ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ‘ብኩሉ ግንባራት' መጥቃዕቲ ከፊቶም- ህወሓት

ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከፊትዎ ዘሎ ሓድሽ "ናይ መወዳእታ" መጥቃዕቲ ማሕበረሰብ ዓለም ደው ከብሎ እቲ ንዝበዝሐ ክፋል ክልል ትግራይን ገለ ከባቢት ክልል ኣምሓራን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ህወሓት ጸዊዑ።

እቲ "ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት" ናይቲ ብህወሓት ዝመሓደር ዘሎ ክልል ትግራይ ዝወጸ መግለጺ፡ ሓይልታት ፈደራል ካብ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዝተወሃሃደ ሓያል መጥቃዕትታት ከምዝፈነዉ ገሊጹ።

"ብከበድቲ ብረታት፡ ታንክታት፡ ሮኬታት፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት]ን ነፈርቲ ውግእን" ዝተሰነየ ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፡ መንግስቲ ኣብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ግንባራት፡ ኣብ ልዕሊ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ፡ ሓያል መጥቃዕቲ ከፊቱ ከምዘሎ ጸብጻባት ክሕብሩ ጸኒሐም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ንኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጭን ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ናይ ኣየርን ከበድቲ ብረታትን ደብዳብ ከምዝተኻየደ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ኤ-ኤፍ-ፒ፡ ብወገኑ፡ ንምጭታት ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓስኪሮም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወ ጠቒሱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ብዛዕባ'ዚ ዝተባህለ መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ብወገን መንግስቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ኣብቶም ውግእ ዝካየደሎም ዘሎ ካቢታት መስመራት መራኸቢታት ተቛሪጹ ብምህላዉ፡ ነቲ ኩነታት ምርግጋጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።

እንተኾነ ግን፡ ኢታ-ማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ብዛዕባ'ቲ ኲናት ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይህብ ንመደበር ቴለቪዥን ፋና ገሊጹ'ዩ።

ህወሓት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ፡ ገርገራ፡ ወገል ጤና፡ ወርጌሳን ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ግንባርን ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ይገልጽ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓሙ ይዝከር።

ሰራዊት መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ካብ ከተማ መቐለ ዝርከቦም ሰፋሕቲ ከባቢታት ክልል ትግራይ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕትታቶም ናብቶም ጎረባብቲ ክልላት ኣስፊሖሞ'ዮም ጸኒሖም።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን "በይናዊ" ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝገበረ'ኳ እንተገለጸ፡ ውግእ ግን ኣየዕረፈን።

መንግስቲ ሰራዊት ከሰልጥንን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክዕድግን ድሕሪ ምጽንሑ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈት መግለጺ ህወሓት ጠቒሱ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈደራልን ሓልታት ትግራይን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓደሽቲ ወተሃደራት የሰልጥኑ ምህላዎም ይፍለጥ።

'ኲናት ኣማራጺ ኣይኮነን'

"ህዝቢ ትግራይ ናብ ዘይደልዮ ኲናት ተገዲዱ ኣትዩ'ሎ" ዝበለ መግለጺ ህወሓት፡ "ህልውናኡ ንምርግጋጽ ኣብቲ ኲናት ተዓዊቱ ክወጽእ ግዴታኡ እዩ" ኢሉ። "ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል ከምዝርከቡ'ውን ጠቒሱ።

"ማሕበረሰብ ዓለም፡ እዚ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ክኹንንን፡ ኣብዚ ወሳኒ ሰዓት ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ክገብርን ንሓትት' ይብል እቲ መግለጺ።

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ከምኡ'ውን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ትርጉም ዘለዎ ቀጻዒ ስጉምቲ ክወስድ'ውን መግለጺ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ጸዊዑ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ "ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ወተሃደራትና ቦታኦም ሒዞም ይርከቡ" ክብል ገሊጹ'ሎ።

ብመሰረት ኤ-ኤፍ-ፒ፡ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ዝበዝሐ ናይ ኣየር፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ከምኡ'ውን ናይ ከበድቲ ብረታት ደብዳባት" ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ከምዝተፈጸመን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት መንግስቲ ኣብቶም ኣብ ሰሜን ጎንደርን ሰሜን ወሎን ዝርከቡ ዞባታት ተዋፊሮም ኣለዉ።

"ኣብ ኩሎም ግንባራት ዓቢ ሓይሊ'ዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ . . . በየናይ ግንባር መጥቃዕቲ ክኸፍቱ ከምዝኽሉ ርግጸኛታት ኣይኮናን" ክብል ኣቶ ጌታቸው ብዓርቢ ብስልኪ ንሮይተርስ ገሊጹ ነይሩ። ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ነፈርቲ ኲናትን ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፋ'ውን ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ ርክባት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ፡ ብሓሙስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ "ብሰንኪ ህወሓት ኣብ ጸገም ዝርከብ ህዝብና ናጻ ንምውጻእ ብኹሎም ግንባራት ዘየዳግም ስርሒት ኣብ ዝኾነ ግዜን ሰዓትን ክካየድ ይኽእል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥሜት፡ ዓጸቦን፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ነቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ግጭት ብሰላምን ዘተን ምፍታሕ ዝተኻየዱ ፈተነታት ዛጊት ከምዘይሰመሩ ይፍለጥ።