ኢትዮጵያ፡ 'ሓረስታይ ኣፍርዩ ዘይርበሐላ ሃገር' ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ብኸመይ ክመሓየሽ ይኽእል?

ኣብ ኢትዮጵያ ፍርያት ካብ ሓረስታይ ክሳብ ሸማታይ ዝበጽሐሉ መገዲ ዝተዋደደ ከም ዘይኮነ ሰብሞያ ስነ ቑጠባ ይሰማምዑ።

እዚ ዘይምውዳድ ኣብ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ (ዝቕባበ) ኣበርክቶ ኣለዎዶ? ካልኦት ምኽንያታትከ ኣለዉዶ? ከመይከ እዩ ዝፍታሕ?

ብቋንቋ ስነ ቑጠባ፡ ናይ ቀረብ ሰንሰለት (ሳፕላይ ቼይን) እቲ ሸማታይ ወይ ተጠቃማይ ዝደልዮ ነገር ናብ ዕዳጋ ክሳብ ዝበጽሕ ዘሎ መስርሕ ማለት እዩ።

ሰብ ሞያ ስነ ቑጠባ፡ ሰንሰለት ቀረብ ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ዕብየት ዓንዲ ወይ ካብቶም ዓንዲታት ሓደ እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን ይብሉ።

ኣምር ሰንሰለት ቀረብ ብቐሊሉ ንምርዳእ ናብ ኣርባምንጭ ንኺድ።

እታ ከተማ ብሃብቲ ፍረምረ ዝተዓደለት እያ፤ ብፍላይ ከኣ ሙዝ።

ዋጋ ሓደ ፍረ ሙዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣርባምንጭን ማዕረ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ኣርባምንጭ 20 ሳንቲም እንተኾኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትበጽሕ ሓደ ብር እዩ ንበል።

ሙዝ ኣብ ኣርባምንጭ ፈርዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ካልእ ከተማ ዝኸይድ ብሰንሰለት ቀረብ ኣቢሉ እዩ።

ዘፍሪ ኣካል ኣሎ፤ ካብቲ ዘፍርይ ተቐቢሉ ብጅምላ ዘከፋፍል ከኣ ኣሎ። ካብ ኣከፋፋሊ ተቐቢሉ ብሽርሻሮ ዝሸይጥ ኣሎ፤ ካብኡ ዓዳጊ ኣሎ።

ምስ ዕለታዊ ናብራና ዘለዎ ተዛምዶ ንርአ።

ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ዘተሓሳሰቦ ሰብኣይ፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘላ ሽጉርቲ እተፍርይ ዓዲ ዘሎ ዋጋ ሽጉርትን ኣብ ከተማ ምስ በጽሐ ዝሽየጠሉ ዋጋን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

ንምዃኑ ናይ ቀረብ ሰንሰለትን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋን ርክብ ኣለዎም'ዶ? እቲ ናይ ቀረብ ሰንሰለት ምዕሩይ እንተዝኸውን ኣብ ናህሪ ዋጋ ሸቐጥ ለውጢ መምጸአ'ዶ?

"ብርግጽ ርክብ ኣለዎም ፤ እንተኾነ ካልኦት ምኽንያታት እዮም ዝገደደ ጸቕጢ ዝፈጥሩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ስነ ቑጠባ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገዳ።

"ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እንተርኢና፡ ኢህወዴግ ኣብ ከተማን ገጠርን መገዲታት ሰሪሑ እዩ፤ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ ናህሪ ዋጋን ኣብዚ እዋን ዘሎን እንትንርእዮ ግና፡ እቲ ሐዚ ዘሎ ዝዓበየ እዩ። ስለዚ እቲ ሰንሰለት ቀረብ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ምኽንያታት እውን ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም'' ይብል።

ኣብዚ ዓውዲ መጽናዕቲ ከም ዘካየደ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡ እቶም ቀንዲ ሚዛን 'ዝደፍኡ' ምኽንያታት ኣርባዕተ እዮም ይብል፡፡

ሓደ ኣፍራይነት እዩ። ኣፍራይነት ብሄክታር እንትዕቀን ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

ንኣብነት ሕርሻ ብማእከላይ ገምጋም ዓመታዊ 2.5 ዕብየት እዩ ዘለዎ፤ እዚ ምስ በዝሒ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ ትሑት እዩ።

"እዚ፡ ከከም ዓይነት ኣዝርእቲ ክፈላለ ይኽእል፤ ብሓፈሻ ግን እኹል ኣይኮነን፡፡ ብመሰረት ዘካየድክዎ መጽናዕቲ፡ እቲ ቁጽሪ ሓደ ምኽንያት እዚ እዩ" ይብል።

ካልኣይ፡ ብኣቆጻጸራ ግእዝ ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝሓለፉ 12 ወይ 13 ዓመታት ብር ብበዝሒ ይሕተም ነይሩ።

ንኣብነት ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብ ናይ ቁጠባ ሒሳብን ናይ ቼክ ሒሳብን ዝነበረ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 67 ቢልየን ብር ነይሩ።

ኣብዚ እዋን 870 ቢልየን በጺሑ ኣሎ፤ እዚ ማለት ድማ ንዝሐለፉ 13 ዓመታት ብገምጋም ብ 30 ምኢታዊት ይዓቢ ነይሩ ማለት እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡ መጠን ዝሕተም ብር ካብ 4 ወይ 5 ሚኢታዊት ክበልጽ ኣይነበሮም ኢሉ ይሙግት፡፡

ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ብር ናይ ምግዛእ ዓቕሚ እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ እዚ ምሁር።

