ምርጫ ኢትዮጵያ 2021: ንፈለማ እዋን ዘድምጹ መንእሰያት እንታይ ይብህጉ?

ኣብ ሻድሻይ ዙርያ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ዘድምጹ 37,408,600 ሰባት ተመዝጊቦም ካርዲ ወሲዶም ኣለዉ። እቲ ንክልል ትግራይ ዘየካትት ሃገራዊ መረጻ፡ ኣብ ክልላት ሃሪርን ሶማልን ድማ ጳጉሜ 1 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ደንጉዩ እዩ ክካየድ ተባሂሉ።

ንምዃኑ፡ ኣብዚ መረጻ ንፈለማ እዋን ዘድምጹ መንእሰያት እንታይ እዩ ባህጎም?

ሃዋሳ ካብተን ነቲ መረጻ ከተኣናግዳ ዝሸባሸባ ዘለዋ ከተማታት ሓንቲ እያ። ብኣሳእል ተወዳደርቲ መሊኣ ትርከብ። ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ድማ ብመኪና እናተዘዋወሩ፡ ጎስጓስ መረጻ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

እንድርያስ ካብዛ ከተማ ውጽእ ኢላ ካብ እትርከብ ገጠር ዝመጽአ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ብዛዕባ መረጻ ግንዛበ ከምዘይነበሮ ዝዛረብ እንድርያስ፡ ሕዚ ንክመርጽ ምድላዉ ከምዘሕጉሶ ይዛረብ።

"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እየ ተመዝጊበ" ዝብል እንድርያስ፡ ወዲ ገጠር ስለዝኾነ ቅድሚ ሕዚ መሪጹ ከምዘይፈልጥን ነታ ዕለት ብሃንቀውታ ይጽበያ ከምዘሎን ይገልጽ።

ብዛዕባ መረጻ ዝሰምዐ ናብ ከተማ ምስ ኣተወ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።

ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ታቦር፡ ኣበዙ ጌታቸው ድማ፡ ንፈለማ እዋን እያ ክተድምጽ ተዳልያ ዘላ።

ካርድ ዝወሰደት ገና ምዝገባ ኣብ ዝተጀመረሉ ፈለሞት ሰሙናት እዩ ነይሩ።

"ቅድሚ ሕዚ ፈቲነዮ ዘይፈልጥ ነገር ስለዝኾነ ብታሕጓስ እየ ዝጽበዮ" ኢላ።

እንተኾነ ግና፡ ኣብቲ ዕለት መረጻ፡ ነቲ እትደልዮ ውድብ ብኸመይ ከምእትመርጾ ግንዛበ የብላን።

"ርግጽ፡ ነቲ ዝደልዮ ሰልፊ ዝሐዘ ወረቐት ኣብ ሳንዱቕ ምእታው ኣይኮነን ድዩ?" ትብል ክምስ እናበለት።

ኣበዙ ካብ ኣባላት ስድራን ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ መረጻን ዝተወሰነ ሓበሬታ ከምዘለዋ ግና ትዛረብ።

ካልእ ተምሃሪት እዚ ቤት ትምህርቲ ዝኾነት፡ ሊሊ ቶማስ'ውን ንፈለማ እዋን ክተድምጽ ተዳልያ ዘላ እያ።

"እዛ እትቕጽል ሰኑይ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበያ" እትብል ሊሊ፡ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ወጺኦም ዝገብርዎ ዝነበሩ ጎስጓስን ክርክርን ድማ ተኸታቲላ ምኳና ትዛረብ።

"ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሓሳባት ሰሚዐ ፎትየዮ እየ፤ ክመርጽ ተዳልየ ኣለኹ" ትብል።

እቶም ኣብ ሃዋሳ ረኺብና ዘዘራረብናዮም መናእሰይ፡ ኣብዝሓ ብዛዕባ እቲ ኣዋህባ ድምጺ እኹል ግንዛበ የብሎምን።

'ኣውራ ነገር ሰለም እዩ'

ጓል 19 ዓመት፡ ማስተዋል እንደሻው፡ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን፡ ሰዓት፣ መዕጥቖን መነጽርን ዝኣመሰሉ ኣቑሑት እናዘረት እያ ትሸይጥ።

ኣብዚ መረጻ እትሳተፈሉ ቀንዲ ምኽንያት 'ሰላም ከስፍን ዝኽእል መንግስቲ ክመጽእ ይኽእል እዩ' ዝብል ተስፋ ሓዚላ ከምዝኾነት ትዛረብ።

ሰላም ዘይምህላዉ፡ ንግዳዊ ስራሕታ ከይተረፈ ከምዝተጎደአ እያ ትዛረብ።

ንሳ ከምእትብሎ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ቀደም ናብ ከባብታት ኦሮምያ ተንቀሳቒሳ ክትሸይጥ ኣይትኽእልን።

"ሰላም እንተሎ ሰሪሕናን ጽዒርናን እኹል ኣታዊ ንረክብ ነይርና፤ ሕዚ ዕግርግር እናበዝሐ ሰሪሕና ምብላዕ'ውን ኣይከኣልናን" ትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ።

እታ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ከይዲ መረጻ ትሳተፍ ከምዘላ እትዛረብ ማስተዋል፡ ድሕሪ እቲ መረጻ ሰላም ሰፊኑ፡ ከም ልባ ተንቀሳቒሳ ክትሰርሕ እዩ ተስፋኣ።

ኣብ ቀላይ ጣና ንበጻሕቲ ናይ ጃልባ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ዝህብ ወዲ 27 ዓመት ኣድማሴ ኣሰፋ ብወገኑ፡ ንፈለማ እዋን ካርዲ መረጻ ወሲዱ አሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫየረስ ብዝሒ በጻሕቲ ከምዝነከየን፤ ድሕሪኡ ድማ ኣብታ ሃገር ሰላም ስለዘየለ ስርሑ ከምዝተሃስየ ይዛረብ።

