እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ 2021፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ መረጻ ‘ስራሕ ከም ዘይህሉ’ ትጽቢቱ ገሊጹ
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ሻዱሻይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ዝካየደሉ መዓልቲ ስራሕ ክህሉ ኢዩ ኢሉ ከም ዘይጽበይ ገሊጹ።
እቲ ብዝተፈላላየ ምኽንያታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ሻዱሻይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ሰኑይ 21 ሰነ 2021 ክካየድ ትጽቢት ይግበር።
ኣማኻሪት ኮሚኒኬሽን ቦርድ መረጻ ሶልያና ሽመልስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ቦርድ ኣብ መዓልቲ መረጻ ስራሕ ክህሉ ድልየት የብሉን ኢላ።
ትካላት መንግስትን ናይ ውልቅን ምትሕብባር ክገብሩ ግዴታ ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር፡ ትካላት ክተሓባበሩ እቲ ቦርድ ብወግዒ ክሓትት ምዃኑ ተዛሪባ።
“ስራሕ ኣይክህሉን ኢዩ ኢልና ኢና እንሓስብ። እዚ መረጽቲ ድምጾም ክህቡን እቲ መረጻ ብዓወት ክዛዘምን ክሕግዝ እዩ። ኣብ ነዊሕ እዋን ዝግበር ብምዃኑ ኣብዚ መዳይ መንግስቲ ኮነ ትካላት ናይ ውልቂ ክተሓባበሩና ምዃኖም ተስፋ ንገብር” ኢላ።
መደብራት መረጻ ካብ ንጉሆ ሰዓት 6 ቅ.ቀ ክሳዕ ሰዓት 6 ድ.ቀ ኣገልግሎት ከም ዝህቡ’ውን ተዛሪባ።
ብድሕሪኡ ምቑጻር ድምጺ ከም ዝካየድን ውጽኢት ነፍሲ ወከፍ መደበር መረጻ ከምዝግለጽን ነዚ ስዒቡ ድማ ናይ መላእ ሃገር ውጽኢት ከም ዝንገር ሓቢራ።
ነቲ ሒደት መዓልትታት ተሪፍዎ ዘሎ መረጻ ንምክያድ ዘድልይ ድምጺ መውሃቢ ወረቃቕቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ክልላት ክለኣኽ ከም ዝተጀመረ’ውን ገሊጻ።
ሻዱሻይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፡ ኣድለይቲ ንዋት መረጻ ኣብቲ ዝተመደበሎም እዋን ክቐርቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ዝበዝሐ ከፋላት እታ ሃገር ሰኑይ 21 ሰነ 2021 ክካየድ ተወሲኑ።
እንተኾነ ግና ክልል ሶማል ኣብ ዝርከቦም 54 ናይ መረጻ ክልላት እቲ መስርሕ 21 ሰነ 2021 ከም ዘይካየድ እቲ ቦርድ ሓቢሩ እዩ።
ዋና ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ክልል ሶማልን ህዝባዊ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ 1 ጳጉሜን 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ክካየድ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጻ።
ተዓዘብቲ መረጻ
ኣማኻሪት ኮሚኒኬሽን ቦርድ መረጻ: ከባቢ 45 ሽሕ ንዝኾኑ ናይ ውሽጢ ሃገር ተዓዘብቲ ናይ መለለዪ ወረቐት ከም ዝተዋህበ ሓቢራ።
ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝመጽኡ ተዓዘብቲ ብዝምልከት "ብዝሒ ነቲ መረጻ ንምዕዛብ ናብ ሃገር ዝኣተው ኣይፈለጥኩን። ዝኣተው ኣለው፡ ዝመጽኡ ዘለው'ውን ኣለው፤ ኣብዚ ሰሙን ክኣትው ትጽቢት ይግበር። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣይኣርኣይ ሚሽን ምስ ወሃብቲ ደገፍ መጽዮም ኣለው" ኢላ።
ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ትካላት፡ ነቲ መረጻ ንምዕዛብ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቦም ኣብ መስርሕ ምህላው ብምግላጽ ኣብዚ ሰሙን ክኣትው ትጽቢት ከም ዝግበር ኣብሪሃ።
ኣፍልጦ ዘይተዋህቦም መደበራት መረጻ
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ቦርድ መረጻ፡ 79 መደበራት መረጻ ብዘይ ኣፍልጦ እቲ ቦርድ፡ ንመረጽቲ ክምዝግቡ ምጽንሖም ገሊጹ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ 6 ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ደቡብ 71 መረጽቲ ክምዝግቡ ዝጸንሑ መደበራት መረጻ በቲ ቦርድ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ውሳነ ምሃቡ ይዝከር።
እቶም በቲ ቦርድ ኣፍልጦ የብሎምን ዝተባህሉ መደበራት፡ ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ኮድ ከይተዋህቦም ናይ መረጽቲ ምዝገባ ዘካየዱ፡ ናይ ኣፈጸምቲ መረጻ ስልጠና ከይተካየደ ናይ መረጽቲ ምዝገባ ዘካየዱ፡ ምስ ቦርድ መረጻ ዘይኮነ ምስ ምምሕዳራት መንግስቲ እቲ ከባቢ ብምትሕብባር መደበር ከፊቶም መረጽቲ ክምዝግቡ ዝጸንሑ ምዃኖም ሶልያና ኣብሪሃ።
እቶም 71 ካብ ፈለማ ክኽፈቱ ዘይነበሮም እዮም ዝበለት ሶልያና፤ ዕጫ ናይ'ቶም ኣብቶም ኣፍልጦ የብሎምን ዝተባህሉ መደበራት ዝተመዝገቡ ሰባት እንታይ ከም ዝኸውን ውሳነ ክወሃበሉ ምዃኑ ገሊጻ።
ንሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ፡ ካብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 37 ሚልዮን መረጽቲ ከም ዝተመዝገቡ ይግለጽ።