ስለምንታይ ዓለማዊ ትካላት ገንዘብ፡ ኢትዮጵያ ሸርፊ ብር ከተዳኽም ይደፍእዋ?

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (ኣይ-ኤም-ኤፍ) መጠን ሸርፊ ብር ኢትዮጵያ ካብ ዘለዎ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ንላዕሊ እዩ ብምባል ዋጋኡ ከተውርዶን፡ ብዕዳጋ ዝውሰን ክኸውንን ብተደጋጋሚ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን እታ ሃገር እተካይዶ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ንምሕጋዝ ኣብ ዝፈቐዶ ናይ 2.9 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ እውን እዚ ናይ ሸርፊ ጉዳይ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጥዎ።

ደኺሙ ዝነበረ ሰደድ ንግዲ ንምምሕያሽ፡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ውድብ ንግዲ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን፡ ኣብ 2017 መጠን ሸርፊ ብር ብ 15 ምኢታዊት ዝነከየት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን ግን ተድሓርሕር ዘላ ትመስል።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ መሪሕ ትልሚ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝገበረ ኣመሓዳሪ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ይናገር ደሴ ስርዓት ሸርፊ እታ ሃገር ምምሕያሽ ዘድልዮ ምዃኑ ተዛሪቡ።

እንተኾነ እታ ሃገር ህሩግ እትብሎ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ብውሑድ ሰለስተ ናይ ምድላው ዓመታት ከም ዘድልያ ገሊጹ ነይሩ።

ስለምንታይ ኣብ ምጉዳል ሸርፊ የተኩሩ?

ኣብ ሄርዮት ዋት ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ኤደንብራ ስኩል ኦፍ ቢዝነስ፡ ብኢኮኖምን ዘፈር ፋይናንስን ኢትዮጵያ ዶክትሬት ዲግሪ እናተምሃረ ዝርከብ ኣይተ ዓብዱልመናን መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት በዓልሞያ ኮይኑ ፋይናንስ ሰሪሑ እዩ።

ብዙሕ እዋን ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ጸገም እንተኣትዋ፡ ነቶም ዓለምለኻዊ ትካላት ክሕግዙወን ጻውዒት ከምዝገብራ ዝገልጽ ኣቶ ዓብዱልመናን፡ ''ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዕዳ በዚሕዎ፣ ናይ በጀትን ሸርፊ ወጻእን ጉድለት ስለዝነበሮ ነቶም ትካላት ክሕግዝዎ ሓቲቱ'' ይብል።

ከም ወጽኢቱ ድማ፡ እቶም ትካላት ክሕግዙ እንተኾይኖም ኣብታ ሃገር ክትግበሩ ዘለዎም፡ ምምሕያሽ ስርዓተ ሸርፊ ዝርከቦም 5 ቅድመ ኩነታት ከምዘቐመጡን፡ እዚ ድማ ''ገንዘብና እንትንበካ ናይታ ሃገር ጸገም በዚ መገዲ ኢኻ እትፈትሖ '' ዝብል ከምዝኾነ ይገልጽ።

''እዚ ናይ ኣመለኻኽታ ጉዳይ እዩ። መርገጺኦም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ጸገም ዕዳጋ እዩ ዝፈትሖ ዝብል እዩ፤ እዚ ምልከተኦም ከም ቅድመ ኩነት ገይሮም እዮም ዘቐምጡልካ፡፡ ምስ ኩነታት እታ ሃገር ይኸይድዶ ኣይኸይድን ካልእ ጉዳይ እዩ'' ይብል።

ኢትዮጵያ ብዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ዝቐረበላ መምዘኒታት ''ሓደ ሓኪም ንተሓካሚኡ ምስ ዝእዝዞ መድሓኒት'' ዘመሳስሎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ መምህር ዝኾነ ዶ/ር ሙዑዝ ሓድሽ ብወገኑ፡ እቲ ትካል ካብ 1989 (ኣ-ኤ) ጀሚሩ ንብዙሓት ሃገራት ልቓሕ ንምሃብ ዝተጠቐመሉ መገዲ ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር።

