ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ "ቃልሶም ይቕጽሉ ከምዘለዉ" መራሕቲ ትግራይ ኣፍሊጦም

መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን፤ ሓይልታት ፌደራል ናብ መቐለ እንተኣተዉ'ኳ ናይቲ ክልል ሓይልታት ግን ቃልሶም ይቕጽሉ ከምዘዉ ኣፍሊጡ። ንሱን ካልኦትን ኣብ ጥቓ መቐለ ኮይኖም ነቲ ቓልሲ ይምርሑ ምህላዎም ድማ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ካልእ ወሳኒት ከተማ መሊሶም ተቖጻጺሮም ከምዘለው'ውን ኣፍሊጡ።

ነዚ መግለጺ ዝነጸገ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ህወሓት ከምዝተደምሰሰ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብቲ ሓደ ወርሒ ክመልኦ ሒደት መዓልታት ዝተርፎ ጎንጺ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከምዝሞቱ ይግለጽ።

ብኣሽሓት ድማ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ተፈናቒሎም፤ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን ብወገኖም እቲ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሻቐሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ትማሊ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፤ መንግስቲ ብዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዋላ ሓደ ሲቪል ዜጋ ከምዘይተቐተለ ተዛሪቡ'ዩ።

ብወገን መንግስቲ ትግራይ መግለጺታት ግን ሲቪላት ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብደብዳብ ነፈርቲ ከምኡ'ውን ከበድቲ ኣጽዋር ንሞትን መቑሰልትን ከምዝተሳጥሑ የመልክት።

ማእኸናት ዜና እቲ ክልል ከምዝጸብጸብኦ ኣብቲ ንከተማ መቐለ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከባቢ 19 ሰባት ክቕተሉ እከለዉ፤ ልዕሊ 35 ድማ ቆሲሎም።

እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ፡ መስመር ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላው፡ ነቲ ዝወጽእ ዘሎ ዝርዝራት ኲናት ንምርግጋጽ ሓበሬታ ክረከብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብዛዕባ መቐለ

ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ድሕሪ ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ’ታ ከተማ ዝርከብ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ንውጉኣት ክሕክም ተጸጊሙ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣምቡላንስ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል “ዝተወግኡን ዝሞቱን ሰባት” ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከምዘመላለሳ እቲ ማሕበር ይገልጽ።

ናብ’ቲ ሆስፒታል ከይዶም ዝተዓዘቡ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል “80 ምእታዊት ካብ ተሓከምቲ መውቃዕቲ ዘጋጠሞም ከምዝኾኑ” ካልእ ኣገልግሎታት ሕክምና ተቛሪጹ እቲ ዘሎ ውሱን ቀረብን ሰራሕተኛን ኣገልግሎት ሃንደበታዊ ሕክምና ይህቡ ምህላዎምን ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ሆስፒታል ሕጽረት ሕክምናዊ መስፈዪ ክሪ፣ ኣንቲባዮቲክ፣ ደም ንከይረግእ ዝሕግዙ ኣፋውስ መቕጠኒ ደም፣ ኣፋውስ ጸረ ቃንዛ፣ ከምኡ’ውን ሕጽረት መሸፈኒ ኢድ ኣጋጢሙ ምህላዉ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ሬሳታት ዝቕመጠሉ መሸፈኒ ሳናጡ’ውን ሕጽረት ከምዘሎ እቲ ኣብ ጀኔነቫ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ትካል ይገልጽ።

ህወሓት እንታይ'ዩ ዝብል?

መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ብሰንበት ናብ ወኪል ዜና ሮይተርስ ብጽሑፍ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ሓይልታት እቲ ክልል ንሓንቲ ነፋሪት ውግእ ፌደራል ወቒዖም ብምውዳቕ ነቲ ኣብራሪ ብህይወት ከምዝሓዝዎ ገሊጹ'ሎ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝለኣኾ ካልእ መልእኽቲ ድማ፡ ህወሓት "ኣብ ጥቓ መቐለ ኮይኑ ይዋጋእ ከምዘሎ" ሓቢሩ።

ንከተማ ኣኽሱም'ውን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መሊሶም ከምዝተቖጻጸርዎ ኣፍሊጡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነበር ፍሰሃ ኣስገዶም ንመቐለ ተቖጻጺረ ምባሉ "ላግጺ" ከምዝኾነ ይገልጾ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ ንመቐለ ከምዝተቖጻጸሩ ኣፍሊጡ'ዩ እንተኾነ ነዚ ካብ ዘፍልጡ ኣብ ውሽጢ 6 ሰዓታት ኣብታ ከተማ ደብዳብ ኣካይዶም. . . እዚ ፕሮፓጋንዳ እዩ። እንታይ ደኣ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ገለ ቪድዮታት ዘይፍንዉ?" ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ኸ?

መንግስቲ ኣብ ዝወሰዶ "ናይ መወዳአታ ወፍሪ" ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኣተወት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ትማሊ ሰኑይ ምስ ቢቢሲ ቃል መሕትት ዝገበረ ሚኒስተር ዲሞክራታይዜሽን ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ብወገኑ፡ ኣኽሱም ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከምዝኣተወትን ነፋሪት ውግእ ተወቒዓ ከምዝወደቐትን ብወገን ህወሓት ንዝተወሃበ መግለጺ ይነጽጎ።

መሪሕነት ህወሓት "ደባይ ኲናት ኣይኮኑን ዘካይዱ ዘለዉ" ብምባል "ህይወቶም ንምትራፍ" ይሃድሙ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ወሃቢ ቓል ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣይተ ሬድዋን ሑሴን'ውን ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዜጋታት ጉድኣት ከይበጽሕ ይጥንቀቁ ምህላዎም'ዩ ዝዛረብ።

"ነተን ከተማታት እናኸበቡ ናብ ዝቕጽል እዮም ዝሰግሩ። በዚ ምኽንያት እዩ ናብ መቐለ ክሳብ ንኣትው ኣብ ዝተኻየዱ ወፍርታት ጉድኣት ዘየጋጠመ" ኢሉ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ ምርጫ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።