እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዘጓዓዓዞ ወታሃደራዊ ብረታት ሕጋዊ ክብል ግብረመልሲ ሂቡ
ብመገዲ ኣይር ኢትዮጵያ ተጻዒኑ ናብ ሱዳን ምስኣተወ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ ዝነበረ 70 ሳንዱቕ ወተሃደራዊ ብረት ናይ ኣጽዋር መሸጣ ፍቓድ ብዘለዎ ትካል ብሕጋዊ መገዲ ዝተጽዓነ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ሱዳን ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝተጓዓዓዘ ኣጽዋር፡ ኣንጻር ሱዳን ገበን ንምፍጻም ተባሂሉ ዝኣተወ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ሰበስልጣን ሱዳን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ከምዝነበሩ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ጠቒሱ ሮይተርስ ጸብጺቡ ነይሩ፡፡
እንተኾነ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ሱዳን ብዝገበሮ ምጽራይ፡ እቲ 290 ጠበናጁ ዝርከቦ ጽዕነት ዋንነቱ ፡ ዋኢል ሻምስ ኢልዲን፡ ናይ ዝተባህለ መሳርሒ ኲናት ናይ ምሻጥ ፍቓድ ዘለዎ ትካል ከምዝኾነን ብዝተኻየደ ምጽራይ ሕጋዊ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ናይ ሱዳን ኣገልግሎት ዜና [ሱና] ዝወጽአ 'ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ግዒዙ' ዝተብሃለ ኣጽዋር ውግእ ብዝምልከት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እውን "ንሃድን ዝውዕል ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ምግዓዝ ሕጋዊን ንግዳውን ንጥፍታት እዩ" ዝበለ እቲ መገዲ ኣየር፡ ምስ'ቲ ተቐባሊ ኣድላይ ናይ ሰነዳት መረዳእታት ከምዘለዎ'ውን ኣፍሊጡ።
ሱዳን ግን ኣብ ጉዳይ እቲ ‘ብነፋሪት መገዲ ኣየር ተጻዒኑ ናብ ካርቱም ኣትዩ’ ዝተባሃለ ኣጸዋር ምጽራይ ክተካይድ ምጅማራ ኣፍሊጣ ነይራ።
ወኪል ዜና ሱዳን - ሱና እቲ ካብ ኢትዮጵያ ብነፋሪት ተጻዒኑ ናብ ካርቱም ዝኣተወ ኣጽዋር “ኣብ ልዕሊ መንግስቲ [ሱዳን] ገበን ንምፍጻን” ክውዕሉ ከምዝተሓሰቡ ይጥርጠር ኢሉ ነይሩ።
እቲ 'ናይ ሃደን ኣጽዋር' ዝበሎ ክሳብ ዝጻረ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣባበን ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ምጽንሑን ዝገልጽ እቲ መገዲ ኣየር ግን፡ እቲ ወናኒ ንብረት ኣብ ቤት ፍርዲ ሱዳን ክሲ ብምምስራት፡ ንብረቱ ከረክቦ ወይድማ 250 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ከምዝሓተቶን ይገልጽ።
እቲ መገዲ ኣየር፡ ሕዚ እቲ ከይዲ ምጽራይ ከምዝተዛዘመ ካብ ሓለፍቲ ጸጥታ ፍቓድ ስለዝረኸብኩ እየ ኣግዒዘዮ ይብል።
"ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዝተጽሐፈ ደብዳበ ሓዊሱ፡ ኣድላይ ዘበለ ናይ ሰነድ መረዳእታ ኣለና" ዝበለ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተጠቕሰ ደብዳበ ካብ ወገን ሱዳን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።
ንስርዓት ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ንምዕናው ዝቖመ ኮሚቴ፤ ኣብ ጉዳይ እቶም ኣጽዋር ምጽራይ ከካይድ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ።
እቲ ኮሚቴ እንታይ ኢሉ ነይሩ?
እቲ ኣጽዋር መበገሲኡ ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ቀዳም ምሸት ብነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ምስበጽሐ ብሰብመዚ ጉምሩክ ከምዝተትሓ ነቲ ኮሜቴ ብምጥቃስ ሱና ጸብጺቡ።
እቶም ሎሚ ኣብ ሱዳን ዝተትሓዙ ብረታት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2011 ዓ.ም (2019) ካብ ሞስኮ-ሩስያ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ’ውን ኣፍሊጡ።
ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ምስተወገደ ዝቖመ ኮሚቴ፤ እቶም ኣጽዋራት ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል እዋን ምስጸንሑ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን ዝኾነ ሓበሬታ ከይሃበ ብሲቪል ነፋሪት ናብ ካርቱም ክጸዓኑ ገይሩ’ሎ” ክብል ምኽሳሱ ጸብጻብ ሱና ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ውሽጢ 72 ሳናዱቕ ዝተዓሸጉ ኣጽዋር ኣብ ጸልማት እዋን ክትርእይ ዘኽእሉ ወተሃደራዊ መነጸራት’ውን ከምዝተረኸቦም ተገሊጹ።
ናብ ካርቱም ዝኣተዉ ኣጽዋር “ንዴሞክራሲያዊ ስግግር ሱዳን ንምትዕንቓፍን ሲቪላዊ ስግግር መንግስቲ ከይህልውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ገበን ንምፍጻም” ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ዝኽእሉ ምንባሮም እቲ ኮሚቴ ጥርጣርኡ ምግላጹ ማዕኸን ዜና ሱና ገሊጹ ነይሩ።
ዝሓርፈፈ ርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን
ክልትኤን ሃገራት ብምኽንያት ‘ይግባኣኒ’ ዝብልኦም መሬታትን ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ኣብ ወጥሪ ከምዝርከባን እቲ ወጥሪ ይረስን ከምዘሎን ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣብ ኣል-ፋሽቃ [ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን] ንዝነበረ ሰራዊታ ምስኣልዐለት ሱዳን ነቲ ቦታ ተቖጻጺራቶ ትርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ነቲ መሬት ገዲፋ ክትወጽእ ብተደጋጋሚ ክሓትት’ኳ እንተጸንሑ ሰበስልጣን ሱዳን ግን “እቲ መሬት ናትና’ዩ” ብዝብል ከምዘይወጽኡ ኣረጊጾም ይዛረቡ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ከኣ ኣብ ከባቢ ኣልፋሽቃ ዝሃነጽዎም መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ-ቅርጺ) ከምዘመረቑ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ብወገና ኣብዚ ቕነ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓል ካብ ሱዳን ክኣትው ዝፈተነ ሓይሊ ህወሓት ከምዝሰምሰሱ ገሊጻ ነይራ።
ላዕለዋይ መኮነን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾነ ኮሎኔል ሰይፈ ኢንጊ፤ እቲ ብሱዳን ገይሩ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝተባሃለ ሓይሊ ንህንጸት እቲ ግድብ ዘተኣጓጉል መጥቃዕቲ ንምፍናው ዓሊሙ ምንባሩ ተዛሪቡ።
እቲ ሓይሊ ጸረ ሰብን ጸረ ተሽከርከርትን ንምጽዋድ ፈቲኑ ምንባሩ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝገለጸ ይዝከር።
እተኾነ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ክሲ ብምንጻግ፤ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጸገማታ ናብ ቅልውላው ከምዝኣተወት ኣፍሊጡ።