እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቖጻጸሩ ተገሊጹ
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ንእትርከብ ከተማ ኮረም ከምዝተቖጻጸሩ ወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ፡፡
ቅድሚ እቲ ኲናት ዝነበረ ግዝኣት ትግራይ ናይ ምምላስ ከምዝኾነ ዝተገለጸ ኲናት ናብ ኣንፈት ደቡብ ከምዝቐጸለ እውን ሮይተርስ ሓቢሩ፡፡
ሮይተርስ ንወሃቢ ቃል ህወሓት ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ መቐለ ንኣንፈት ደቡብ 170 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኮረም ሒዞምዋ ኣለዉ፡፡
ሎሚ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ከም ዘመላኽቶ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ኣገዳሲት ዝኾነትን ካብ ኮረም 20 ኪሜ ርሒቃ እትርከብ ኣላማጠውን ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ኣትያ ኣላ።
ክልተ ስማቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ ነበርቲ ኣላማጣ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ትማሊ ምሸት ሰዓት 11 ጀሚሮም ንኣላማጣ ከም ዝተቖጻጸሩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ካብ ሮይተርስ፡ ከተማ ኮረም ኣብ ትሕቲ መን ትርከብ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ፡ ብቐጥታ መልሲ ዘይሃበ ኮይኑ ‘‘ተኹሲ ደው ምባል ኣዊጅና ኢና’’ ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእክቲ ልኢኹ፡፡
ቅድሚ ሰሙናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ካብ ከተማ መቐለ ብምውጻእ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ከምዝኣወጀ ዝዝከር እዩ፡፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሳዒሩ ካብታ ከተማ ከምዝወጸ ዝገለጸ ህወሓት ግና እቲ ደው ምባል ተኹሲ ‘‘ላግጺ እዩ’’ ኢሉ ነይሩ፡፡
ሮይተርስ ምትሓዝ ከተማ ኮረም ዘየረጋገጸ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ሓደ ተቐማጢ ከተማ ኮረም ዝነበረ ውልቀ ሰብ፡ ኣብታ ከተማ ኲናት ከምዝነበረ ምስምዑ ሓቢሩ፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ዝተቛረጸ ኮይኑ፡ ስልኪ ናብ ዘለዎ ከባቢ ዝሃደሙ ኣባላት ስድርኡ ነቲ ሓበሬታ ከምዝሃብዎ እቲ ውልቀ ሰብ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ኲናት ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ መግስትን ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ እዩ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተጀሚሩ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ዋና ከተማ እቲ ክልል መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቖጻጸሩ እንትኾን፡ ብደቡብን ምዕራብን ዝርከብ ግዝኣት ብሓይልታት ኣምሓራ ስለዝተትሓዘ ግና እቲ ኲናት ተጠናኺሩ ከምዝቐጸለ እዩ ዝግለጽ፡፡
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝነበራ ግዝኣት ክኽበር፣ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረጋገጽን መስመራት ትራንሰፖርት ክፍቲ ክኾኑን ዝዓለመ ከምዝኾነ ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ: እቶም ሓይሊታት ትግራይ ዝተወሰዱና ግዝኣታት እዮም ንዝብልዎም ከባቢታት፡ ናይ ኣምሓራ እዮም ብምባል መልሲ ሂቡ እዩ፡፡
ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ኣምሓራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ወልቃይት፤ ጸገዴ፣ ሰቲት ሁመራ፤ ጸለምትን ራያን ብናይ ባዕሎም መስዋእትነት ነጻነቶም ዘኽበሩ ናይ ኣምሓራ ከባቢታት ምዃኖም ደጊምና ነፍልጠኩም’’ ኢሉ፡፡
ካብ መንግስቲ ትግራይ ተባሂሉ ዝወጸ መግለጺ ብወገኑ ‘‘ኣብ መሬት ትግራይን ክልል ትግራይን ዘለዉ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ይኹኑ ሚልሻታትን ዕጡቓትን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ካብ ትግራይ ክወጹ’’ ጸዊዑ፡፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ገሊጹ፡፡
‘‘ንህዝቢ ኣምሓራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ደም ከቃብኡ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ነቲ ህዝቢ የለዓዕልዎ ኣለዉ፡፡ ንሚልሻታት ኣምሓራ ድማ ናብ ዶብ ትግራይ የጸግዕዎም ኣለዉ’’ ክብል እውን ንመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከሲሱ፡፡
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ‘‘ወፍሪ ምኽባር ሃለዋት’’ ብዝብል ኮሚተ ምትእኽኻብ ሃፍቲ እቲ ክልል ብዝኸፈቶ ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ፡ ነበርቲ ዝከኣሎም ክሕግዙ ሓቲቱ፡፡
ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣገኘሁ ተሻገር፡ ህዝቢ ነቲ ‘‘ወፍሪ ህልውና’’ ኢሉ ዝገለጾ ወፍሪ ክሕግዙ ትማሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ፡፡
‘‘ንኢትዮጵያውያንን ተወለድቲ ኣምሓራን፡ ኣብዚ እዋን ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ግልጺ ኲናት ኣዊጁልና፡ ኣብ ናይ ህልውና ቃልሲ ንርከብ፡፡ ነዚ ወፍሪ ብዝከኣለኩም ኩሉ ክትድግፉ ጻውዒት የቕርብ’’ ብምባል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡
