እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 44 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ናይ ምትዕጽጻፍ ስጉምቲ ስለዝተወስደ ካብቲ ክወርዶ ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ከምዝደሓነ ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ተዛሪቡ።
ንሱ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ'ኳ እቲ መገዲ ኣየር ናይ ሓደ ቢልዮን ክሳራ እንተጋጠሞ፡ ሰራሕተኛታቱ ዓቂቡ ዘለዎ ዕዳ እናኸፈለ፡ 44 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ረኺቡ ኢሉ።
እቲ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዓለምለኻዊ መገሻታት ብ90 ሚእታዊት ድሕሪ ምጉዳሉ፡ 45 ናይ መጓዓዝያ ነፈርቱ፡ ናብ ናይ ጽዕነት ብቕያር፡ ናይ ካርጎ ኣገልግሎታቱ ኣዕብይዎ።
ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ናውቲ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣዝዩ ዝድለየሉ ስለዝነበረ ነቲ ጠለብ ዕዳጋ ኣብ ረብሕኡ ብምውዓል፡ ናብ ኣውሮጳ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ብዙሕ ንብረት ከበጻጽሕ ከምዝኸኣለ ኣይተ ተወልደ ገሊጹ።
ጠለብ ዕዳጋ እናወሰኸ ብምምጽኡ ድማ እተን ዝነበርኦ ነፍርቲ ጽዕነት እኹላት ክኾና፡ ነተን ነፈርቲ መጓዓዝያ መንበረን ብምልዓል ብቕልጡፍ ናብ ናይ ካርጎ ክቕየራ ተገይሩ።
ኣብዚ እዋን ብዙሓት መገዲ ኣየራት ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ-19 በረራታተን ከቋርጻ ብምግዳደን ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢምወን ይርከብ።
ገለ ካብኣን ድማ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰራሕተኛታተን ከፋንዋ ተገዲደን ኣለዋ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 1945 ብጸሃይ ሃይለስላሰ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ዘመናውነት ንምትእትታውን ብድኽነት ዝልለ ሕማቕ ምስሊ እታ ሃገር ንምቕያርን ዝዓለመ ምንባሩ ይዝረብ።
ናይ ፈለማ በረራ ድማ ኣብቲ ዓመት ብኣስመራ ገይሩ ናብ ካይሮ ኣብጺሑ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቑጽርታት
- 74 ዓመት ዕድመ
- 111 ነፈርቲ
- 127 ዝበጽሓሎም ቦታታት [ደስቲኔሽንስ]
- 10.6 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ኣብ ዓመተ 2017/2018
- 3.1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ኣብ ዓመተ 2017/2018