እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ዓመታዊ ናይ ውሽጢ ሃገር ቑጠባዊ ዕብየት ብ11.2 ሚኢታዊት ክጎድል'ዩ
ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ቑጠባዊ ዕብየት ሃገራት ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን።
ዓብዪ ቑጠባ ሃኒጸን'የን ዝበሃላ፡ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣኒያን ህንድን ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ዜጋታተን፡ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሸቕሊ ኣልቦ ኾይኖም'ዮም።
እዚ ለበዳ፡ ኣብ ቑጠባ ኢትዮጵያ ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋ እንታይ ይመስል? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ስነ ቑጠባ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገዳ ሓደ መጽናዕቲ ኣካይዱ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ፡ ቑጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ብ5.6 ሚኢታዊት ክጎድል እዩ።
ቑጠባዊ ዕብየት ውሽጢ ሃገር [ጂዲፒ] ብማእከላይ ብ11.2 ሚኢታዊት ክንኪ ይኽእል
"እቲ ቫይረስ፡ ብልክዕ እቲ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዝነበሮ ዝርግሐ እንተድኣኮይኑ፡ ቑጠባና ክስከሞ ኣይኽእልን። ሃገራት ምዕራብ፡ ዝሓሸ ቑጠባን ሓይሊ ሰብን ዘለወን ሃገራት እየን። ብመሰረት እቲ ዘካየድኩዎ መጽናዕቲ፡ እዚ ቫይረስ ዘስዕቦ ቑጠባዊ ጉድኣት ዓብዪ እዩ" ይብል።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ በጀት ዓመት 2020 እተመዝግቦ ናይ ውሽጢ ሃገር ቑጠባዊ ዕብየት [ጂ.ዲ.ፒ] ብማእከላይ ብ11.2 ሚኢታዊት ክንኪ ይኽእል እዩ ኢሉ።
ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ከም ዝብሎ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 2012 ክሳብ 2013 እቲ ቫይረስ ዘስዕቦ ጉድኣት፡ ኣብ መጀመርታ ርብዒ ዓመት ጠጠው ክብል እንተኽኢሉ ግን፡ እቲ ቑጠባዊ ዕብየት ብ5.6 ሚኢታዊት እዩ ክንኪ።
እቲ ቫይረስ ዘስዕቦ ጉድኣት ክሳብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ዝጸንሕ እንተኾይኑ ድማ፡ ብ16.7 ሚኢታዊት ክጎድል ከም ዝኽእል የመልክት።
ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዘስዕቦ ቑጠባዊ ኪሳራ ንምንካይ፡ "ሓይልና ኣተኣኻኺብና እቲ ቫይረስ ናብቲ ሕብረተሰብ ከይሉሓኸ ከሎ ክንቆጻጸሮ ክንክእል ኣለና" ክብል እቲ ፕሮፌሰር ይምዕድ።
ካብ ወጻኢ ዝለኣኽ ገንዘብ ምንካይ
ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡ ኣብ ወጻኢ ዘለው ኢትዮጵያውያን ብባንኪ ዝልእኹዎ ገንዘብ፡ ልዕሊ እታ ሃገር ናብ ወጻኢ ምህርቲ ልኢኻ እትረኽቦ ሸርፊ ወጻኢ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
"መንግስቲ ዘውጽኦ መረዳእታ እንተርኢና፡ ኢትዮጵያ ምህርቲ ሰደድ ገይራ እትረኽቦ ኣታዊ፡ ካብ 2.8 ክሳብ 3 ቢሊየን ዶላር እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ምህርቲ ይንኪ እዩ ዘሎ። ካብ ወጻኢ ዝለኣኽ ገንዘብ ግን ካብ 4.5 ክሳብ 6 ቢሊዮን ዶላር ዝበጽሕ እዩ" ይብል።