ኣመሪካ ሻቕሎታ ትገልጽ
መንግስቲ ኣመሪካ ብወሃቢ ቃል ነድ ፕራይዝ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመልኪቶም ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታታት ከምዘሻቐልዎ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
እቲ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ናብ ዘለዉ ብጥምየት ዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ንምብጻሕ ዝግበር ስራሕቲ ከምዘተዓናቕፍ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ፡፡
ሓይልታ ምክልኻል ትግራይ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ንረብሓ ሰላማዊ ዜጋታትን ሓድነት እታ ሃገር ንምሕላውን ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክገብሩ እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቲቱ፡፡
ብተወሳኺ ኩሎም ዝተዓጠቑ ሓይልታት፡ ሰላማውያን ሰባት ምሕላው ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም ዘቐመጦም ግዴታታት ሰብኣዊነት ከኽብሩ ጸዊዑ፡፡
መሰላት ሰብኣዊ ሓገዝን ሰብኣዊ መሰላትን ዝጠሓሱ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ዝገልጽ ሓሳብ እውን ኣብቲ መግለጺ ተኻቲቱ እዩ፡፡
‘‘ቅድሚ ሕዚ ደጋጊምና ከምዝገለጽናዮ፡ ውሽጣዊ ዶባት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ተቐባልነት የብሉን፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ክፍትሑ ዘለዎም ብህዝቢ እዮም፡፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ሃገራዊ ዘተን ምርድዳእን እንትበጽሕ እዩ፡፡ ብብረት ዝፍታሕ ኣይኮነን’’ እውን ኢሉ፡፡
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት 2 ሚልዮን ነበርቲ እንትፈናቐሉ፡ 400 ሽሕ ሰባት ንጥምየት ተቓሊዖም እዮም፡፡
ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ መቐለ ይበጽሕ
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ዝለኣኸን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ኣብዚ ሰሙን ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ተገሊጹ እዩ፡፡
እቲ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንፈለማ እዋን ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ብ 50 ናይ ጽዕነት መካይን ዝተጓዓዓዘ ኮይኑ፡ 900 ሜትሪክ ቶን ምግብን ካልእ ዘድልይ ቀረብን እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ምስቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም እንትነጻጸር እኹል ከምዘይኮነን ብዕጽፊ ክዓቢ ከምዘለዎን እዩ ዝግለጽ፡፡
ናብታ 4 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልየላ ትግራይ፡ ሰሙናዊ 10 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግብን 150 ሽሕ ሊትር ነዳድን ክበጽሕ ከምዘለዎ እውን እቲ ትካል ብትሪ ገሊጹ፡፡
ናብ ትግራይ ዝወስዱ ቀንዲ መገዲታት ዝተዓጸዉ እንትኾን፡ ክልተ ድልድላት ድማ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኾኑ ሮይተርስ ሓቢሩ፡፡
ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ካብ እትኣቱ ጀሚሩ፡ ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ቴሌኮሚዩኒኬሽንን ባንክን ተቛሪጾም እዮም፡፡
ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ 22 ግንቦት 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበር በረራታት ኣየር ተቛሪጹ እዩ፤ ኣብዚ ቕንያት ግና ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ ንዝደልዩ ፍሉይ ፍቓድ ከምዝወሃብን ከብ 28 ሰነ 2013 ዓ/ም በረራታት ከምዝጅምርን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡
ኣብዚ እዋን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ መንገደኛታት ናብ ክልል ትግራይ ንምጉዓዝ ክልተ በረራታት ክፍቀዱሉ ከምዝሓተተ እውን ተገሊጹ ፡፡
በቲ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባትን ቁጽሮም ዘይተፈለጡ ዕጡቓትን ተቐቲሎም እዮም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ማሕረስ ወቕቲ ከይተኣጓጎልን ትካላት ረድኤት ብኣግባቡ ሓገዝ ክህቡን ብምሕሳብ በይናዊ ኲናት ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ከምዝኣወጀ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ፡፡
ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝቕበል ዝገለጸ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይሊታት ኣምሓራን ኤርትራን ብቕልጡፍ ክወጹ፣ ኣብ ትግራይ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ብናጻ ኣካል ክጻረዩን፣ ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት መሰረተ ልምዓት ክኽፈቱን ዝብሉ ዝርከቡዎም ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጡ እዩ፡፡