እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እንታይ ኣፍርዩ?
ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበሩ ተቓወምቲ ዕጡቓት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ መገዲ ክቃለሱ ዓዲሙ፡ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ቆጽሊ ሰላም ሒዙ ንኤርትራ ምስ መጽአ ህዝቢ እታ ከተማ ወጥሪ ዕስራ ዓመት ዘዝልቕ ንፋስ ሰላም ነፊሱና ብማለት ከካብ ቤቶም ወጺኦም ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ።
ኣብቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘዳለወሎም ናይ ድራር እንግዶት ከኣ "ድሕሪ ሕጂ ትነብዕ ኤርትራዊት ኣደ ኣይክትህሉን እያ። መንእሰያት ኤርትራ ብኣጻምእ ሰሃራን ባሕርን ናብ ስደት ኣይክኸዱን እዮም" ብምባል እቲ ህዝቢ ዝምነዮን ዝደልዮን ቃል ምስ ኣስመዐ፡ በቲ ልዙብን መሳጥን ቃላቱ ብዙሕ ሰብ 'እዝግሄር ጸሎትና ሰሚዑ ገኒሑ ክዕረቐና ነዚ ቅቡእ ሰብ ልኢኹልና' ክሳብ ምባል ከምዝተበጽሐ ዝዝከር እዩ።
ግን ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ እንታይ ኣፍርዩ? እቲ ሽዑ ዝነበረ ትጽቢትን ሕጂ ዘሎ ክውንነትን እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ዝተፈለላዩ ሰባት ርእይተኦም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለው።
ኣቢይ ኣሕመድ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣኪቡ ንብይን ኮሚሽን ዶባትን ስምምዕ ኣልጀርስን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ ምስ በለ ናይ ብሓቂ ተስፋ ከምዝገበረ ዝዛረብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍርቃን ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ስዩም ተስፋይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምቲ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሃገሩ ዘርኣዮ፡ እሱራት ብምፍታሕ ኮነ ሓደ ሓደ ተስፋ ዝህብ መባእታዊ ለውጢ ብምትእትታው ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ'ዶ ይኸውን ክብል ብሃንቀውታ ይጽበ ምንባሩ ይዛረብ።
"ከም መርኣያ ናይ ዕርቀ ሰላም ወጥሪ 20 ዓመት ዘሊቑ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣቢይን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ዶባት ዛላምበሳ ተኸፊቱ ህዝቢ ተሓቛቚፉ ክነብዕን ክሕጎስን ምስረኣዩ፡ ነቲ ናይ ህዝቢ ሓጎስን ተስፋን መሊሶም ክውስኽሉ እዮም ዝብል ትጽቢት ነይሩኒ። ግን እቲ ኩሉ ብጽቡቕ ዝተጀመረ ትጽቢት ኣብ መንጎ ከም ንፋስ በኒኑ ዘይተጸበናዮ: ምዕባለ ኩናትን ዕንወትን ስዒቡ" ክብል እቲ ዝነበረ ትጽቢትን እዚ ሕጂ ዘሎ ክውንነትን ፈጺሙ ከምዘይላገብ ይገልጽ።
ውዕል ሰላም ኣልጀርስን ተስፋ ሰላምን
ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ምሁር ፖለቲካዊ ቁጠባ ኣቶ በርሀ ፍሰሃየ ግን "ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣገባብ ምሕደራ ብቐረባ ይከታተል ስለዝነበርኩ፡ ብፍላይ እታ ንጻውዒት ዕርቀ ሰላም ዝተቐበለላ 20 ሰነ 2018 "ወያነ ገይም ኦቨር" እትብል ሓረግ ምስ ተጠቕመን እቲ ዕርቀ ሰላም ክሰርሕ ከምዘይኮነ ብኣግኡ እዩ ተረዲኡኒ" ክብል እቲ ሽርክነት ክልቲኦም መራሕቲ ውዒሉ ሓዲሩ ኣንጻር መራሕቲ ህወሓት ከምዝቐንዕ ይርደኣኒ ነይሩ" ክብል እቲ ኣመትን ምልክትን ካብ ብንግሁኡ ከምዘየሐጎሶ ይሕብር።
እቲ ን18 ዓመታት ኣቢሉ፡ ብውዕል ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ሂቡ ከብቅዕ፡ መሪሕነት ህወሓት እቲ ብይን ኣብ ዶባት ንኸይምልከት ዓንቂጹ ብምጽንሑ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰላማዊ ህይወቱ ከየድህብ በቲ እምቢታ ብዙሕ ከም ዝተጎድአ ይግለጽ።
ኩነታት ተቐያይሩ ዶክተር ኣቢይ "ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኣሎና" ምስ በለ ግን 'እቲ ንዓና ዝተበየነ መሬት ብሓይሊ ተጎቢጡ ኣሎ። ብደቡብ ልዑላዊ ስግኣት ኣሎና' እናተባህለ ልዕሊ እቲ ብኣዋጅ ዝተደንገገ ናይ ግዜ ገደብ ከገልግል ዝተገደደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ሩፍታ ከምዝተሰመዖ መንእሰይ ኣብርሃም ይገልጽ።
ስለዝኾነ ከኣ እቲ ዕርቀ ሰላም ነቲ ተዓንቂፉ ዝጸንሐ ገስጋስ ህንጸትን ምዕባለን ንቕድሚት ክውንጭፎ እዩ ዝብል ትጽቢት ዘሕደሩ አህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ብፍላይ ከኣ እቶም መዳውብቲ ብልዑል ተስፋ ካብን ናብን እናተመላለሱ ደሃይ ሓድሕድ ክተሓተቱን ብሰላም ክነጋገዱን ጀሚሮም።
ዶክተር ኣቢይ ንኣስመራ ኣብ ዝረገጸሉ ወርሒ ሓምለ 2018 ጎደናታት ኣስመራ ብባንዴራታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሰሊሙ፡ ኣዴታት ቖጽሊ ስየ ሒዘን፡ እቶም መምስ ጎበዙ ግዴታዊ ኣገልግሎት ዝጽበዮም መንእሰያት፡ ወረ ሰላም ብምንፋሱ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዘሊሎም ዓሊሎም። ንምእማኑ ክሳብ ዘሸግር ክልቲኡ ህዝቢ ብቴሌፎን፡ ብመካይን፡ ብነፈርትን ኣጋርን ርክብ ጀሚሩ። ኣብ ፈቐድኡ ጓይላ ሓጎስ ተተኺሉ፡ "ፍቕሪ ይስዕር - ፍቕሪ ይምቅር" ተባሂሉ ተዚሚሩ።
እንተኾነ ድሕሪ ቁሩብ ዶባት ብምዕጻው: እቲ ተስፋ ሰለስተ ዓመታት ከይመልአ ክቕምርር ጀሚሩ። ኣምሳያ ጓይላን ጨፈራን ተዅስን ኵናትን ሞትን ዕንወትን ብኽያትን መልቀስን ስዒቡ፡ ኣብ አህዛብ ደምን ጽልእን ተተኺሉ ምርኣይ ናይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ትብል እቲ ወርቃዊ ናይ ሰላም ዕድል ብጽልእን ኵናትን ምብርዓኑ ዘጉህያ ወይዘሮ መብራት ንጉሰ።
ምሁር ቁጠባ በርሀ ፍስሃየ እውን እቲ ዶባት ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ኣብ ገጽ ክልቲኡ አህዛብ ዝረኣዮ ሓጎስ ብልቢ እኳ እንተሐጎሶ፡ እታ ንትግራይ ዘዘሊልካ እትግበር ዝነበረት ናይ ኣቢን ኢሳይያስን ርክብ ብፍላይ ከኣ ንባህርይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግምት ብምእታው ብውሽጡ ከምዘይቀሰነ ይዛረብ።
"ኢሳይያስ ድሕሪ ናጽነት ጥራሕ ብውሕዱ ንሰላሳ ዓመታት መገዲ ሰላም ተኸቲሉ ኣይፈልጥን እዩ። ኩሉ መገድታቱ ጎንጽን ሓይልን እዩ። ምስ ጂቡቲ፡ ምስ የመን፡ ምስ ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ ተዋጊኡ። ሕጂ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ወጥሪ ከኣ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኵናት ጎረቤት አእትዩዎ" ብማለት ካብ ፈለማ እውን ርኡይ ስክፍታ ከምዝነበሮ ሓቢሩ።
ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ
ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ እቲ ወረ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ዝተበሰረ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ ተበግሶ ዮሃና ኢሉዎ። መራሕቲ ሃገራት ኣካየድቲ ኣህጉራዊ ትካላትን ልባዊ ሓጎሶም ገሊጾም። ዕርቀ ሰላም እተን ክልተ ሃገራት ኣብ ቁጠባውን ንግዳውን ምዕባለ ሃገራት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃ እወታዊ ተራ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ። ኣቢይ ኣሕመድ በቲ ዝወሰዶ ናይ ዕርቂ ተበግሶን ወጥሪ 20 ዓመት ኩነተ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ስለዝቐየረ ናይ ኖቬል ሽልማት ተቐቢሉ። እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ቤቱ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ክኣስርን መገዲ ጎነጽን ሓይልን ክኽተል ምስተራእየ ሻቕሎት ከምዝሓደሮ ኣቶ ተስፋይ የረድእ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕርቀ ሰላም ከሲቡዎ ዝበሃል ነገር እንተልዩ፡ ኣብቲ ፈለማ ኣዋርሕ ምስ ጎረባብቱን ተፈልዩዎም ዝጸንሐ ቤተሰቡን ክራኸብ ምኽኣሉ ጥራሕ እዩ። ካብኡ ተረፈ ኣብ ቁጠባ ይኹን ፖለቲካ እንተዘይገዲዱ ዝተቐየረ ነገር ከምዘየሎ፡ ህዝቢ ለበዳ ኮቪድን ዕጽዋን ተወሲኹዎ ድራር እለቱ ንምምእራር እውን ተሸጊሩ ምህላው፡ ካቢኔ ምኒስተራት ኤርትራ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም 2018 ንካልኣይ ሳዕ ተኣኪቡ ከምዘይፈልጥ፡ ነዚ ኢሳይያስ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ ወተሃደራዊ ተሳትፎ እውን ዝፈልጡዎ ነገር ከምዘይብሎምን ህዝቢ እውን ከምዘይተሓበረን ኣቶ በርሀ ይገልጽ።
ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ኩሎም እቶም ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ኣብ ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሰብኣዊ ግህሰት ብምፍጻሞም ክኸሶምን ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጽእን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። መንግስቲ ኣቢይ ምእንቲ ሰላም በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ወሲደ ኣለኹ ክብል እንከሎ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግን ብቕልጽምና ኢና ናብ ርእሰ ከተማና ተመሊስና ብማለት ተዅሲ ደው ንኽብል ሸውዓተ ዝነጥብታቱ እማመ ኣቐሚጦም ኣለው።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ነመሓድሮ ዝነበርና ልዑላዊ ግዝኣት ክልል ትግራይ ክሳብ ነምልስ ኵናት ክንቅጽል ኢና ክብሉ እንከለው፡ ከም ወልቃይት ጸገዴ ዝኣመሰለ መሬትና ቀደሙ እውን ብሓይሊ እዩ ተወሲዱ ጸኒሑ ሕጂ ከኣ አሕሊፍና ኣይንህብን ኢና ዝብሉ ሓይልታት ኣምሓራ ንኵናት ድሉዋት ምህላዎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጻሊ ይወዓዋዕ ከምዘሎ ኣቶ ስዩም የረድእ።
ጽባሕ ንግሆ ኣብቲ ዝቕጽል ኵናት ኤርትራ እንታይ መርገጽን ተሳትፎን ክህልዋ እዩ? ህዝቢ ኤርትራ መርድእ እቶም ኣብ ዘይምልከቶም ኵናት ትግራይ ኣትዮም ጠፊኦም ዘለው መንእሰያት ደቁ ምስተነግረ እንታይ ክብል እዩ? እቲ መንግስቲ'ኸ እንታይ እዩ ክብል ንዓይ ናይ ብሓቂ እዩ ዝኸብደኒ። ክንዲ እተን ኣብ ዕርቀ ሰላም ዓሊለን ዘሊለን ዳሕራይ ብሞት ደቀን ዝነብዓን ዝጉህያን ኣዴታት ናይ ብሓቂ ሓዘን ይስመዓኒ ይብል ኣቶ ስዩም ተስፋይ።
እሞ እቲ ፍታሕ እንታይ እዩ?
ኵናት ሰብን ህይወትን ዝበልዕ፡ ወለድን ውሉዳትን ዘንብዕ፡ መጻኢ ዕድል መንእሰያት ዝርምስ፡ ሃብቲ ሃገር ዝድምስስ ኣዝኡ አዕናዊ ምዃኑ ካብዚ ሕጂ ኣብ ኵናት ተጸሚዱ ዘሎ ሕብረተሰብዚ ንላዕሊ ዝፈልጥ ከምዘየሎ ዝገልጽ በርሀ፡ እቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ካብ ውልቃዊ ትዕቢትን ትምክሕትን ርሒቖም ምእንቲ እቲ ነፍቅሮን ንሓልየሉን ኢና ዝብሉዎ ህዝቦም ክብሉ ናይ ኵናት ነጋሪት ኣብ ክንዲ ምህራም ርግእ ስኽን ኢሎም ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ቀሪቦም እቲ ሽግር ብዘተን ልዝብን ክፈትሑዎን ተሰማዕነት ዘለዎ ትካላት ማሕበረሰብን ጸለውቲ መንግስታትን ተሪር ጸቕጢ ክገብራ ይግባእ ክብል ርእይትኡ የቐምጥ።
መራሕቲ እቲ ዞባ ኣብ መስኮት ተሌቪዥን እናኽቐርቡ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓቢረን ቁጠባዊ ምዕባለ ከረጋግጻ፡ ህዝበን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ክገላገል ኩሉ ዓቕምታተን ኣብ ልምዓታዊ ወፍሪ ከውዕለኦ ከምዝግባእ እዮም ዝመኽሩ። እንተኾነ እዚ ዘቦ እዚ ንዝሓለፈ 60 ዓመታት ብውሕዱ ካብ ኵናት አዕሪፊ ኣይፈልጥን እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሳልስቲ "ሓምለ 9 - ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ" ብዝብል ኣርእስቲ ብ10 ሓምለ ኣብ ዘስፈሮ ሓተታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ደድሕሪ ምኽታም ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘካየዶ ቃለ-መሕትት ብምጥቃስ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጠንቂ ናይዚ ዕድል ወለዶታት ዘኽሰረ ብድሆታት፡ ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናትን ድሕሪኡን፡ ብመገዲ መጋበርያ ስርዓታት ዝተሰርሓሉ ግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ-ሓያላን ምዃኑን፡ ድሕሪ ነዊሕን ዘሕዘንን ምዕራፋት ታሪኽ፡ ንቕሓት ናይዚ ህዝቢ ስለዝበረኸ ግን እዚ ዞባ ናብ ሓድሽ መድረኽ ክሰጋገር ዕድል ከምዝረኸበ ይጠቅስ።
ኣቶ ስዩም ተስፋይ ግን "ሰላም እንተዘየሎ ምዕባለን ብልጽግና የሎን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኵናትን ድሕረትን ሞትን ህልቂትን ክገላገል እንተኾይኑ፡ ብሕጊ ዝምእዘዝ ቅዋማዊ ደሞክራሲያ ስርዓት ተኺሉ ዜጋታቱ በብዓቕሞም ዘበርክትሉ ስደተኛታት ዝመለስሉ ዕድል ክፈጥር ይግባእ።" ክብል ርእይቶኡ የቐምጥ።