"ነቲ ሕማምስ ፈጣሪ ከጥፈአልና እዩ። ኣብ መንጎና ፍቕሪ እንተዝህሉ ግና ሰላም ምሰፈነ ነይሩ" ይብል።

"ካርዲ ምውጸአይ ነቲ ሰላም ከምጽእ ይኽእል እዩ ኢለ ዝኣምነሉ ንክመርጽ ክሕግዘኒ እዩ። ንዜጋታቱ ዝሓሊ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክወጽእ እየ ዝደሊ" ኢሉ።

'ሰላምና ናብቲ ንቡር ዝመልሰልና እየ ዝመርጽ'

ሰናይት ነባሪት ከተማ ደሴ እያ። ኣብ ሓደ ቤት ዕዮ መንግስቲ ተቖጺራ እያ ትሰርሕ። ሰናይት፡ ኣብዛ ሃገር ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዒቲታት፣ ቅትለታትን ምምዝባል ዜጋታት ኣዝዩ እዩ ዘሻቕላ።

"ሰብ ከም ዓቕሙ ሰሪሑ ብሰላም ክነብር ኣይከኣለን። እዚ እዩ ዘጨንቐኒ። ዝመርጸሉ ምኽንያት እዚ ኩነታት ንክልወጥ እዩ" ኢላ።

ንሳ ከምእትብሎ፡ ነዛ ሃገር ሰላም ከምጽአላ ዝኽእል ኣየናይ እዩ ኢላ ደጋጊማ ሓሲባትሉ እያ።

ክትዕ ውድባት ፖለቲካ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከም እተኸታተለት'ውን ትዛረብ።

"ኣነ ካልእ ኣይደልን። ሰላም ናብ ንቡር ክምልሰልና እየ ዝምነ" ኢላ።

ከምኡ ድማ፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለቕን ደቂ ኣንስትዮ ብዘይጽዕንቶ ክውስና ዝፈቅድ ውድብ'ውን ቀዳማይ ምርጫኣ እዩ።

ሰናይት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብርእሰ ምትእምማን ባዕለን ንክውስና ዘኽእል ስርዓት ክትከል ዓብዪ ትምኒታ እዩ።

'ምምዝባል ጠጠው ይበል'

ወዲ ባህርዳር ዝኾነ ነጋ ኣስረስ፡ ሰባት ዝምዝን ሚዛንን ኣብ ኣፍልቡ ተሸኪምዎም ዝዘውር ኣቑሑትን ሸይጡ እዩ ዝናበር።

ብሕማም ዓይኒ ዝሳቐ ነጋ፡ ንፈለማ እዋን እዩ ካርድ መረጻ ወሲዱ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘሎ ምምዝባል ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ኣብ ሞባይሉ ብዘሎ መተግበሪ ሬድዮ ጣብያ ይሰምዕ እዩ።

ዛጊድ ዝተመዛበለ ዘመድ ኮነ ናይ ቀረባ ፈታዊኡ እንተዘይሃለዎ'ኳ፡ 'እዚ ነገር ግን 'ኣባይ ደኾን ይበጽሕ ይኸውን?' እናበልኩ ይሻቐል' ኢሉ።

ነጋ ናብራ ኣዝዩ ከምዝኸበረ ድማ፡ ካብታ ንሰብ እናመዘነ ዝሰርሐላ ሚዛን ከይተረፈ ተዓዚቡ እዩ።

"እቲ ዝምዘን ሰብ ክብደቱ ኣዝዩ ነክዩ ኣሎ" ይብል።

ሳሙና፣ ቆሎ፣ ኩኪስ፣ ፌስታልን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን [ማስክ] ዝኣመሰሉ ደቀቕቲ ኣቑሑት ዝሸይጥ ነጋ፡ ዋጋ ፖፖቲን 5 ቕርሺ ምእታዉ ተገሪሙ ይዛረብ።

"እወ! ሰብ እንትምዘን ይድንግጽ እዩ ዘሎ፤ ክብደቱ ዘነክዮ ዘሎ ብሰንኪ ምኽባር ዋጋ እዩ። ኩሉ ነገር ላዕሊ እዩ ደይቡ፤ ብዛዕባ ጽባሕ ክሓስብ እንተሎ ድማ ኣዝዩ ዝገደደ የሻቕሎ" ኢሉ።

ስለዚ፡ ናብራ ህዝቢ ዘማሐይሽን ሰላም ዘስፍንን መንግስቲ ክመጽእ እዩ ተስፍኡ።

'መረጻ፡ ናይ ድሕነት ስግኣተይ ኣየትርፈለይን'

ወዲ 20 ዓመት ዝኾነ በረከት ኣድማሱ ነባራይ ኣዲስ ኣበባ እዩ።

"ብሰባት ተደፋፊአ እየ ካርዲ መረጻ ወሲደ' ዝብል በረከት፡ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ወሲዱ፡ ሕዚ ናብ'ቲ ዝተመደበሉ ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ ክኣቱ ኣብ ምድላው እዩ ዝርከብ።

"ኣነ ዘጨንቐኒ እዚ መረጻ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተኹ ዕግርግር ደኾን ይፍጠር ዝብል እዩ?" ኢሉ።

"ካብ ምምራጽ ዓዲ ኣይውዕልን፤ እንተኾነ ግና መረጻ ስለዝተኻየደ ኣብ ዩኒቨርሲታት ዘሎ ጸገም ክእለይ እዩ ዝብል እምነት የብለይን" ኢሉ።