ቅልውላው ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ 'ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ' ክትዕድግ ሓቲታ

ኢትዮጵያ፡ ስረሓት ቱርኪ ዝኾና 'ባይራክተር ቲቢ2' ዝተባህላ ንኲናት ዝውዕላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ካብ ቱርኪ ንክትዕድግ ከም ዝሓተተት ተገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቱርኪ ንሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞሮኮ ድሮን ከም ዝሸጠት ሮይተርስ ንምንጭታቱ ረቚሑ ጸብጺቡ።

ነዚ ጉዳይ ቕርበት ዘለዎ ሓደ ዲፕሎማት፡ ሞሮኮ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ዝኣዘዘቶ ፈላማይ ዙርያ ዕድጊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተቐበለት ብምግላጽ፡ እቲ ዝኣዘዘቶ ድሮን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ ስርሓት ቱርኪ ዝኾና ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንክትውንን መደብ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

ስምምዕ መሸጣ እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ቐረብ መለዋወጢ ኣቑሑን ስልጠና ሓይሊ ሰብን ዝሓውስ ምዃኑ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

እንተኾነ፡ ብዝሒ እተን ነፈርትን ዋጋን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ የለን። መሸጣን ውዕልን ዝምልከት'ውን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሞሮኮን ቱርክን ዝሃብኦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ሰለስቲኦም መንግስታት ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህቡ'ውን ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃቡን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣሃዛት መሸጣ ወጻኢ ቱርኪ ከም ዘመላኽቱዎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያን ሞሮኮን እትልእኾ መጠን ኣቪየሽንን ናውታት ምክልኻልን ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

እዚ ብዛዕባ መሸጣ ድሮን ድዩ ኣይኮነን ዝብል ግን ኣይተነጸረን።

ካብ ማሕበር ልኣኽቲ ኣቕሓ ቱርኪ ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ኣታዊ ዝገበረቶ ኣጽዋር ምክልኻልን ኣቪየሽንን ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር ካብ 203 ሽሕ ዶላር ናብ 51 ሚልዮን ዶላር ክብ ኢሉ'ዩ።

ግብጺ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ኢላ?

ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ ንኲናት ዝውዕላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትዕድግ'ያ ዝብል መደብ ንግብጺ ከም ዘቖጥዓ ሮይተርስ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ማዕኸን ሚዲያን ክልተ ምንጪታት ድሕነት ግብጺ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ግብጺ፡ ክልቲአን ሃገራት [ኢትዮጵያን ቱርክን] ክበጽሕኦ ዝኽእላ ስምምዕ ንከይፍጸም ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ብሞንጎኝነት ንክኣትው ሓቲታ ኣላ።

ካልእ ግብጻዊ ምንጪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ቅድሚ ምፍራማ ግብጺ ምስ ቱርኪ ክትዛተ ኣለዋ ዝብል መርገጺ ከም ዝሓዘት ተዛሪቡ።

ግብጺ ብምኽንያት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ እትርከብ ሃገር'ያ፤ ኣብ ሊቢያን ጉዳያት ባሕሪ ምብራቕ ሜድትራንያንን ድማ ምስ ቱርኪ ዘለዋ ርክብ ሓርፊፉ ይርከብ።

ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ድሕሪ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ስልጣን ምስ ሐዘ ዝምድና ግብጽን ቱርክን ሓርፊፉ'ዩ።

ክልቲአን ሃገራት ብምኽንያት ሊብያ ዝተፈላለየ መርገጺ ዝሓዛ ኮይነን፡ ቱርኪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝሃቦ መንግስቲ ትድግፍ።

ግብጺ ብወገና ነቲ መንግስቲ ንምዕላው ብረት ዝዓጠቑ ሓይልታት ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ኻሊፋ ሓፍጣር'ያ እትድግፍ።

ባይቶ ቱርኪ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝሃቦ መንግስቲ ንምሕጋዝ ናብ ሊብያ ሰራዊት ብምልኣኻ፡ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ክዓርግ ገይሩ'ዩ።

ባይራክታርቲቢ2

እዚ ብቱርኪ ዝስራሕ ድሮን ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝኾና ሃገራትን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ሃገራትን ዓዲገን ተዓጢቐንኦ ይርከባ።

ገሊአን ድማ ገና ክገዝኣ ኣብ ስምምዕ ኣለዋ።

ነቲ ድሮን ዘፍሪ ‘ባይካር ዲፈንስ’ ኣብዚ እዋን ኣስታት160 ባይራክታር ቲቢ2 ኣብ ቱርኪ፣ ቀጠር፣ ዩክረይንን ኣዘርባጃንን ኣገልግሎት ይህባ ምህላወን ይገልጽ።

