እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታሪኻዊ ዝተባህለ ክታበት ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ ምሃብ ከምዝጅመር ተገሊጹ
ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ኣፍሪቃ ዝርከቡ ህጻናት ካብቲ ቀታሊ ዝኾነ ሕማም ዓሶ ንምድሓን ዝዓለመ ክታበት ኣብ ቃልሲ እቲ ሕማም ታሪኻዊ ብዝተባህለ ኩነታት ምሃብ ክጅመር እዩ።
ሕማም ዓሶ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ንነዊሕ ዓመታት ካብ ሞንጎ ዝጸንሑ መቕሰፍትታት ሓደ ኮይኑ ምኽንያት ሞት ብዙሓት ህጻናትን ዕሸላትን ከም ዝኾነ ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ዳርጋ ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝኣክል ፈተነ ድሕሪ ምክያድ ክታበት ክርከብ ምኽኣሉ ሓደ ካብ ሞንጎ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ዝተመዝገቡ ዓወታት ኮይኑ’ሎ።
‘ኣርቲኤስ - ኤስ’ ዝብል መጸውዒ ዝተወሃቦ ክታበት ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት ነይሩ ውጽኢታውነቱ ዝተረጋገጸ።
ብድሕሪ’ቲ ኣብ ጋና፣ ኬንያን ማላውን ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነ ውጽኢታውነቱ ስለ ዝተረጋገጸ ድማ ኣብተን ብዝለዓለን ማእኸላይን ደረጃ ዝግለጽ ዝርግሐ ሕማም ዓሶ ዝረኣየለን ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦትን ምሃብ ክጅመር ተወሲኑ።
ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቲ ክታበት ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ታሪኻዊ እዋን” ክብል ገሊጹ።
“እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ክታበት ዓሶ ንሳይንስ፣ ንጥዕና ህጻናትን ቁጽጽር ዓሶን ዓብዪ ውጽኢት’ዩ፤ በብዓመቱ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ከድሕን ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
ቀታሊ ባልዕ/ጽግዕተኛ
ብሰንኪ ምንካስ ደም ዝመጣ ጣንጡ ዝመሓላለፍ ዓሶ ንዋህዮታት ደም ብምውራር’ዩ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝገብሮም።
ነቶም ጽግዕተኛ ህዋሳት ንምቕታል መድሓኒታት ከምኡ’ውን ንክሲት ጣንጡ ንምክልኻልን ጣንጡ ንምቕታልን ጸረ-ባልዕ መድሓኒታት ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ብምውዓሎም ንሓደጋ እቲ ሕማም ምንካይ ተኻኢሉ ጸኒሑ።
እንተኾነ ሎሚ’ውን ኣስታት 230 ሚልዮን ሕሙማት ዓሶ ዝርከቡ ኮይኖም ካብ ሞንጎኦም እቶም 400 ሽሕ ንሞት ይቃልዑ።
ካብዚ ቁጽሪ እቲ 95 ሚኢታዊት ኣብ ኣፍሪቃ የጋጥም። ቅድሚ ክልተ ዓመታት ድማ ልዕሊ 260 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ እዚ ሕማም ሞይቶም።
ሰብነትና ዓቕሚ ምክልኻል እቲ ሕማም ንኽህልዎ ብተደጋጋሚ ዓሶ ክትተሓዝ ከም ዘድልይ ይግለጽ። እዚ ከኣ ዓሶ ብጽኑዕ ንኸይትሓምም ይሕግዝ።
ዶክተር ክዋሜ ኣምፖሳ-ኣቺያኖ እቲ ክታበት ብስፍሓት ምሃብ ውጽኢታዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ።
“ነዓና ዘሕጉስ እዋን ነይሩ፤ ብሰፊሕ መጠን ክታበት ምሃብ ንሰፊሕ ዝርግሐ ዓሶ ክንክይ ከም ዝገብሮ እምነት ነይሩኒ” ክብል ርእይትኡ ሂቡ።
ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ብተደጋጋሚ ብሕማም ዓሶ ይጥቃዕ ምንባሩ ሓኪም ንምዃን ምኽንያት ከም ዝኾኖ ይዛረብ።
“እቲ ኩነታት ዘሕዝን ነይሩ። በብሰሙኑ ምባል ይከኣል እናተሓከምኩ ካብ ትምህርቲ እተርፍ ነይረ። ዓሶ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊና ከቢድ ጉድኣት ኣብጺሑ እዩ” ይብል።
ልዕሊ 100 ጽግዕተኛ ህዋሳት [‘ፓራሳይት’] ዓሶ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
እዚ ሓድሽ ‘ኣርቲኤስ-ኤስ’ ዝባሃል ክታበት ከኣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ቀታሊ ዝኾነን ዝተለመደን ዓይነት ዓሶ ዒላማ ይገብር።
ኣብ 2015 ዝተኻየደ ፈተነ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 10 ሕሙማት ነቶም 4 ከምኡ’ውን ካብ 10 ብጽኑዕ ዝሓመሙ ነቶም 3 ክከላኸል ዝኽእል ክታበት’ዩ።
ልገሳ ደም ዝጽበዩ ህጻናት እውን ቁጽሮም ብሲሶ ክንክይ ከም ዝገብር ይግለጽ።
ውጽኢታውነት እቲ ክታበት ንምርግጋጽ ኣርባዕተ ጊዜ ምኽታብ ዘድልይ ኮይኑ ፈላሞት ሰለስተ ብናይ ሓሙሽተ፣ ሽድሽተን ሸውዓተን ኣዋርሕ ኣፈላላይ ይወሃቡ።
እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ኣብ መበል 18 ወርሒ ከም ዝውሰድ ተፈሊጡ’ሎ።