ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ መረጻ ኢትዮጵያ 2013 እንታይ ግደ ነይርዎ?

እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘካየደቶ መረጻ ብመንጽር ስግኣት ማሕበራዊ ሚድያ እንትምዘን እወንታዊ ግደ ከምዝነበሮ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ሓቢሮም።

ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝግበር ፖለቲካዊ ከይድታት ናይ ምጽላው ዓቕሚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየለ ክኸይድ ንዕዘብ ኣለና። ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ከም እኒ ግብጽን ካልኦትን ኣብ ዝነበሩ ህዝባዊ ተቛውሞታት እጃም ማሕበራዊ ሚድያ ኣዝዩ ረዚን ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ’ዩ።

ኣመሪካ ኣብ 2020 ወርሒ ሕዳር ኣብዘካየደቶ ፕረዚደንታዊ መረጻ’ውን እንተኾነ ግደ ማሕበራዊ ሚድያ ብእወንታን ኣሉታን ዝግለጹ ጽልዋታት ከምዝነበሮ ይፍለጥ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ መረጻ ተዛዚሙ ውጽኢት ብወግዒ ምስተፈለጠ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ተኣጊዱ።

ኡጋንዳ ሎምዘበን ኣብዘካየደቶ መረጻ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ማሕበራዊ ሚድያታትን መልእኽቲ መለዋወጢ መተግበርታትን ኣጊድዎም ነይሩ። ስለዝኾነ’ውን እዞም ተጓንፎታት ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ መረጻ ዘለዎም ጽልዋታት ልዑል ከምዝኾነ ምርዳእ ይከኣል’ዩ። ኣብቲ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ግደ ማሕበራዊ ሚድያ “ኣይ ከምቲ ተፈሪሕዎ ዝነበረ” ክብሉ ምስ ቢቢሲ ዘዋግዑ ሰብ ሞያ ኮሚኒኬሽን ተዛሪቦም።

“ኣይ ከምቲ ተፈሪሕዎ ዝነበረ

በዓል ሞያ ኮሚኒኬሽን ዝኾነ ኣቶ ነጻነት ተስፋዮ ግደ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ መረጻ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ ከምዝነበረ’ዩ ዝገልጽ። “ኣይ ከምእቲ ተፈሪሕዎ ዝነበረ። ኣብቲ መረጻ ሰባት ናብ ናዕብን ህውከትን ዝደፋፍኡ ነገራት ክህልዉ እዮም ኢለ ገሚተ ነይረ። እንተኾነ ግን ብዙሕ ዘጋጠመ ነገር የለን” ይብል።

ዳይሬክተር ማእኸል ምዕባለታት ዴሚክርስያዊ መሰላት ኣቶ በፍቃዱ ሃይሉ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ግዜ መረጻ ጊንጺ ዘለዓዕሉ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክረኣዩ ይኾኑ’ዮም ዝብል ግምት ከምዝነበሮ ሓቢሩ። “እንተገደደ ምስ እዚ መረጻ ተዛሚዶም ክለዓሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ስኑዓት ሓበሬታ ካብቲ ተሰጊእዎ ዝነበረ ደረጃ ንታሕቲ ኮይኑ’ዩ ኢለ እየ ዝኣምን” ኢሉ የረድእ።

እዞም ክልተ ወሃብቲ ርእይቶ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ መረጻ ኢትዮጵያ ከምቲ ተፈሪሕዎ ዝነበረ ዘይኮነሉ ምኽንያት እንተቐምጡ ግን ዝተፈላለየ ሓሳብ’ዩ ዘለዎም። ኣቶ ነጻነት ተስፋዮ ጽልዋ ፈጠርቲ ሰባት ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ “ሓላፍነት” ብዝተመልኦን “ብሃገራዊ ስምዒት” ስለዝገበርዎን’ዩ ዝብል ርድኢት ኣለዎ።

“ገለ መራሕቲ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ናይ ውልቆም ማሕበራዊ ሚድያ ‘ንሎሚ ተሳዒረ እየ ንቐጻሊ ክፍትን’የ’ ኢሎም ክሳብ ምጽሓፍ ዝበጽሑ ኣለዉ። እዚ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ ኩነታት ብምርግጋዕ ልዑል እጃም ነይርዎ’ዩ ኢለ እየ ዝኣምን”። ኢሉ ሓሳቡ የራጉድ።

ኣቶ ፍቃዱ ብግድኡ ግደ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ መረጻ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ዘይኮነሉ ክልተ ምኽንያት’ዩ ዘቐምጥ። እቲ ሓደ ምኽንያት ንሱ ብገዛእ ርእሱ ዝመርሖ ትካል ሓዊሱ ካልኦት ትካላት ኣብ መረጻን ማሕበራዊ ሚድያን ዘድሃቡ ስልጠናታት ስለዝሃቡ’ዩ ዝበለ ኮይኑ እቲ ኻልአዋይ ድማ እቲ መረጻ ንባዕሉ “ዝሕቱል” ስለዝኾነ’ዩ ይብል።

“እቲ መረጻ ኣብ እታ ሃገር ብዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ምሉእ ቆላሕታ ኣይረኸበን። ንኣብነት ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ኦሮምያ ዝሳተፉ ቀንዲ ውድባት ፖለቲካ ካብቲ መረጻ ንገዛእ ርእሶም ምግላሎም እቲ መረጻ ዘህንጥው ንከይኾንን ተሳትፎ ማሕበራዊ ሚድያ ዝሕቱል ክኸውንን ከምዘኽኣሎ ጠቒሱ።

