ቦርድ መረጻ፡ መረጻ ዘይካየደሎም ከባብታት ክልላት ኢትዮጵያ ፈልዩ

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 14 ሰነ 2013 [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] መረጻ ዘይካየደሎም ዝተፈላለያ ከባብታት ክልላት ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ መረጻ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፤ ኣብ ቤኒሻንጉል፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ሶማሌን ደቡብን መረጻ ዘይካየደሎም ቦታታት ወግዓዊ ገይሩ።

ኣብቶም ከባብታት መረጻ ንኸይካየድ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ከኣ ምዝገባ መረጽቲ ብዘይምጅማሩ፣ ኣብ ዝተጀመረሎም ከባብታት ብምቁራጹን ኣብ መስርሕ ምዝገባ መረጽቲ ጥርዓናት ይቕርብ ብምህላዉን ከምዝኾነ እቲ ቦርድ ሓቢሩ ነይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መስርሕ ምዝገባ መረጽቲ ዓበይቲ ናይ ኣሰርርሓ ጸገማት ብምህላዎም ምጽራይ ክግበረሎም ኣብ ዝወሰነሎም ቦታታት’ውን መረጻ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መረጻ ዘይካየደሎም ከባብታት መተከል፣ ሺናሻ ልዩ፣ ካማሺን ዳለቲን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ኦሮሚያ ሸውዓተ ክልላት ምርጫ ኮይኖም፤ ቤጊ፣ ሰኞ ገበያ፣ ኣያና፣ ገሊላ፣ ኣሊቦ፣ ጊዳሚን ኮምቦልቻን’ዮም። ኣብዞም ከባብታት ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ምዝገባ መረጽቲ ኣይተጀመረን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ምዝገባ መረጽቲ ዘይተጀመረሎም ሸሞንተ ክልላት ምርጫ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ከምዘይህልው’ኳ ሓቢሩ እንተነበረ፤ ካብ ሞንጎ እቶም ቦታታት ሓደ ኣብ ዝኾነ ድልይብዛ ግን መረጻ ከምዝካየድ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ማጀቴ፣ ኣርጎባ፣ ሸዋሮቢት፣ ኤፌሶን፣ ጭልጋ ሓደን ጭልጋ ክልተን፣ ላይ ኣርማጭሆን ኣንኮበርን ድምጺ ከምዘይህቡ ኣነጺሩ።

ቀይ ኣፈር መደበኛ፣ ሱርማ ልዩ፣ ዲዚ ልዩ፣ ማጀት መደበኛ፣ ጉራፈርዳ፣ ሽኮን ቴፒን ምዝገባ መረጽቲ ስለዘይተጀመረ እቲ መረጻ ዘይካየደሎም ከባብታት ክልል ደቡብ እዮም።

ኣብ ክልል ሶማሊያ ድማ ኣብ ምዝገባ መረጽቲ ሰፊሕ ጸገም ኣሰራርሓ ምህላዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ስለዝበጽሖ ምጽራይ የካይድ ምህላዉ ዘመልከተ ቦርድ መረጻ፡ ነዚ ዘጻርይ ጉጅለ ከምዘዋፈረ ሓቢሩ።

ኣራቢ፣ ደግሃመዶ፣ ጎዴ፣ ጂግጂጋ 1፣ ጂግጂጋ 2፣ ቀብሪደሃር፣ ቀላፎ፣ ዋርዴር፣ ፊቅ፣ ገላዲንን ደገሃቡርን ምጽራይ ዝካየደሎም ከባብታት ከምዝኾነ መግለጺ እቲ ቦርድ የረድእ።

ምዝገባ መረጽቲ ዘይተኻየደሎም ከባብታት እቲ ክልል ድማ ኣይሻ፣ ኤረርን ሽንን ዝበሃሉ እዮም።

ን28 ሰነ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፤ ምዝገባ መረጽትን ካልኦት ስራሕትን ብእዋኑ ክፍጸሙ ብዘይምኽኣሎም ናብ 14 ሰነ ከምዝተሰጋገረ ይፍለጥ።

እቲ በቢሓሙሽተ ዓመት ዝግበር መረጻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ’ኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክናዋሕ ከምዝተወሰነ ይዝከር።