ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ ሻቅሎት ፈጢሩላ ከምዘሎ ኣመሪካ ገሊጻ

ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዝካየድ ምርጫ ብኣግኡ ሻቕሎት ፈጢሩላ ከምዘሎ ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፖሎቲከኛታት ምእሳሮም፤ ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ዝፍጥር ዘሎ ጸቕጥታት፤ ዓሌታዊ ግጭትን ካልእን ተወሳሲኽዎም ምስ ምርጫ ብምትሕሓዝ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስትሪ ብምስዓብ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዙሕ ክመርጽ ዝግብኦ ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ተፈናቂሉ ስለዘሎ "ኣብቲ ምርጫ ዘይሳተፉ ምዃኖም ዘተሓሳስብ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ውጥን ወጺእዎ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ክካየድ እኳ ውጥን ወጺኡ እንተነበረ፡ ምዝገባ ኣድመጽቲ ስለዝተናወሐን ቀረብ ናውቲ ምርጫ ስለዝደንጎየን ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ሰነ ክካየድ ውዱእ መዓልቲ ተታሒዝሉ ኣሎ።

ቅድሚ መዓልታት ኮምሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ዙር ምርጫ ከምእተካይድን ቀዳማይ ዙር ድሕሪ ሓደ ሰሙን 14 ሰነ 2013 ዓመተ ምህረት (21 ሰነ 2021) ኣብ ዝበዘሐ ክፋል እታ ሃገር ክካየድ እዩ።

ዘይምብጽሑን ካልእ ምኽንያትን 1 ጳጉመ 2013 ዓመተ ምህርት (6 መስከረም 2021) ክካየድ ምዃኑ ምሕባሩ ይዝከር።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ "ናይታ ሃገር [ኢትዮጵያ] ዲሞክራስን ሃገራዊ ሓድነትን ንምድልዳል መንግስትን ኢትዮጵያንን ንኹሉ ዘሳትፍ ምርጫ ምስ ተወደአ ፖሎቲካዊ ዘተ" ከካይዱ ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭት ብከቢድ ሕጽረት ናይ መግቢ ሓደጋ ሞት ኣንጸላልይዎም ኣብ ዘሎ እዋን ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ኩሉ ዘድሊ ነገር ንምምላእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ ኣሎ።

መራሕቲ ፖሎቲካ ግጭታት ደው ንኽብል ከምኡ'ውን ካልእ ግጭት ከይልዓለን ክሰርሑን ዘለዎም ፍልልያት ብዘተን ክትዕን ክፈትሑ፡ ካብ ግጭት ወጻኢ ዝኾነ መፍትሒ ጸገማት ከናድዩ እቲ ሚኒስትሪ ጸዊዑ ኣሎ።

መንግስቲ'ውን ንነጻ ሚድያን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ክድግፍን ናይ ዜጋታቱ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ከኽብርን ኢንተርኔትን መስመራት ቴሌፎንን ካብ ምዕጻው ክቑጠብ እቲ ሚኒስትሪ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላላየ ክፋላት እታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ክልላትን ብሄራትን ዝተወለዐ ግጭታት ንሓድነት እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዘእተዎ ዝገልጽ እቲ መግለጺ፡ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ጸገማቶም ክፈትሑ ኣለዎም ኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ ሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 47 ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ይሳተፋ ኣለዋ።

ንክልልን ንሃገራዊ ቤት ምኽርን ክወዳደሩ ዝተመዝገቡ ሕጹያት ኸኣ 8209 ከምዝኾኑ ኣቐዱሙ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።

ቦርድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 37 ሚልዮን ህዝቢ ከድምጽ ተመዝጊቡ ከምዘሎ እቲ ቦርድ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ገሊጹ ነይሩ።