ቅልውላው ትግራይ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣጽዋር ኲናት ኣጓዓዒዙ ክብል ሲኤንኤን ንዘውጽኦ ጸብጻብ ነጺጉ

ቅድሚ ክልተ መዓልታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጀመርታ ኲናት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዘለው ሒደት መዓልታት ናብ ኤርትራ ኣጽዋራት ኣጓዓዒዙ’ዩ ክብል ሲኤንኤን ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ዘካተተ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ እቶም ዝተባህሉ ኣጽዋራት ኲናት ኣየጉዓዓዝኹን ክብል ነቲ ጸብጻብ ተቓዊሙ።

“. . . እቲ መገዲ ኣየር ብዝኾነ ነፋሪት ናብ ዝኾነ ቦታ ኣጽዋር ኲናት ኣየጉዓዓዘን” ይብል እቲ መገዲ ኣየር ዘውጽኦ መግለጺ።

ብዙሓት ዓለምለኻዊ ሽልማታት ዝተዓወተ መገዲ ኣየር ምዃኑ ብምጥቓስ፡ ሕግታት ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ሓዊሱ ሃገራዊ፣ ኣህጉራውን ዓለማውን መምርሒታት መጓዓዝያ ኣየር ከም ዘኽብር ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ መገዲ ኣየር ብምኽንያት መንነቶም ካብ ስራሕ ዝተሰጎጉ ውልቀሰባት የለውን ኢሉ።

ጸብጻብ ሲኤንኤን እንታይ ይብል?

ሲኤንኤን፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብነፈርቲ መጓዓዝያ ስቪል ናብ ከተማታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣጽዋራት ከም ዘገጉዓዓዘ ብመርመራ ኣረጋጊጸ’የ ይብል።

እቲ ማዕኸን ዜና እቲ መገዲ ኣየር እቶም ኣጽዋራት ኲናት ዘጉዓዓዘሉ ክፍሊት ንሚኒስቴር ምክልኻል ዝሓተተሉ ሰነድ፣ ናይ ጽዕነት ዓይነትን ዝበጽሐሉ ቦታን ዘርእዩ ሰነዳት ጉዕዞን ሰባት ኣጽዋራት እናጽዓኑ ዘርኢ ምስልን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶኦም ዝሃቡ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ድማ እቲ መገዲ ኣየር ኣጽዋራት ከም ዘጉዓዓዘን ሕግታት ኣቪየሽን ከም ዝጥሓሰን ተዛሪቦም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ብተደጋጋሚ ሽሙ ክለዓል ጸኒሑ’ዩ።

ቅድም ኢሉ’ውን ኣጽዋራትን ሰራዊትን ናብ ትግራይ የጉዓዕዝ ኣሎ ዝብሉ ክስታት ብማሕበራዊ ሚዲያ ክቐርበሉ ብምጽንሑ፡ እቶም ክስታት “ሓቕነት ዘይብሎም’ዮም” ክብል መልሲ ሂቡሎም ነይሩ።

ክልል ኣየር ትግራይ ኣብ ዝተዓጸወሉ እዋን ናብቲ ክልል በረራ ከም ዘይገበረ ብምሕባር ብደረጃ ዓለም ብሓለዋ ድሕነት ከም ዝፍለጥ ብምዝኽኻር “እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እናሃለወ፡ ገለ ውልቀሰባት ሽሙ ንምጽላም ይሰርሑ ኣለው” ክብል ነቒፉ።

ነዚ ድማ “ዝተፈላለዩ ስኑዓት ምስልታት፣ ድሮንን ካልኦት ዘይራኸቡ ምስልታትን ተጠቒሞም’ዮም” ኢሉ።