እቲ ሙሁር ከም ዝብሎ፡ መንግስቲ ብልክዕ ናብ ወጻኢ ዝልእኾም ምህርታት ናብ ውሽጢ ሃገር ንዝልኣኽ ገንዘብ ዝህቦ ትኹረት ውሑድ እዩ።
"ናብ ወጻኢ ምህርቲ ክንልእኽ ከለና፡ እንሸጦ 3 ቢሊየን ዶላር ኮይኑ፡ ካብ 17 - 18 ቢሊዮን ዶላር ድማ ኣታዊ ንገብር" ብምባል፡ ነዚ ናይ ንግዲ ክፍተት ንምሽፋን እቲ 'ሬሜታንስ' ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ይዛረብ።
ኣብዚ እዋን ግን፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት ገንዘብ ክልእኹ ስለ ዘይኽኣሉ፡ ካብ 'ሬሜታንስ' ወይ ካብ ወጻኢ ካብ ዝለኣኽ ዶላር እትረኽቦ ዝነበረት ገንዘብ ብዝለዓለ መጠን ክንኪ ክኢሉ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኣብ ዓለም ዜጋታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ትውልዲ ሃገሮም ዝልእኹዎ መጠን ገንዘብ ብ26 ሚኢታዊት ከም ዝንኪ ሰብ ሞያ ስነ ቑጠባ ይዛረቡ።
ስእነት ስራሕ
ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ገይሩ እዩ።
ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገዳ'ውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ብውሑድ ክሳብ 2.5 ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰባት ስራሕ ክስእኑ ክገብር ከም ዝኽእል ኣብ መጽናዕቱ ኣስፊሩ።
"እቶም 1.8 ሚሊዮን ሰባት ሰራሕተኛታት መንግስቲ'ዮም። እቲ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ካብ ስርሑ ክመዛበል እዩ ኢልና ኣይንጽበን" ዝብል ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡ "ኣብቲ ናይ ብሕቲ ዓውዲ ድማ 1.5 ሚሊዮን ሰባት ተቖጺሮም ኣለው። ካብዚኦም እቶም ፍርቂ ስራሕ ክስእኑ ይኽእሉ'ዮም" ይብል።
ብተወሳኺ፡ "ናይ ባዕሉ ስራሕ ፈጢሩ ዝመሓደር 3.1 ሚሊዮን ዜጋ ኣሎ። እዚኦም ብቐሊሉ ስርሖም ክስእኑ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
መፍትሒ
"እቲ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኮዘ ቑጠባ ብዙሕ ኣይጉዳእን። ዚያዳ እቲ ናይ ኣገልግሎትን ኢንዳስትርን ዓውዲ እዩ ዝጉዳእ። ስለዚ ብሙሉእ ዓቕምና ናብቲ ሕርሻ ከነድህብ ይግባእ። ንሱ'ዩ ነቲ ቑጠባና ዋሕስ ክኾኖ ዝኽእል" ይብል።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ሕማም ናብ ገጠራት ንከይኣቱ ጥንቃቐ ክግበር ከም ዘለዎ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ የዘኻኽር።
እቲ ሙሁር ከም ዝብሎ፡ ብዝርግሐ እዚ ቫይረስ ኣዐርዮም ዝህሰዩ፡ እቶም ንርእሶም ስራሕ ፈጢሮም ዝርከቡ 3.1 ሚሊዮን ዜጋታትን ዝመርሑዎ ስድራን እዮም።
"ስራሕ ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ኪራይ ናይ ስራሕ ቦታን መንበሪ ገዛን ይኸፍሉ እዮም ዘለው። መንግስቲ 'በጃኹም ገዛ ክራይ ነክዩሎም' ይብል ኣሎ። እዚ ጥራሕ ግን ኣይሕግዞምን። መንግስቲ፡ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾኑሉን ንኣካረይቲ ድማ ከም ቦንድ ወይ ቼክ ዝበሉ ሰነዳት መረጋገጺ ክህብ ክኽእል ኣለዎ" ኢሉ።
እቲ ናይ ውልቂ ዓውዲ'ውን ካብ መንግስቲ ሓገዝ ክግበረሉ ከም ዘለዎ ይዛረብ።