ኲናት ትግራይ፡ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ናብ ኲናት ትግራይ ሓይልታተን ይሰዳ ኣለዋ

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ነተን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኣምሓራ ኣትየን ዝጸንሓ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ድሕሪ ምቁፅፃሮም፡ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ናብቲ ከባቢ ይልእኻ ከምዘለዋ ተገሊፁ።

ዛጊድ ክልላት ኦሮምያ፣ ሲዳማን ደቡብን፡ ዘለወን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ኲናት ትግራይ ከምዝለኣኻ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።

ነቲ ኩናት ስዒቡ ነዘን ከተማታት ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ኣእትዩ ዝፀንሐ ክልል ኣምሓራ፡ "ብህወሓት ኣብ ልዕለይ ወራር ተፈፂሙ" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝጅምር ብምሕባር፡ "ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ተሰጋጊሩ" ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ነዚ ንምግባር "ብጡረታ ንዝተሰናበቱ ሓይልታት ፀጥታን ሚሊሻን" ፃውዒት ክተት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ፍሉይ ሓይሊ ሓዳሽ ክልል ሲዳማ ትማሊ ምሸት ስነ-ስርዓት ምፍናው ዝተገበረሉ እንትኾን፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብ ድማ፡ ሎሚመዓልቲ ናብቲ ዓውደ ግንባር ከምዝበፅሐ መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ኢቢሲ ሓቢሩ።

ኣቦ መንበር መሪሕ ውድብ ትግራይ ህወሓት : ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ብመገዲ ድምፂወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ህዝቢ ኣምሓራን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ፡ "ኣብ ኲናት ትግራይ ንዳግማይ ጥፍኣት ኣይንተሓባበርን ኣይንሳተፍን" ብምባል፡ ነቲ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝቐረበሎም ፃውዒት ክነፅጉ ጸዊዑ::

ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ ኣብ ፅልኢ ዝተምስረተ ርክብ ከምዘይብሉ'ውን ወሲኹ ተዛሪቡ::

መራሕቲ ትግራይ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ኣምሓራ ዝጸንሑ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ክሳብ ዝቆጻጸሩ መጥቃዕትታቶም ከምዝቕጽሉ'ዮም ዝገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዋይ በዓልመዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌን፡ ትማሊ ረቡዕ ህዝቢ ንሰራዊት መንግስት ክድግፍ ፀዊዖም ነይሮም።

እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ በይነኣዊ ውሳነ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ሓደጋ ከየእተዎ ከምዘይተርፍ ይስጋእ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ይላባዕ ዘሎ ኲናት፡ ንዘየድሊ ስቓይን ሞትን ዘቃልዕ ምዃኑ ብምግላፅ፡ ኣብቲ ኲናት ይሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ኣካላት ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ተኹሲ ደው ምባል ክገብሩን፡ ብፖለቲካዊ ዘተ ክሰማምዑን ብመገዲ ትዊተር ገሊፃ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ሞት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ስደትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ዝርከቦም ሰፋሕቲ ከባቢታት እቲ ክልል ምቁጽጻሮም ይዝከር።