እቲ ሃገራት ዋጋ ባጤራአን ከጉድላ ዝግበር ጎስጓስ ድማ ካብቲ ዝቐርበሉ ምኽንያት ንላዕሊ ብፖለቲካዊ ኣሻጥር ምዕራባውያን ዝተሓለኸ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን።

''ናትና ገንዘብ ዋግኡ ክቕንስ ከሎ ናትና ኣቑሑት እዩ ዝረክስ፡ ካብዚ ብዝረኸሰ ዋጋ ወሲዶም ንናይ ባዕሎም ተጠቀምቲ የባጽሑ ኣለዉ ማለት እዩ'' ብምባል ኣብ ሃገራት ምዕራብን ኣመሪካን ናህሪ ዋጋ ዓብዪ ፖለቲካዊ ወፍሪ ዝግበረሉ ጉዳይ ከምዝኾነ የልዕል።

''ብተወሳኺ ጠቕላላ ናይ ሃገር ፖለቲካውን ቁጠባውን ፖሊሲ ብናትካ መመዘኒ ተእቱ እንተኾንካ፡ ጠቕላላ ናይታ ሃገር ፖሊሲ ምቁጽጻር እዩ'' ዝብል ዶ/ር ምዑዝ፡ ሃገራት ኣብ ናይ ባዕለን ፖሊሲ ናጽነት ከይህልወን ከምዝገብር፡ ሃገራት ምዕራብን ኣመሪካን ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ንዘለዋ ርክብ ዘይምፍታወን ከም ኣብነት ይጠቅስ፡፡

ኢትዮጵያ ገንዘባ እንተኣርኪሳቶ ሳዕቤን ኣለዎዶ?

ኣብ 1990ታት ኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትግበር ዝገበሮ ምምሕያሽ መዋቕር (ስትራክቸራል ኣጀስትመንት ፐሮግራም) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ድኽነት፡ ስራሕ ስእነትን ዝኣመሰሉ ጸገማት ከምዘስዓበ ዝሕብር ኣቶ ዓብዱልመናን፡ ኣብቲ እዋን ተመሳሳሊ መደብ ክትግብሩ ዝተመኸሩ መራሕቲ ኢህወዴግ ነቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ርእዮም ከምዘየዋጽእ ምስ ፈለጡ ከምዝሰረዝዎ ይዛረብ፡፡

'ስትራክቸራል ኣጀስትመንት ፕሮግራም'፡ መንግስታት ዘይማዕበላ ሃገራት ልቓሕ ከምልሱ ምእንቲ ከም ወጻኢታቶም ምጉዳል፣ ኣብ ሰደድ ዝግበሩ ምህርቲታት ምትኳር፣ ሸርፊ ገንዘቦም ምድኻምን ናጻ ዕዳጋን ዝኣመሰሉ ፖሊሲታት ክትግብሩ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን ወድብ ንግዲ ዓለምን ኣብ 1980ታት ኣቆጻጽራ አውሮጳ ዝተጀመሩ ቅድመ ኩነት ልቓሕ እዮም።

''ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ይተመን ዝብሉ፡ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ክፈትሕ እዩ ብዝብል እዩ። ጭቡጥ ኩነታት ሃገርና እንተርእይና ግን ብእኡ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ንሕና ሰደድ እንገብሮ ብዋናነት ውጽኢታት [ሕርሻ] እዩ። እዚ ድማ ናይ ቀረብን ሎጂስቲክስን ጸገም ኣለዎ። ዋጋ ብር ዝለዝረኸሰ ኣይውስኽን'' ይብል ኣቶ ዓብዱ መናን።

