እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ንካልኣይ ግዜ መጥቃዕቲ ኣየር ተኻይዱ
ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝተደብደበት ተገሊፁ።
እቲ ናይ ሎሚ ደብዳብ ከባቢ ሰዓት 10:20 ቅድሚ ቀትሪ ኣቢሉ ኣብ ጥቓ መናሃርያን መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪነግን ከምዝዓለበ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።
ኣብቲ መጥቃዕቲ: ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣየር፡ ብፅሕቲ ወርሒ ነፍሰፆር ኣደ ከምዝተጎድአት ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰኑ እውን ኣብታ ከተማ: ኣብ ከባቢ ሓሬናን ዕዳጋ ዓዲሓቅን ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ ነይሩ እዩ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝዓበየ "ፋብሪካ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ግዳይ እቲ ደብዳብ ኣየር ከምዝኾነን" ሸሞንተ ሰባት ከምዝተጎድኡን ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዳይሬክተር ክፍሊ ህፁፅ ክትትል ሕክምና ዶክተር ነጋሲ ግርማይ፡ ብፅሕቲ ወርሒ ነብሰ ፆር ሓዊሱ በቲ መጥቃዕቲ ኣየር ብከቢድ ዝተጎድኡ ሓሙሽተ ሰባት ይሕክሙ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊፁ።
እቶም ካልኦት ሰለስተ ዝተጎድኡ ከኣ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ይሕከሙ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ሎሚ ረቡዕ ንጉሆ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ነባርን ኣማኢት ኣሽሓት ተመዛበልትን ኣብ ዘለዋ ከተማ መቐለ ከምዝተፈፀመ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
"እቲ ደብዳብ ኣየር ሎሚ ንጉሆ ሰዓት፡ 4፡20 ኣብ ማእኸል ከተማ መቐለ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል መቐለ ወይ ፊት ንፊት ሆቴል ሂልቶፕ'ዩ ተፈፂሙ። ህዝቢ ክሳብ ሕዚ ነቲ ዝተፈጠረ ባርዕ ንምጥፋዕ ይፅዕር ኣሎ" ኢሉ።
ውሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሮኔል ጌትኔት ኣዳነ ነዚ ሎሚ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ደብዳብ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ንዝቀርበሉ ሕቶ ''ሚድያታት ሚዛናውያን'' ስለዘይኮና ዝኾነ ቃል ክህብ ፍቃደኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
እንተኾነ፡ ብመንግስቲ ዝመሓደር፡ Ethiopia Current Issues Fact Check ዝተብሃለ ናይ ትዊተር ኣካውንት፡ ሎሚ ኣብ መቐለ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝተኻየደ ብምግላፅ እቲ ደብዳብ ናይ ህወሓት መፀገንን መስርሕን ብረት ንዝኾነ ቦታ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ገሊፁ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ንናይ ሎሚመዓልቲ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከባቢ ሓሬናን ዕዳጋ ዓዲሓቅን፡ ኣብ ሰለስተ ከባብታት እዩ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ ዘሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ዘካየዶ ደብዳብ መራኸቢ ሓይልታት ትግራይን መኻዚኖ ኣፅዋርትን ዕላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፋሪት ከምዘካየደ ምግላፁ ይዝከር።
እንተኾነ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሓካይምን ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ሰለስተ ሰላማውያን ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ በቲ ብሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፋሪት ሰለስተ ህፃናት ምማቶም ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣብ መጀመርታ'ኳ 'ውጹእ ሓሶት' ኢልዎ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን ህወሓት ንመራኸቢታት ኣብ ዝጠቀምሉ ታወራትን መኽዘንን ዕለማ ዝግበረ ዕዉት ደብዳብ ከምዘካየድ ምግላጹ ይዝከር።
እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓኾን ኵናት፡ ሓደ ዓመት ክገብር ሰሙናት ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ።
ኵናት ትግራይ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት፡ ሚልዮናት ክመዛበሉን ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ተፀበይቲ ህጹጽ ረድኤትን ክኾኑ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።