ኣባል ኔቶ ዝኾነት ፖላንድ’ውን 24 ድሮናት ንምዕዳግ ተሰማሚዓ’ላ።

ቅድም ኢሉ፡ ሚንስተር ምክልኻል ፖላንድ ባይራክታት ቲቢ2 “ብቕዓተን ኣብ ኲናት ኣመስኪረን ኣለዋ” ክብል ኣብ መደብር ሬድዮ ሃገሩ ምዝራቡ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

ብተመሳሳሊ ሞሮኮ 13 ባይራክታር ካብ ቱርኪ ንምዕዳግ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ስምምዕ ከም ዝፈጸመት መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን ነይረን።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ስዑዲ ዓረብ ድሮናት ሃገሩ ንምግዛእ ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጹ’ዩ።

ብተመሳሳሊ ላቲቪያ’ውን ነተን ድሮናት ናይ ምዕዳግ ድልየት ከም ዘለዋ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቱርኪ ኣብ ወርሒ ሰነ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

እዚ ድሮን፡ ኣብ ማእኸላይ ብራኸ ነዊሕ ርሕቐት (Medium Altitude Long Endurance) ዝምደብ ኮይኑ፡ ክሳብ 150 ኪሎ ግራም ክብደት ተሰኪሙ ክበርር ይኽእል።

ክሳብ 300 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኮይንካ ምቁጽጻር ከም ዝከኣል ይግለጽ።

ነዞም ድሮናት ዘፍርይ ትካል ኣብ ዌብሳይቱ ዘስፈሮ ሓበሬታ ስፍሓት ክንፊ/መንፈሪ እቲ ድሮን 12 ሜትሮ፣ ቁመቱ 2.2 ሜትሮ፣ ንውሓቱ 6.5 ሜትሮ ከም ዝኾነ የመልክት።

እዚ ዓይነት ድሮን ቁጽጽር ከይተገበረሉ ባዓሉ ክለዓልን ክዓልብን ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ካብ 18 ክሳብ 27 ሽሕ ጫማ ብራኸ ኣገልግሎት ክህብ ይኽእል።

4 ሮኬት ወይ ቦምባ ወይ ሚሳኤል ክሽከም ድማ ይኽእል።

ኣብ ቀረባ ኣብ ሞንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመኒያን ዝተላዕለ ጎንጺ፡ ኣዘርባጃን ተዓዊታ ንክትወጽእ እዚ ድሮን ብሰፊሑ ከም ዝተጠቐመት ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ቱርኪ እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኲናት ሶርያን ሊብያን ክውዕላ ገይራ'ያ።

ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኲናት ትግራይ

ኣብቲ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሰራዊት ፌደራል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተጠቐሙ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም'ዮም።

ቢቢሲ፡ ዋላ'ውን እንታይ ዓይነት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ'የን ኣብቲ ኲናት ውዒለን ዝብል ከረጋግጽ እንተዘይኽኣለ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መንግስቲ ድሮን ከም ዝተጠቕመ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ'ውን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኲናት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተጠቐመት ኣረጋጊጹ'ዩ።

ድሮን ብኸመይ ንዂናት ይውዕል?

ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ካብ ምሃበን ብተወሳኺ ንኽልተ መሰረታዊ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እውን ይውዕላ።

ንስለያ [ካብ ጸላኢ ሓበሬታ ንምእካብ] ከምኡ’ውን መጥቃዕቲ ንምፍጻም [ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሚሳኤል ንምትኳስ] የገልግላ።

ግዝፊ ድሮናት ምስተን ስሩዓት ወተሃደራዊ ኮና ስቪላዊ ነፈርቲ ክነጻጸራ ከለዋ ኣዝየን ዝነኣሳ እየን።

ቁጽጽር ዝግበረለን ከኣ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ዝኾነ ቦታ ብዘሎ በዓልሞያ’ዩ።

እቲ በዓል ሞያ ተንቀሳቓሲ ኣብ ዝኾነ መቆጻጸሪ [mobile ground control station] ኮይኑ ብርክብ ሳተላይት ኣቢሉ ነታ ድሮን ይቆጻጸራ።

ኣብ ዓውዲ ኲናት ንጸላኢ ከቢድ ዕንወትን ኪሳራን ብምስዓብ ውጽኢታውያን ካብ ሞንጎ ዝበሃሉ ዓይነታት ድሮን ዘፍርያ ሃገራት ቻይና፣ ቱርኪ፣ ኣሜሪካን እስራኤልን ይጥቀሳ።