እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ህዝቢ ትግራይ ንምብዳል ጥር ትብል ድሌት የብልናን"
ኣብ መበል 5ይ ሃገራዊ ባይቶ 5ይ ዓመት ናይ ስራሕ ዘመን፤ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ተኻይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቡ ኣሎ።
ንትግራይን ህወሓትን ብዝምልከት
ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ ብፍላይ ካብ ተወከልቲ ክልል ትግራይ፤ ንዝቐረቡ ሕቶታት፡ መንግስታዊ ሚድያታት ፌዴራል ንህወሓትን ህዝቢ ትግራይን የጥቅዑ ኣለዉ፣ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ይብደል ኣሎ ዝብሉ እዮም ነይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ኣቕልል ኣቢሉን ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ሓበሬታ ብምሃብ ምላሽ ሂብሉ።
"ህዝቢ ትግራይ ጅግና ህዝቢ እዩ። ትሕቲ ዝኾነ ህዝብን ልዕሊ ዝኾነ [ካልእን]ን ክኸውን ኣይደልን። ብኢትዮጵያዊነቱ ዝኾርዕን ሰሪሑ ዝበልዕን ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ሕቶ የለን።" ኢሉ እዩ ምላሽ ክህብ ጀሚሩ።
እንተኾነ፡ "ዘጸግመልና ዘሎ ውድባትን ህዝብን ኣብ ምትሕውዋስ እዩ" ኢሉ።
ህወሓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ደርጊ ቃልሲ እንትጅምር ብዙሓት ተቓለስቲ ውድባት ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሩ።
ሕዚ'ውን ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ብርክት ዝበሉ ውድባት ኣለዉ - ኢሉ። ዓረና ትግራይ፣ ባይቶና፣ ሳልሳይ ወያነን ዓሲምባን ንዝኣመሰሉ ከኣ ጠቒሱ።
ኣብ ውሽጢ ህወሓት'ውን እንተኾነ፡ ብዘይካ ውሑዳት መራሕቲ፡ ዝበዝሕ ፡ ኣብ ስራሕ ዝተጸመደ'ዩ ኢሉ።
ቀጺሉ ድማ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት 'ተበዲሉ' ንዝብል ሕቶ እንትምልስ ጌጋ ምዃኑ ንምርኣይ ኣብ'ዚ እዋን ይስርሑ ኣለዉ ንዝበሎም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ጠቓቒሱ፡ "ህዝቢ ትግራይ ህዝብና እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንምብዳል ጥር ትብል ድሌት የብልናን" ኢሉ።
"ሓደ ሰብ እንትውቀስ ህዝቢ ተወቒሱ ኢልካ ምዝራብ [ግን] ልክዕ ኣይኮነን" ዝበለ ዶክተር ኣብዪ፡ ንትግራይ ዝምደብ ባጀት ኣብዚ እዋን ብ42 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ገሊጹ።
ቅድም ክብል፡ ንክልል ትግራይ ዝተሰለዐ ባጀት ዝለዓለ 7 ቢልዮን ብር ከምዝነበረ ሕዚ ግን ልዕሊ 10 ቢልዮን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ፕሮጀክት ማይ መቐለ፡ ምቁራጽ መንገዲ ባቡር ወልድያ-መቐለ ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ህንጸት መገድታት ዘርዚሩ ኣብሪሁ።
ንማዳበርያ ዝምልከት'ውን ክልል ትግራይን ደቡብን ናይ ቅድሚ ሕዚ ከምዘይከፈላን ንምርካብ ተጸጊመን ከምዝነበራ፤ እንተኾነ መንግስቲ ፌዴራል 445 ሚልዮን ተለቂሑ ክረኽባ ከምዝገበራ ተዛሪቡ።
"ንእንፈትዎ ህዝቢ ብጉልበት ኣይትፈትውዎን ኢልካ ምዝራብ ፋሉልነት እዩ" ኢሉ።
ብሓፈሻ ኣብ ሚድያ ዘሎ ጸገም ግን ክስተኻኸል ከምዘለዎ ነቲ ቤት ምኽሪ'ውን ተዛሪቡ። "ጸርፊ ኣይጠቕመናን፤ ዝጠቕመና ስራሕ እዩ" ኢሉ።
ካብ ገለ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፡ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ 'መረጻ ከካይድ እየ' ምባሉን ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።
ብዛዕባ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓፈሻ ንቁጠባ ዓለም እኳ እንተንቆልቆሎ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ብኣንጻሩ ገለ ፍርያት ኣብ ዓለም ተጠላብነቶም ንክውስኽ ምኽንያት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ተዛሪቡ።
ብፍላይ ኣብ ሰደድ ቡን፣ ስጋን ዕምበባን ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር ዝሐሸ ዕብየት ከምዘመዝገበ እዩ ገሊጹ።
