እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቱኒዚያ፡ መገዲ ኣየር ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ኣብ ቱኒስ ከይዓርፍ ከልኪላ
ቱኒዚያ፡ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ብመገዲ ኣየር ኢምሬትስ ከይስቀላ ብምኽልኻለን፡ ነፋሪት ኢምሬትስ ኣብ ቱኒስ ከይትዓርፍ ኸልኺላ።
እዚ ኣብታ ሃገር "ዘርኣዉን ኣድሎኣዉን" ተግባር'ዩ ብዝብል ቑጠዐ ዘልዓለ እንትኾን፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ቱኒዚያ ኾኒነሞ።
ሚኒስቴር መጓዓዚያ ቱኒዚያ ከምዝበሎ፡ አቲ ሕዚ ቱኒዚያ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ፡ ኢምሬትስ ብዓለምለኻዊ ስምምዓትን ሕግጋትን በረራ ክሳብ ትግዛእ ገቢራዊ ክኸዉን'ዩ።
ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ብወገና፡ "ሓበሬታ ደሕንነት" እቲ በረራ ክዝንግዕ ምኽንያት ኾይኑኒ'ያ ትብል።
"ቱኒዚያዉያን ኣሕዋትና ብዛዕባ ኹነታት መረዳእታ ደሕንነት ኣዘራሪብና ኢና" ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢምሬትስ ኣንዋር ጋራጋሽ ኣብ ትዊተር ገጾም ጽሒፎም'ዮም።
"ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዚያ ነኽብር ኢና" ክብሉ'ዉን ገሊጾም።
ገለ ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዚያ ግና፡ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ዝነበረን ጉዕዞ ከምዝተዘናግዐን ናይ ቪዛ ጉዳየን ተወሳኺ ምጽራይ ክግበረሉ ግዘ ከምዝወሰደንን'የን ዝዛረባ።