እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ቀረብ መድሃኒት ናብ ትግራይ ክኣቱ ኣይከኣለን - ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይብእስ ምህላውን ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮን ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ሓቢሩ።
ከም ኢትዮጵያዊ ተወላዲ ትግራይ እቲ ኩነታት ብውልቁ ከም ዝጸልዎ ዝገለጸ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ በቲ ኲናት ተጸልዮም ኣብ ዝርከቡ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ክሳዕ 7 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ንህጹጽ ናይ መግብን ካልእን ረድኤት ተጸባዪ ኮይኑ ምህላው ገሊጹ።
ኣብቲ 11 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ዳርጋ ንሓደ ዓመት ህዝባዊ ኣገልግሎታት ተቋሪጹ ብምህላው ሽዱሽተ ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ተቓሊዑ ምህላው'ውን ኣብሪሁ።
ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ብምምጽኡ፡ ብሕጽረት ቀረብ መግብን መድሃኒትን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ብሕዱር ሕማማት ዝሳቐዩ ሰባት ይሞቱ ምህለዎም'ውን ገሊጹ።
ብፍላይ ካብ ወርሒ ሓምለ ንደሓር መንግስቲ ኢትዮጵያ "ዝኾነ ዓይነት ናይ መድሃኒት ቀረብ" ናብ ትግራይ ክኣቱ ብዘይምፍቃዱ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ከይረኽቡ ከልኪሉ ምህላው'ውን ሓቢሩ።
በቲ ኣብታ ክልል ዝተኻየደ ኲናት መብዛሕትአን ትካላት ጥዕና ከምዝዓነዋን ዝተዘመታን እተን 13% ጥራይ ኣብ ስራሕ ከም ዘለዋ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ገሊጹ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ሓይልታት ትግራይ፡ ንዝበዝሐ ከባብታት ትግራይ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኩሎም መገዲ መራኸቢታት ተዓጽዮም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ እቲ ኩነታት ብኢሱ ምህላው እዩ ዝግለጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ትካላት ረድኤት ምስቲ ግብረሽበራዊ ኢሉ ዝሰመዮ ህወሓት ይተሓባበሩ ከም ዘለው እዩ ዝኸስስ።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት "ሓንቲ ሃገር ብጥምየት ልዕሊ 15% እንተድኣ በፂሓ፡ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላን፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ናይ እኽሊ ሓገዝ ክዕደል መደብ ይወጽእ ማለት'ዩ። ኣባና ግን እቲ መጠን ድሮ ኣብ 25 ሚእታዊት'ዩ በፂሑ ዘሎ።
"እዚ ሕዚ ተኸሲቱ ዘሎ ጥምየት ምስ'ቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ምስ እነናፃፅሮ ድማ ወሲኹ ንረኽቦ" ብምባል ሓገዝ ብቕልጡፍ እንተዘይተረኺቡ ናይ 1977 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኩነታት ከጋጥም ከም ዝኽእል ሐቢሩ።
ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሕጽረት ቀረብ መግቢ ንምምላእ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከም ዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
እንተኾነ ካብ መፋርቕ ነሓሰ ክሳብ መፋርቕ መስከረም 10 ሚኢታዊ ጥራይ ከምዝኸደ ውድብ ህቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ትግራይ ካብ ዝተልኣኻ 466 መካይን ጥራይ ምዃነንን ካብኣተን እተን 38 ጥራሕ ምምላሰን'ውን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓትን ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ፡፡
መራሕቲ መካይን ናብ ትግራይ ዝወስድ ነዳዲ ጥራሕ ክመልኡ ከምዝተገበሩን ኣብ መንገዲ ብሓይልታት ፌደራል ዝተፈላለየ በደላት ከምዝፍጸሞምን መራሕቲ ትግራይ ይገልጹ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሕጽረት ነዳዲ ምንቅስቓስ ሓገዝ ዘጓዓዕዛ መካይን የተዓናቕፍ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ኣይቕበሎን፡፡ ህወሓት ነተን መካይን ንኻልእ መዓላ ይጥቀመለን ኣሎ ክብል'ውን ይኸስስ።
ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ከምዘፈናቐለን ተጸባዪ ረዲኤት ከምዝገበረ ይግለጽ። ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከምዝኣተዉ ሰብመዚን ትካላት ረዲኤትን ይሕብሩ።
ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምብጻሕ ክልከላታት ከም ዘሎ ዝገለጻ ኣመሪካን መሻርኽታን ሰብኣዊ ረድኤት ብቐጥታዊ በረራ ናብ ትግራይ ዝበጽሓሉ ኣማራጺ ከምዝዘተዩ ትካል ረድኤት ኣመሪካ ብረቡዕ ሓቢሩ እዩ።