብ፡ ንግዲ ወጻኢ ምምምሕያሽ፤ ብፍላይ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ እቶም ዘለው ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝ ምግባር ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ርኢይቶኦም ይህቡ።

ናይ ብር ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ኣብ ዝተዳኸመሉ ኩነታት እቲ ኣታውን ወጻእን ንግዲ ዘይመሓየሽ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ተመን ዶላር ጸሊም ዕዳጋ ክንህር ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኣቶ ዓብዱልመናን ነዚ መንግስቲ ፖሊሲ ክህልዎ ኣለዎ ይብል።

መንግስቲ ብቐንዱ ፖለቲካዊ ርግኣት ኣብ ምምጻእ ትኹረት ክገብር ከም ዘለዎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ'ውን ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ክፈትሕ ከም ዝግባእን የዘኻኽር።

"ኣታውን ወጻእን ንግዲ ክመጣጠን ኣለዎ" ዝብል ኣቶ ዓብዱልመናን፡ ብፍላይ ንዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ሓኒቐም ዝሓዙዎ ጸገማት ክፍትሑ ይግባእ ኢሉ።

ብተወሳኺ እቲ ጉድለት ሚዛን ንግዲ ንምምሕያሽ ካብ ሕርሻ ብምውጻእ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ብዝግባእ ንክህነጽ መንግስቲ ብትኹረት ክሰርሕ ይግባእ ይብል።

"ኣታዊ ንግዲ ምስትኽኻል ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ'ዩ። መንግስቲ ኣበየኖት ምህርታት ብኣታዊ ንግዲ ክትትክኦም ትኽእል ዝብል ከጽንዕ ኣለዎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ስርናይ ሓዊሱ ሽጉርቲ ከይተረፈ ካብ ወጻኢ ኣታዊ ትገብር እያ፤ እዚ ዘሕዝን'ዩ" ይብል።

ብር ምድኻም ግጉይ ከምኡ'ውን ዓለምለኸ ተወዳዳርነት ዝውስኽ ኣይኮነን ዝብል ዶክተር ተኪኤ ድማ፡ ምድኻም ብር ኣዝዩ ንዝለዓለ ዝቕባበ ዋጋ ከም ዘቃልዕ ብምግላጽ ዕጫ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ዙምባብወን ከይበጽሕ ጥንቃቐ ከድሊ'ዩ ኢሉ።