ሃገራት ሸርፊ ገንዘበን ምስ ዝቕንሳ ካብ ሰደድ ዝርከብ ኣታዊ ስለዝውስኽ ጸገም ሸርፊ ወጻኢአን ይቐርፋ፣ ዋጋ ናብ ውሽጢ ሃገር ዘእትወኦ ምህርቲታት ስለዝኸብር፡ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ጠለብ ይረክብ፣ ዋጋ ዶላር እናኸበረ ስለዝኸይድ ድማ ጸሊም ዕዳጋ ይጠፍእ ዝብል ረብሓታትን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘልዕሎ ወሰኽ ፍሰት ቱሪዝምን ዋሕዚ ኣውፈርቲ ወጻእን እዞም ምሁራት ኣይቕበሉዎምን።

ኢትዮጵያ ሰደድ እትገብሮም ምህርቲታት ሕርሻ ናይ ጽርየትን መጠንን እምበር ናይ ጠለብ ጸገም ከምዘይብሎም ዝገልጽ ዶ/ር ምዑዝ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዘይምምጥጣን ንግዲ ወጻእን ኣታውን፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ምህርቲታት ኢንዱስትርያውን ዘይትክኡን ምዃኖም ይገልጽ።

''ሐዚ መጠን ሰደድ ኢትዮጵያ 2.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ዘሎ፤ ኣታዊ ድማ 17.8 ቢልዮን ዶላር እዩ። እቲ ኣፈላላይ ከባቢ 15 ቢልዮን ዶላር እዩ። እዚ ንምሽፋን ሰደድ ክውስኽ ኣለዎ ትኽክል እዩ፡ እቲ ፖሊሲ ግን ጽሬትን መጠንን ብምውሳኽ እምበር ናይ ግድን ሸርፊ ቕርሺ ስለዝቐነስካ ኣይኮነን'' ይብል፡፡

ብተመሳሳሊ ኣይተ ዓብዱል መናን ትሑት ሸርፊ ንኣውፈርትን በጻሕትን ንምስሓብ ኣበርክቶ ይሃልዎ እምበር፡ ኣብዘይተረጋገዐት ሃገር መን ክመጸካ እዩ ዝብል ሕቶ የልዕል።

''ንፍሰት ኣውፈርቲ ሓደ ሸርፊ ጥራሕ ኣይኮነን ዝውስኖ፤ እቲ ቀዳማይ ነገር እታ ሃገር ዝተረጋገአት ድያ እዩ። ሓደ ኣውፋሪ ገንዘቡ ሒዙ ክመጽእ፡ ዋላ ካልኦት ነገራት ምቹኣት እንተኾኑ፡ እታ ሃገር ከይተረጋገአት፡ ኣይመጽእን። ኣብ ቀረባ እውን እንተርእይናዮ ብዝሒ ኣውፈርቲ ወጻኢ ቀኒሱ እዩ'' ይብል።

ኣብ ጉዳይ ሰላም እታ ሃገር ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎ ዶ/ር ምዑዝ'ውን፡ መጠን ናብታ ሃገር ዝመጹ ኣውፈርቲ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ቅድሚ ሕዚ ብዘይተርኣየ መጠን ምቕናሱ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ከምዝኾነ ይገልጽ።

''ኣብ 2018 ዶ/ር ኣብዪ ናብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ፡ 514 ፕሮጀክትታት ይኣትዉ ነይሮም፤ ብትሕዝቶ ገንዘብ ድማ 4.8 ቢልዮን ዶላር ነይሩ። ኣብ 2019 እንተርእይና ካብ 514 ናብ 9 ፕሮጀክት እዮም ወሪዶም፤ ብገንዘብ እንተርእይና ድማ ካብ 4.8 ቢልዮን ዶላር ናብ 60 ሚልዮን ዶላር ወሪዱ። እተን ፕሮጀክትታት ድማ 8 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሓንቲ ኣብ ትግራይ እየን''ይብል።

ኣብዚ እዋን ዋጋ ብር ክወድቕ ምግባር ንዝገደደ ናህሪ ዕዳጋ ከሳጥሕ ከምዝኽእል ዝገልጹ እዞም ምሁራን፡ መንግስቲ ምስ ትካላት ገንዘብ ኣብ ዝደራደረሉ እዋን ዝጠቕምዎ ጥራሕ ክወስድ ከምዘለዎ ይመኽሩ።