ነዚ ምኽንያቱ ድማ፡ ገለ ነዞም ፍርያት ዘቕርባ ሃገራት በቲ ለበዳ ኣዝየን ስለዝተሃስያ ምዃነን ኣብሪሁ።
"ኣብዛ ጉዳይ'ዚ፡ ኮሮናቫይረስ ክምስገን ይግባእ" ኢሉ።
እቲ ለበዳ ብሓፈሻ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝግበር ሰደድ ዘብጸሖ ጉድኣት ዕዙዝ ከምዘይኮነ'ዩ ተዛሪቡ።
ይኹን'ምበር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት፡ 9 ሚኢታዊ ዓመታዊ ዕብየት ቁጠባ ከተመዝግብ ትልሚ'ኳ እንተነበራ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብ 6 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኽእል ኣንፊቱ። ኣይኤምኤፍ፡ ናብ 3 እዩ ዘጉድሎ።
እቲ ለበዳ፡ ንቁጠባ ዓለም ኣብ ቅልውላው'ኳ እንተእተወ ፡ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ከብጸሖ ዝኽእል ጉድኣት ዘስግእ ከምዘይኮነ ወሲኹ ሓቢሩ።
ነዚ ምኽንያቱ ድማ፤ ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ ሓምለ ዝጅምር ብምዃኑን ስርዓተ ንግዲ እታ ሃገር ምስ ካልእ ዓለም ዘለዎ ምትእስሳር ንእሽቶ [ትሕቲ 30 ሚኢታዊ] ምዃኑን ኣረዲኡ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ
ካብዚ ብተወሳኺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ኮሮናቫይረስ ዝተጻወቶ ግደ ዓብዪ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ዓበይቲ ትካላት መንገዲ ኣየር ዓለም፡ ዝተኸተልዎ በረራ ናይ ምቁራጽ ውሳነ ኣይተኸተለን።
ብፍላይ ናብ ቻይና ዝገብርዎ በረራ ጠጠው እንተብሉ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብዚ ብተጻራሪ ዛጊድ ጉዕዝኡ ቀጺሉ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ምሩጽ መንገዲ ኣየር" ክብል ድማ፡ ነቲ ትካልን ሰራሕተኛታቱን ንኢዱ።
ኣብዝሓ መንገዲ ኣየራት፡ ካብቲ ለበዳ ብዝበጽሐን ጉድኣት ምኽንያት፡ ሰራሕተኛታተን ኣባሪረን ካብ መንግስቲ ተወሳኺ ሓገዝ ምሕታተን ተዛሪቡ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን፡ ንባዕሉ ኾይኑ ንቁጠባ ሃገር ከምዝሓገዘ ወሲኹ ተዛሪቡ።
"ምስ መራሕቲ መንግስታት ካልኦት ሃገራት እንትዘራረብ፡ ቀዲሞም ዘመስግኑ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዩ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየር በቲ ቫይረስ ተለኺፎም'ኳ እንተነበሩ ሓውዮም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ተዛሪቡ።
'ድኹም መንግስቲ ኣይኮነን'
ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት መብርሂ እንትህብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኻልኦት መንግስታት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ናይ ምክልኻል ስራሕ ከምዝሰርሐ ገሊጹ።
እቲ መንግስቲ ዝሰርሖ፡ ዘመስግኖ 'ምበር 'ደካማ መንግስቲ' ( ድኹም መንግስቲ) ዘብል ስራሕ ከምዘይኮነን ወሲኹ ሓቢሩ።
ብፍላይ እቲ ለበዳ ብዝምልከት ዘሎ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ፡ መንግስቲ ዝሓብኣ ጥር ትብል ሓበሬታ ከምዘየላ ተዛሪቡ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽአ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ፌዴራል፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ እዩ።
ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ነዚ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ "ሪፖርት ኣምነስቲ ንምንታይ ተጸሒፉ፣ ንምንታይ ተደሪሱ፣ መን ደሪስዎ፡ ዓለማ ብዘለዎ እዩ ቀሪቡ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር ኢሉ "እቲ ጸብጻብ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ይምጻእ፤ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝግበር ዝነበረ 'እቲ ጸብጻብ ኣይረብሕን'ዩ' ኢልካ ምሕላፍ ኣየድልን'ዩ። ከይድና ምፍታሽ ኢና ንመርጽ።" ኢሉ።