ብዚ ምኽንያት እቲ ተፈሪሑ ዝነበረ ነገር ኣየጋጠመን። ፌስቡክ’ውን እንተኾነ ኣብ ከይዲ ድምጺ ምሃብ ጽልዋ ከሕድሩ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ናይ ሓሶት ገጻት ፌስቡክ ከምዓጸዎም ዝዝከር እዩ።

ስኑዓት ሓበሬታን መረጻ ኢትዮጵያን

ቢቢሲ ቅድሚ እቲ መረጻ ኣብ ዝነበረ ግዝያት ምስ መረጻ ተዛሚዶም ሓቃውነቶም ዘጠራጥሩ ሓበሬታታት ኣጻርዩ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝተፈላለዩ ስኑዓት ሓበሬታታት ኣቃሊዑ ነይሩ።

ካብዚኣቶም መንጎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ናይ ብልጽግና ሓለፍቲ ብውሽጢ ተዛሪብዎ ተባሂሉ ዝተወዝዐ ስኑዕ ሓበሬታ እንተዘይኮይኑ እዚ ዝበሃል ገሊሁ ዝወጽአ ናይ ሓሶት መረዳእታ ኣይተርኣየን።

“ምስ ፌስቡክን ካልኦት ትካላትን ተሓባቢርና ስኑዓት ሓበሬታታት ንምውጋድ ንከታተል ኔርና፣ እንተኾነ ግን ብዙሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣየተርኣየን” ዝበለ በፍቃዱ ኣብ ድሮ እቲ መረጻ “መረጻ ተጀሚሩ” ን “ሓደ ናቑጣ መረጻ ኣብ ቀይዲ ዕጥቛት ሓይልታት ኣትዩን ተቓጺሉን” ዝብሉ ብዕራይ ወለደ ዓይነት ሓበሬታታት ከምዝነበሩ ብምጥቃስ ይኹን እምበር ሳዕቤኖም ውሑድ ከምዝነበረ ኣረዲኡ።

ድሕሪ እቲ መረጻ’ውን እንተኾነ ማሕበራዊ ሚድያ ከይዲ እቲ መረጻ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ንምግላጽ ከምዝወዓለ ዝዛረብ ኣቶ ነጻነት ብወገኑ እንተኾነ ግን ገለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ከይዲ ቆጸራ ድምጺ እንከይተዛዘመ እንከሎ “ኩስቶ ተዓዊቱ እከለ ናብ ፓርላማ ኣትዩ” ዝብሉ ናይ ሓሶት መረዳእታ የቃልሑ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር እዚ ድማ ጽቡቕ ከምዘይኮነ’ዩ ዝምዕድ።

ኣቶ በፍቃዱ ድሕረ መረጻ ናይ ዝነበረ ኩነታት “ኩስቶ ስዒሩን ተጭበርቢሩን ዝብሉ ዝተገመቱ ናይ ሓሶት መረዳእታት’ኳ እንተነበሩ እንተኾነ ግን ናብ ጎንጽታት ከምርሕ ዝኽእል ኣይኮነን” ዝብል መብርሂ ኣለዎ።

ማሕበራዊ ሚድያን ተሳተፍቲ እቲ መረጻን

ማሕበራዊ ሚድያ ተወዳደርቲ ውድባት ፖለቲካ ምስ ዜጋታት ብቐረባ ንኽራኸቡ ከምዝሓገዞም እቶም ሰብ ሞያ ኮሚኒኬሽን ይሰማምዑ። “እቶም ውድባት ፖለቲካ ኣብ ስሩዕ ሚድያ ዝረኽብዎ ግዜ ውሑድ እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ግን ክንዲ ድላዮም ግዜ ወሲዶም ብዘደለይዎ ቋንቋ ሰሳባቶም ከሕልፉ ዕድል ፈጢርሎም’ዩ። እዚ ዓብይ ነገር እዩ፣ ኣብዚ መረጻ ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ዕድል’ዩ” ዝበለ በዓል ሞያ ኮሚኒኬሽን ኣቶ ነጻነት እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሕብረተሰብ ናይ ዜግነት ጋዜጠኝነት መሰሉ ብዝግባእ ከምዝተጠቐመ ዝሓበሩ እቶም ሰብ ሞያ ንኣብነት ኣብ ናቑጣታት መረጻ ዘጋጥሙ ጸገማት፣ ኣብ ከይዲ መረጻ ዝተረኣዩ ጉድለታት ኢሉ’ውን ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ምቅላዕ ግደ ማሕበራዊ ሚድያ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም። ሃገራዊ ቦርድ መረጻ’ውን እንተኾነ ማሕበራዊ ሚድያ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ንምቅላሕ ተጠቒምሉ’ዩ ይብሉ።

ጳጉሜን 1 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] መረጻ ዝካየደሎም መብዛሕቲኦም ከባቢታት ናይ ጸጥታ ስግኣት ዘለዎም ብምዃኖም ብመንጽር ማሕበራዊ ሚድያ ግቡእ ጥንቃቐ ከምዘድልዮም ኣቶ በፍቃዱ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰነ 14 2013 ዝተኻየደ መረጻ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት መረጻ እንትነጻጸር ግን ብመንጽር ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ጸገም ዘይተረኣየሉ ኮይኑ ከምዝሓለፈ ግን ርጉጽ ይመስል።