"ብፍላይ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ካብ ዝመጽእ፡ ዓቕሚ ምግዛእ ገንዘብና እናሓሰረ እዩ መጺኡ" ዝብል ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡ "እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ብዙሕ ብር የሕትም ነይሩ፡፡ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ድማ ነቲ ቕርሺ የሕስሮ ኣሎ" ኢሉ።

80 ሚኢታዊት ካብ ወጻኢ ዝዕደጉ እታወታት ኢንዱስትሪን ነዳድን ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ብር ብኣብ ዝሓስረሉ ዋግኦም ከም ዝኸብር የረድእ።

አቲ ራብዓይ ምኽንያት ድማ ነጋዶ ልዕሊ ዓቐን መኽሰብ ንምርካብ ዝገብርዎ ወሰኽ ከም ዝኾነ እዩ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ዝገልጽ፡፡

እዚ እቲ ምስ ሰንሰለት ቀረብ ዝተተሓሓዘ ምኽንያት እዩ፡፡

መፍትሒኡ እንታይ እዩ?

ቀዳማይ መፍትሒ ዝኸውን ኣፍራይነት ምዕባይ እዩ ዝብል እቲ ሙሁር፡ ኣፍራይነት ምዕባይ ዓብዪ ወጻኢ ከም ዝሓትት ይገልጽ።

ኣብ ሓጺር እዋን መፍትሒ ንምምጻእ ግና ብንእሽተይ መስኖ ምፍራይ ይከኣል'ዩ ኢሉ።

ብመንጽር ኣብታ ሃገር ዘሎ ብዙሕ ሸቕሊ ኣልቦነት፡ ብዙሕ መንእሰይ ኣብዚ ዓውዲ እንተዝወፍር ይብል እቲ ምሁር።

ካልእ እቲ ፕሮፌሰር ዘቕርቦ መፍትሒ፡ ጥቡቕ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ፖሊሲ ምህላው እዩ።

''ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝሕተም መጠን ብር እናነከየ መጺኡ እዩ። እዚ ጽቡቕ ስጉምቲ እዩ፤ ምስ እዚ ጎናጎኒ ክረአ ዘለዎ ግን፡ እቲ ዝሕተም ቅርሺ ናበይ እዩ ዝኣቱ ዝብል እዩ። ኣብ ኣፍራይነት እንተዝውዕል ጸገም ኣይምነበሮም፤ ነቲ ቀዳማይ ጸገም ምፈተሐ" ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።

ንሱ፡ ካብ ዘበነ ስልጣን ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ጀሚሩ ዓቕሚ ምግዛእ ብር ምንካይ (ዲቫልዌሽን) ክቃወም ከምዝጸንሐ ይገልጽ፡፡

ነዚ ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ንግዲ ኣታውን ወጻእን ኢትዮጵያ ለውጢ ኣብ ዘየርኣየሉ፡ ብር ከም ዝሓስር ምግባር ''20 ብር ዝነበረ ብ 40 ምዕዳግ እዩ፤ እዚ ድማ ንናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ሓፍ ዘብል እዩ'' ይብል፡፡

እቲ ፕሮፌሰር ዘቕርቦ ራብዓይ መፍትሒ ምዕራይ ሰንሰለት ቀረብ እዩ፤ እዚ ከኣ ዋጋ ምህርቲ ክንኪ ከም ዝሕግዝ እዩ ዝሕብር፡፡

''እቲ ዘሎ ኣማረጺ ምቁጽጻር እዩ፡ ኮይኑ ግና ነጋዳይ ተቖጻጺርካ ኣይትኽእሎን፡፡ ስለዚ ዝረኣየኒ መፍትሒ፡ መንግስትን ውልቀ ሰባን ተሓባቢሮም መሰረታዊ ነገራት ዘቕርቡ ዕዳጋታት ኣብ ቀበሌታት ምምስራት እዩ'' ይብል።

ኮይኑ ግና ብቐሊሉ ንብልሽውና ስለ ዝቃልዑ መጠን መኽሰብ ወሲንካ፡ ብውልቀን መንግስትን ዝመሓደር ስሩዕ ትካል (ፐብሊክ ኤንድ ፕራይቬት ፓርትነርሽፕ) ዝሓሸ መፍትሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።

ኣብ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ዘሎ ሰንሰለት ቀረብ

ኬንያ ካልአይቲ ሃገሩ ከም ዝኾነት ዝዛረብ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገዳ፡ መንግስቲ ኬንያ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ኣብ መንጎ እቲ ሓረስታይን ሸማታይን ዘሎ ናይ ዋጋ ኣፈላላይ ክጸብብ ብምግባር፡ እቲ መኽሰብ ናብቲ ሓረስታይ ክበጽሕ ዘኽእል ስርዓት ይዝርግሕ ከም ዘሎ ይገልጽ፡፡

''እቲ ዕላማ ነቲ መኽሰብ ወሲድካ ንረብሓ እቲ ሓረስታይ ምውዓል እዩ፡፡ እዚ ስርዓት፡ ንኣብነት ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ንምህናጽ ዝዓለመ እዩ፡፡''

ነቲ ስርዓት ዝቐረጹ ኬንያውያን ልክዕ ከም ኡበር ወይ ራይድ ዓይነት ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ተግባራዊ ንምግባር ይፍትኑ ከም ዘለዉ ዝሕብር ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡ ኣብ ኬንያ ዘሎ ነጋዳይ ውሑድን ዝተወደበን ብምዃኑ ምቹእ ከም ዝገብሮ ገሊጹ።