እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ድሕሪ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ፈላሚ ኣኼባ ኣካይዱ
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ብዓርቢ ኣኼባ ከም ዘካየደ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።
እቲ ካቢነ፡ በቲ "ታሪኻዊ" ዝበሎ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተደሪኾም ኣብቲ ዞባ ዝርኣዩ ዘለዉ ክስተታትን ሓፈሻዊ ዞባዊ ስትራተጅያዊ ሽርክናን ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።
ካቢነ ሚኒስተራት፡ ነቶም "ንዞባዊ ሽርክና ዝኣልዩ ሓሙሽተ ዓዕኑድ ደጊሙ ኣስሚርሎም" ክብል ኣቶ የማነ ገሊጹ።
እቶም ሓሙሽተ ዓዕኑድ ልዕልና ሕድሕድካ ምኽባር፡ መቓን ሓባራዊ ረብሓ ምንጻር፡ ጎዳእቲ ዝኾኑ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ኣጀንዳታት ምንጻግ፡ ምቹእ ዞባዊ ሃዋሁን ምፍጣርን ብሓባር ምስራሕን ዝብሉ ምዃኖም ኣቶ የማነ ኣብ ጽሑፉ ሓቢሩ።
ብመሰረት እዚ፡ ካቢነ ተታሒዞም ንዘለዉ ዉጥናት ምሕዳስን ምስፋሕን ወደብ፡ ትሕተቅርጺ ጽርጊያ፡ ጸዓት፡ ምትካል ኢንዱስትሪታት ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ዘትዩሎም።
ጉዳይ ምወላን ካልእን ናይቶም ዉጥናት ብዝርዝር ይስርሓሉ ከምዘሎን ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ክዉዳእ ምዃኑን ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ይገልጽ።
ብዛዕባ'ቲ ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ግጭት ተወንዚፉ ዝጸንሐ ፓለቲካዊ ጽገናን ትግባረ ቅዋም ይኹን፡ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ፓሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዘትይሎም እንተኸይኑ ዝጠቐሶ ነገረ የለን።