ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብይ ኣሕመድ ሕቶ ዘልዓለ ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ

ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ትሕቲ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ምውዳቓ፡ ኣብቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ህይወት ኣሻሓት ሰባት ዝበለዐን ሚልዮናት ተጸበይቲ ምግብን ካልኦት ሓገዛትን ዝገበረ ኵናት ሓድሽ ምዕራፍ እዩ፡፡ እዚ ፍጻመ መቐይሮ ነጥቢ እቲ ኲናት ዶ ክኸውን ይኽእል?

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ኲናት ሰራዊቱ ስሒቡ፤ ህዝቢ ድማ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓጎሱ ገሊጹ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ዘሰምብድ ውሳነ ዝወሰነ፡ መጀመርታ እታ ከተማ ደጊም "ማእከል ስሕበት እቲ ጎንጺ ኣይኮነትን" ብዝብል ስትራተጂካዊ ምኽንያት ከምዝኾነ ገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ዳሓር ግን ተወሳኺ ክሳራ ንኸይስዕብ ንምክልኻል ኢሉ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።

"ኣብቲ ኲናት ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ምቅይያር ርእይና" ዝብል ኣብ ክራይስስ ግሩፕ ተንታኒ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዊል ዳቪሰን እዩ።

"እዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ንመቐለ ክቆጻጸር ዘይምኽኣሉ ወይ ድማ ካብ ትግራይ ምውጻእ ከምዘድለዮ ዘመላኽት እዩ" ዝብል ዳቪሰን እዚ ድማ "ብመንጽር (እቶም ዓመጽቲ) ዝረኸብዎ ወታሃደራዊ ዓወት" ከምዝኾነ የረድእ፡፡

ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊቱ በይናዊ "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ" ዝኣወጀ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክረምታዊ ማሕረስ ንምስላጥን ሓገዝ ረድኤት ንምብጻሕን ተጻብኦ ጠጠው ምባል ኣድላዪ ከምዝነበረ ሓቢሩ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ቃልሶም ብምቕጻል ንከተማ ሽረ ሓዊሱ ንብዙሕ ከባቢታት ተቖጻጺሮም፡፡

ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ጎንጺ ጸብለልታ ምሓዞም ይረኣይ ኣሎ፡፡ እዚ ናበይ ከምርሕ እዩ ዝብል ግን ኣብ ቀጻሊ ዝረኣይ እዩ ክኸውን፡፡

ትኹረት ኣብቲ ኣብ ኣምሓራ ዝጥጃእ ዘሎ ኲናት

ኣብዚ እዋን መራሒ ኢትዮጵያ ትኹረቱ ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ክፍጥር ዝኽእልን ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ጎረቤት ክልል ኣምሓራን ዝካየድ ኲናትን ከምዝገብር ተንተንቲ ይገልጹ፡፡

ኣምሓራ፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ብሄራት ሓደ ዝኾነ ብሄር ኣምሓራ ዝነብረሉ ክልል እዩ፡፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ክልላት ዘሎ ልሙዕ መሬት ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሚልሻን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ነቲ ናትና እዩ ዝብልዎ መሬት ንምውሳድ ይፍትኑ ኣለዉ፡፡

ዓለምለኻዊ ተንታኒ ለይን ማክደርሞት "ብልጽግና ኣምሓራ ካብቶም ክልተ ሓያላት ክልላዊ ጨንፈራት ሰልፊ ብልጽግና እዩ'" ይብል፡፡

''እዚ ማለት ነቲ ኣምሓሩ ቅድሚ 1991 (ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ) ናትና ነይሩ ዝብልዎ መሬት ትግራይ ንምውሳድ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝድግፍ'' ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡

ዳቪሰን ብግዲኡ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ምስ ሱዳንን ትግራይን ዝዋሰን ክልል ኣምሓራ ትኹረት ክገብር ዝደፍኦ ካልእ ምኽንያት ከምዘሎ ይዛረብ፡፡

ካልኦት ናብ ትግራይ ዘእትዉ መገዲታት እንድሕር ተዓጽዮም፡ ተጋሩ ነቲ ከባቢ ከም ዓለም ለኻዊ መስመር ቀረብ ከይጥቀሙሉ ንምኽልካል እዩ ይብል፡፡

ዝተመናንሀ ሓይልን ሞራልን

ኣብዞም ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኽንደይ ዝኣክል ከምዝተዳኸመ ግልጺ ኣይኮነን፡፡

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ በቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ''ካብ ጥቕሚ ወጻኢ'' ከምዝገበሩ ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ወታሃራት ሞይቶም ድዮም ወይስ ተማሪኾም ዝብል እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ብዝኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝበጸሐ ዕንወት ከቢድ ይመስል፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣብ ቦስተን ዝርከብ ፋውዴሽን ሰላም ዓለም ኣሌክስ ዲ ዋል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ '' 20 ክፍላተ ሰራዊት ዝነበሮ ኮይኑ- እቶም 7 ሙሉእ ብሙሉእ ክድምሰሱ እንከለዉ እቶም ሰለስተ ድማ ተበታቲኖም እዮም''ኢሉ፡፡

ካልኦት ግና እቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝበