ሓድሽ ዓመት፡ 'ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ብልጭ ኢሉ’ምበር ኣይበርሀን’

ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኤዲተር ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ዝነበረ ኣዲስኣለም ሓድጉ "ትኽክለኛ ህይወት ምምራሕ እናኣበየኒ . . . ደቀይ ገለ ነገር ኮይነን ብሕልመይ እናተርኣየኒ ሕማቕ ኩነታት'የ ኣሕሊፈ" ኢሉ ዝዝክሮ ሓደ ክፋል ሕሉፍ ህይወቱ'ዩ።

ክሳብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝነበራ 20 ዓመታት ኲነተ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ “ደቀይ ብዓይነይ ክርኢ ጥራሕ’የ ዝነብር” እናበለ ኣዝዩ ሕሱም ህይወት ክመርሕ ጸኒሑ'ዩ።

ኣዲስኣለም፡ ንስድርኡ ሓዊሱ ንስድራ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ክልተ ንዝገምዐ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ ዘለው ሕማቕ ፍጻመታትን ብድሆታትን ይጸልኦ።

ኵናት እዘን ሃገራት፡ ኣዝዩ ዝፈትዎም ክልተ ነኣሽቱ ኣሕዋቱ ስለ ዘስኣኖ፣ ብስሓቕን ደስታን፣ ብፍቕርን ምክብባርን ዝተመልአ ስድራ ኣበይ ኣለኻ? ከመይ ኾይንካ? ዝብሃሃለሉ ዕድላት ብሙሉኦም ኣጸልሚቱ ተስፋታቱን ሓጎሱን ስለ ዝመንዝዖ፡ ይፍንፍኖ ከኣ።

ድሕሪ 20 ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዕርቀ ሰላም ከውርዱ ምዃኖም ወረ ምስ ተሰምዐ፣ ቀጺሉ'ውን ብቴሌፎን ምርኻብ ምስ ተጀመረን ታሪኻዊ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክግበር ምዃኑ ምስ ተነግረን ድማ፡ ልዕሊኡ ብሓጎስ ዝዘለለን ካብ ሞት ዝተንሰአን ክህሉ ኣይኽእልን።

ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝመጽኡ ምዕባለታት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ህይወት ኣዲስኣለም ሓድጉን ስድራቤቱን ፍሉይ ትርጉም ኣለዎም።

በቶም ናይ ጸልማት ዓመታት ዳርጋ ሓመድ ልሒሱ ዝተንስአ ኣቦ ሰለስተ ቖልዑት ኣዲስኣለም ሓድጉ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ድሕሪ ክልተ ዓመት ንዝህልዎ ጦብላሕታ ሓድሽ ምዕራፍ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘአንፈተ ስምምዕ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ከውገዐና ተመሊስና ረኺብናዮ ኣለና።

18 ሓምለ 2018 ዓ.ም [ኣቆጻጸራ ኤውሮጳ] ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ዝቀባበልኦ ዝነበራ ዛንታ ንኣስታት 20 ዓመታት ብዓይነ ስጋ ከይተርኣኣየ ዝጸንሐ ስድራ፡ ዛንታ ጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ሓድጉ እዩ።

ከምቲ ኣብዚ ጽሑፍ ዝርኣዩ ክልተ ስእሊታት፡ ኣባላት ስድራት ኣዲስኣለም ሓድጉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ቅድሚ ምርኻቦምን ምስ ተራኸቡን ዝነበረ ንልብኻ ዝትንክፍ ስምዒታት ሒዘን፡ እቲ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተፈጥረ ምዕጻው ዶባትን ምብታኽ ርክባትን እተን ሃገራት ዘሕደሮ ስድራቤታዊ በሰላ ብምዝንታው፤ ነቲ ዝመጽእ ተስፋ የጉልሓ ነይረን።

ኣዲስኣለም፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ዝተበጽሐ ወግዓዊ ዕርቀ ሰላም ድሕሪ 10 መዓልቲ ምስ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ተራኺቡ ን15 መዓልቲ ዝኸውን ኣብ ኤርትራ ጸኒሑ'ዩ።

ቅድሚ'ዚ ሓድሽ ምዕራፍ ክልቲአን ሃገራት ምምጽኡ ሃለዋት ደቁ ዘይፈልጥን ዝኾነ ዝራኸበሉ ዕድላት ዘይነበሮን እኳ እንተኾነ፡ ሓድሽ ዓመት 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ግን ዳግም ምስታ ብሃንደበት ዝተወሰረት ስድራቤቱ ተሓዋዊሱ'ዩ።

"ህይወተይ ጉራማይለ ዝኾነ ህይወት'ዩ፤ ፈለማ ብሓደ ዝነብር ሙሉእ ስድራ ነይሩኒ፤ ካብኡ ከኣ ተነጺልና። ሕጂ ድማ ክፋል ስድራይ ሒዘ ተመሊሰ" ይብል።

ወሲኹ ድማ፡ "ኣብታ ሓድሽ ዓመት ኣብ ገዛ ኾይንና ምስ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ስልኪ እናተደዋወልና ኣሕሊፈዮ። ድሕሪ ሰለስተ/ ኣርባዕተ ወርሒ ይኸውን ድማ ደቀይ ናብ ትግራይ መጺአን። ስድራይ ርእየን፣ ምስ ኣሕዋተይ ተላልየን፤ እታ ዓባይ ተመሊሳ ከይዳ፡ እታ ንኡሽቶ ግን ምሳይ ኣላ። ካብ እትመጽእ ዳርጋ ዓመት ሓሊፉ" ኢሉ።

ከም ወላዲ ንኹሎም ደቁ'ኳ ከም ዝፈትዎም ዝዛረብ ኣዲስኣለም፡ "ነታ ንኡሽቶ ጓለይ (ዳናይት) ዘለኒ ፍቕሪ ግና ፍሉይ'ዩ" በሃሊ'ዩ።

"ለባም፣ ልዕሊ ዕድሚኣ እትሓስብ፣ ሰባት ቅር ክተብል ዘይትደሊ፣ ሓሶትን ስርቅን ዘይትፈቱ ፍልይቲ ፍጥረት'ያ" ክብል'ዩ ዝገልጻ።

ከምዚ ዝበለ ግዜ ንክመጽእ ዘሕለፎም 20 ናይ ስቓይ ዓመታት ልዕሊ ቃላት ስለ ዝኾኑ ግን፡ ሰኣላይ ምኽኣሎ ይኸውን?' ክብል'ዩ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣውጊዑና ዝነበረ።

ሕጂ ተደቢሱ'ዩ። ኣካላውን ኣእምሮኣውን ለውጢ ኣማዕቢለን ዝጸንሕኦ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ክረኽበን እንከሎ ግን እንታይ ኢሉ? ሕጂ'ኸ ስድራ ብምልእታ ዝነበረቶ ስምዒት እተገልጸሉ ቃላት ኣለካ'ዶ? ክንብል ሓቲትናዮ።

ካልእ የብሉን፤ ኣንደበቱ ዳናይት ኢለን'የን ዝጅምራ'ሞ "ዳናይት ካባይ ዝተፈለየትሉ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ለውጢ ኣብ ዘርእያሉ ዕድመ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ስድራ በዓልቲ ቤተይን ዓባይ ሓፍታን ክረኽባ ከለኹ ንከለልያ ተጸጊመ ነይረ። ኣካላዊ ለውጣ ብጣዕሚ'ዩ ገሪሙኒ። ሽዑ ክንራኸብ ከለና ግን ናይ ሓዘንን ታሕጓስን ዳስ ጌርና ኢና ኣኽቢርናዮ። . . .

በዛ ዕድመይ እዚኣ ክረኽበን'ዶ ይኸውን? ዝብል ጥርጣረ ስለ ዝነበረኒ፡ ሓቂ ክኸውን እንከሎ ብቃላት ንምግላጽ ክሳብ ዝጽገም ደስ ኢሉኒ። ምሒር ታሕጓስ ከኣ እቲ ቅድሚኡ ብናፍቖት ዝነበረ ሓዘነይ ብንብዓት ክገልጾ ዝተገደድኩሉ ኩነታት'ዩ ነይሩ። በቃ እታ ሽዓ ዝነበረት ኣጋጣሚ ነብሰይ ዘይቆጻጸረሉ፣ ኣበይ'የ ዘለኹ ዘይብለሉ ወይ ዘይፈልጠሉ እዋን እዩ ነይሩ" ብምባል የዘንቱ።

'ሰብ ብሞት ጥራይ ዘይኮነ ብኣካል'ዉን ይፈላለ። ናብ ኤርትራ ኸይደ ኣለኹ። ወድና ኸኣ ምሳኻ'የ ገዲፈዮ። ዕድል እንተረኺበ ደብዳበ ክጽሕፈልኻ'የ። እንተዘይኾይኑ ግና ኣይትሕዘን፣ ኣይትሕመቕ፤ ነብስኻ ሓሉ' ፡ ብምኽንያት ጎንጺ ክልቲአን ሃገራት ካብ ናይ መምህርነት ስርሓ ተሰጒጓ ናብ ሃገራ ዝተመልሰት በዓልቲ ቤቱ ገዲፋትሉ ዝኸደት ደብዳበ እዩ።

ነዚ ዝዝክር፡ ክራኸቡ እንከለውስ ይሓታ'ዶ? ተዘክሮታቶም የውግዑ'ዶ? ኢሉ ምሕታቱ ኣይተርፍን።

"እቲ ብሓደ ዝነበርናዮ ህይወት ሃንደበት ስለ ዝተቖረጸ ምስ ረኸብኩወን ዝቕጽሎ ወግዒ ኣይነበረን፤ ክኸዳ ከለዋ ንኸይድ ኣለና'ሞ ድሓን ኩን ኢለናኒ ዘይኮነ ክሳዕ እታ ዝኸዳላ ግዜ ዓዲ ሰላም እያ፣ ሰላም ኢና ዘለና ዝብለሉ መዋእል ስለ ዝነበረ፡ ሃንደበት ቑርጽ ኣቢለን ስለ ዝኸዳ እንቕጽሎ ጉዳይ ኣይነበረን" ዝብል ኣዲስኣለም፡ "ስለዚ ልክዕ ክንርአአ ከለና፡ ሓሳብና እንገልጸሉ ኣንደበት ኣይነበረናን። ሓድሕድና ከመይ እዩ ክምለስ፤ ከመይ'ባ'የን ክምልሳ ንብሃሃል ነይርና። ንሰን ንዓይ ይርእያኒ፤ ኣነ'ውን ንዕአን ይርእየን" ኢሉ።

ብርክት ዝበሉ ሚዲያታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣብታ ምጅማር በረራ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ዘበሰረት ጉዕዞ ነፋሪት ሓቢሮምዎ ተጓዒዞም ምንባሮም ዝጠቅስ ኣዲስኣለም፡ እዚኣ እንታይካ? ጓለይ፤ እዚኣ'ኸ? በዓልቲ ገዛይ፤ እዚኦም'ከ? ቤተሰብ በዓልቲ ቤተይ እናበለ ከም ዘላለየን ይገልጽ።

"ብኸምዚአ ኢና ናብ ወግዒ ኣቲና እምበር፤ ዳርጋ ንዝተወሰነ ግዜ ዘይክንዘራረብ ንኽእል ነይርና ኢና። እቲ ናፍቖት ኣብ ውሽጢ ስለ ዘሎ ካብ ምንባዕ ሓሊፍና፡ 'እንቋዕ ተራኸብና ደስ ኢሉኒ' ዝብል ዓይነት ኣቀራርባ ኣይነበረናን። ድሕሪኡ ህይወት ከመይ ነይሩ? ቅድሚ ብስልኪ ምርኻብና ብህይወት ይህሉ'ዩ ኢልክን'ዶ ትግምታ ነይርክን? ናብ ዝብል ወግዒ ኣቲና። . . .

ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለኽን ዝፈልጠሉ ዕድል ስለ ዘይነበረ ብጣዕሚ ይሓዝንን ይሻቐልን ነይረ፤ ብፍላይ ኣብ ናተይ ዕድመ ተራኺብናስ ሽግርና ኣውጺእና እንዛረበሉ ዕለት ይህሉ'ዩ ኢለ ብዙሕ ተስፋ ኣይነበረንን እሞ ፈጣሪ ይመስገን ነዚ ዘብቅዐና ኢልና" ብምባል ብስምዒት የውግዕ።

ግዜ ኣቦን ጓልን

ስእሊ፡ ንትዝታታት ደቂ ሰባት ሰኒዱ ንቕድሚትን ድሕሪትን ናይ ምውሳድን ኣብ ባሕሪ ተመስጦ ኣጥሒሉ ናይ ምውጻእ ተኽእሉኡ ዓᎁቕ'ዩ።

ጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ሓድጉ'ውን ስእሊ ካብ ማህደር ትዝታታቱ ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ሃንቀውታ ስድራቤታዊ ማሙቕ ተቐቢሩ ንዓመታት ጸኒሑ፤ ግን ድማ ብሳላ ኣፋፍኖት ሰላም ብዓይነ ስጋ ዳግማይ ህይወት ዘሪኡ።

ትርጉም እዚ ሓድሽ ህይወት ንከውግዐኒ እንትሓቶ፡ "እውይ እዝስ ባዕላ ተውግዓዮ" ክብል ነታ ሕጂ ካብ ኣስመራ ተመሊሳ ኣብ ኢትዮጵያ ምስኡ ትነብር ዘላ ጓሉ ዳናይት እዩ ዝመርሐኒ።

"ኩሉ ነገር ኣብ ነብስኻ ከተልግቦ እንተዘይክኢልካ ብቃላት ክትገልጾ ከቢድ'ዩ" ዝበለት ዳናይት፡ ንፈለማ እዋን ወላዲ ኣቡኣ ክትረኽቦ እንከላ ዝተፈራረቐ ስምዒት ከም ዝተሰምዓ ትዛረብ።

ኣብቲ መጀመርታ ዝነበራ ጦብላሕታን ሕጂ ዘሎ ስምዒታን ድማ ብኸምዚ ተዘንቱ።

"ብኣካል፣ ብጥዕና ምኣስ ኣቦይ ክራኸብ እየ ዝብል ግምት ኣይነበረንን፤ ብ2018 ክረኽቦ ብዙሕ ጻዕሪ ገይረ ነይረ። ግን ዳርጋ ደሃይ ተጠፋፊእና ስለ ዝነበርና ሓንጎለይ ሐሕማቑ'ዩ ዝሓስብ ነይሩ። ብንኡሽተይ ዝተፈለኹዎ ኣቦይ ክረኽቦ ከለኹ ግን ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝርኣየኒ ነይሩ። ምሳይ ከሎ'ውን እናተመለለስኩ ይርእዮ ነይረ። ሓቂ ድዩ ሓሶት ክሳብ ዝብል ብጣዕሚ ከቢድ'ዩ ነይሩ።

እቲ ዝተፈላለናሉ እዋን ሃንደበታውን ዘስተውዕሎን ስለ ዘይነበረ፡ ከምቲ ናብ ሓደ ዓዲ ከይድናስ እንምለስ እምበር ጠቕላላ ክንተርፍን ክንደላለን ኢና ዝብል ሓሳብ ስለ ዘይነበረኒ፡ ምፍልላይና ጸቕጢ ገይሩለይ መዓልታዊ ይኸብደኒ ነይሩ። መሊስና ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምስተራኸብና ድማ ኣብቲ መጀመርያ ስምዒተይ ክገልጸሉ ይኸብደኒ ነይሩ። ሕጂ ኩሉ እቲ ዝሓለፈ ግዜ ዘዕልሎ።

ንሱ'ውን ቀደም ከምዚ ነይርኪ ክብለኒ እንከሎ እቲ ዝሓለፈ ህይወት እንተዝምለስ እየ ዝብል። ብጣዕሚ'ዩ ዘሕዝነካ። ክንደዚ ዝኣክል ተፈላሊኻ ጸኒሕኻ ሕጂ ክተዕልሎ ከለኻ ዘይምኖ ዕላል'ዩ፤ መዓልታዊ ድማ ከምታ ናይ ቀደም ይሕንቅቕ፣ ከምታ ናይ ቀደም ከም ትገብር ነይርካ፣ ከምዚ ይብለካ ነይረ፣ እናበልኩ ድልየተይ ይገልጸሉ፤ ኩሉ ነገር ድማ መዓልታዊ ይዝክሮ።

እቲ ቀደም ሓድሽ ዓመት ከኽብሮ ከለኹ ፍርቂ ጎነይ ነይሩ፤ ሕጂ ብውሑድ ካልኦት ስድራ ኣቡኦም ዝኾነ ክገብረሎም ክርኢ ከለኹ እንተዝህሉስ ዝብሎ ዝነበረ ሕማቕ ስምዒተይ ሩፍታ ረኺቡ። ሽዑ ብጣዕሚ ኢና ተሓጒስና ነይርና። ሕጂ ፍርቃ ፍርቂ ስለ ዝኾንና ቁሩብ እቲ ስምዒት ኣጸልምት የብሎ፤ ግን እታ ምርእኣይ'ውን ናይ መን ኮይና፤ ንመጻኢ'ውን ከምታ ሽዑ ዝተሓጎስናያ ክቕጽል ትምኒተይ'ዩ" ትብል።

እቶም ኣብ ሓድሽ ዓመት 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ተኸፊቶም ብዙሓት ዝተፈላለያ ስድራቤታት ዘራኸቡ ዶባት ኩሎም ተዓጽዮም፣ በረራ'ውን ብምኽንያት ዓለማዊ ለበዳ ኮቪድ-19 ጠጠው ኢሉ ብምህላው ክንድ'ቲ እትደልዮ መሊሱ ኣብ ኤርትራ ምስዝተረፈ ክፋል ስድራቤታ ክትራኸብ ዘይምኽኣላ ዳናይት ቁሩብ ስክፍታ ከይፈጠረላ ኣይተረፈን።

"ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብልጭ ኢሉ'ምበር ኣይበርሀን"

'ሄሎ' . . . 'ሄሎ'. . . 'ኣይስማዕን?'ሄሎ . . .

'ምጽላል'የ፤ 'ዳናይት'የ'

'ሄሎ ባባ' . . .

ጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ሓድጉ፡ ብ18 ሓምለ 2018 ዓ.ም ናብ ኣስመራ ቅድሚ ምኻዱ ቅድሚ 10 መዓልቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝነበራ በዓልቲ ቤቱን ናይ መወዳእታ ጓሉን ዝበጽሖ ድሃይ ቴሌፎን'ዩ።

"ደቀይ ከመይ ገይረን ስልኪ ከም ዝረኸባ ኣይፈልጥን፤ ግን ድማ ዝቆራረጽ ናይ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ድምጺ ዝሰምዐሉ ስልኪ ተደዊሉኒ። ዌል፤ ሽዑ ሓቂ ድዩ ኣይኮነን ክኣምን ኣይክኣልኩን። ደጊመ ምስ ወደይ ኮይንና ፈቲንና ቀቁሩብ ክንሰምዐን ምስ ጀመርና፡ ብስልኪ ክንራኸብ ከም እንኸእል ምፍላጠይ ጭላንጭል ተስፋ ሂቡኒ" ይብል ካብ ናይ መጀመርታ ተዘክሮታቱ።

ከምዚኦም ዝበሉ ዝተሓዋወሱ ስምዒታት ምፍልላይን ምርኻብን ዘለዎ ንፈለማ እዋን ናብ ኣስመራ ዝኸይድ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ክስምዖ ዝኽእል ኣይፍለጥን፤ ኣዲስኣለምን ግን ሕጉስ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

"ኣስመራ ይፈልጦ'ኳ እንተነበርኩ ሽዑ ግን ካብ ሰማይ ወሪድና ኣብ መሬት ክሳብ ንዓልብ ዓመታት ኮይኑኒ ርሒቑኒ ነይሩ። ክንኣቱ ከለና ግን ህዝቢ ብዕልልታ ተቐቢሉና፤ ኣቡኡ፣ ሓው፣ ሓፍቱ ክርኢ ወይ ክረክብ ዝዳፋእ ዝጎዪ ውሑጅ ህዝቢ'ዩ ነይሩ። ንዓይ ድማ ስድራ በዓልቲ ቤተይ መጺኦም ተቐቢሎምኒ። ድሓር ናይ ቀደም ኣዕርክተይ ክረክብ ጽዒረ፤ ናብ መንደፈራ ከይደ ድማ ን11 መዓልታት ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ጸኒሐ"።

እዚ ኩሉ፡ ህይወት ኣዲስኣለም ሓድጉ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረ'ዩ።

ቢቢሲ ትግርኛ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከዛርቦ እንከሎ፡ "ሞት ተመኒኻዮ ዘይመጽእ ኮይኑ ድኣ እምበር፡ ሞተይ ዘይተመነኹሉ መዓልቲ ኣይነበረን። ኹሉ መዓልቲ ካብ ስራሕ ናብ መስተ ኾይኑ ህይወተይ" ክብል ስምብራት ልቡ ኣውጊዑና ምንባሩ ይዝከር።

ሕጂ ኩሉ ነገር ተቐይሩ መስመር ሒዙ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም 2018 ብዝተዓዘቦም ምትሕቑቛፍ፣ ናፍቖት፣ ንብዓትን ሰሓቕን ክልቲኦም ህዝብታት ዝተቐብአ ዝኽርታቱ ከኣ ኣልዒሉ ኣይጸግቦምን።

"ሽዑ፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኸይድ ዝነበረ ካብ ተራ ብኢድካ ዝተሓዝ ክሳብ ዓብዪ ብመኪና ዝጽዓን ነገር'ዩ ናብ ኤርትራ ዝኸይድ ነይሩ፤ ካብ ኤርትራ'ውን ዝተወሰነ ነገር ይመጽእ ነይሩ። እዚ ብቐሊሉ ክቆጻጸሩዎ ስለ ዘይኽኣሉ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሓደ ሰፊሕ ቦታ ዕዳጋ ክኸውን ፈቒዱሎም። እዚ ድማ ዕዳጋ ኮይኑ፣ ቤት መግቢ፣ እንዳ መስተ፣ እንዳ ኽዳን ዘበለ ኮይኑ። ውዑይ እንጀራን ሕምባሻን ከይተረፈ ካብ ትግራይ ከይዱ ኣብ ኣስመራ ይሽየጥ ነይሩ" ብማለት በቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ኣዝዩ ሕጉስ ምዃኑ ይዛረብ።

ሕጂ፡ እቲ ኩነታት ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ እንተዝኸውን ኣበይ በጺሕና ምሃለና" ኢሉ ወትሩ ከም ዝሓትት ዝገልጽ ኣዲስኣለም ሓድጉ፡ እቲ ምንቅስቓስ ተዓጊቱ ክትርእዮ ከለኻ እቲ ስምምዕ ምሉእነት ከም ዘይብሉ ዘርእየካ ብምዃኑ ትሓዝን ይብል።

"ብውልቂ፡ ደቀይ ብዓይነይ ርእየ እቲ ዝነበረኒ ጽምኢ ተገላጊለ፡ ደስ ኢሉኒ'ዩ። መጀመርታ ብማሙቕ ሓዳር ምስ ስድራይ ተሓቛቚፍና ንነብር ነይርና፣ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ኩነታት ከኣ ስድራ ተበቲኑ፤ ድሓር ድማ ተራኺበ፤ ሐዚ ዋላ ኣብ ክልተ ንኹን ብስልኪ ክረኽበን ስለ ዝኽእል ተፈላሊና ዝብሎ ኣይኮነን" ዝብል ጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ብዓብይኡ ግን 'ሰላም ናይ ሓደ መዓልቲ ውራይ ክኸውን ኣይምተገብአን' ኢሉ።

ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ናተይ እትብሎ ሰብ ይጥዐ ይሕመም፣ ብህይወት ይሃሉ ኣይሃሉ፣ ይጥዓሞ ይኽፍኣዮ ዘይፍለጠሉ መዋእል ዝቐየረ ኣፋፍኖት ምፍጣሩ ሕጉስ ምዃኑ ዝገልጽ ኣዲስኣለም፡ ብደረጃ እቲ ንሱ ዝረኸቦ ሩፍታ ኣብ ሞንጎ መንግስታት'ውን ስሩዕ ነገር ተፈጢሩ እቲ ህዝባዊ ርክብ ንክቕጽል የተስፉ።

"ከምዚ ዓይነት ብርሃን ክፍጠር እንከሎ ብኹሉ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝነኣድ'ዩ። ግን ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ ብልጭ'ዩ ኢሉ እምበር ከምቲ ሰብ ዝተጸበናዮ ክበርህ ኣይከኣለን። ብሓደ ወገን ኣነ እቱ ናፍቖተይ ኣውጺአ በዚ ዕድመይ ደቀይ ክቐብራኒ ዝኽእላሉ ዕድል ምርካበይ ደስ ይብለኒ። ይኹን'ምበር እተን ሃገራት እቲ ንብዙሕ ግዜ ዝስኣንኦ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ርክብ ናብ ለውጢ መጺኡ'ዩ እትብለሉ ዝጭበጥ ነገር የለን። . . .

መበኣሲአን እንታይ ነይሩ? ኣብ ምንታይ ተዓሪቖም? እቶም መንግስታት ካብ ሕሉፍ እንታይ ሓዲጎም እንታይ'ዮም ክወስዱ? ዝብል ንጹር ነገር ስለ ዘየለ ቐጻሊ ናይ ክልቲኤን ዝምድና ከምዚ'ዩ ኢልካ ንምግማት፡ ስቕ ኢሉ ጥቕሉል ካብ ዝኾነ ተስፋ ወጻኢ ዝጭበጥ ዝረጋገጽ ነገር ዘይምህላው የሕዝነካ" ብምባል ሙሉእ ዘይምዃኑ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ።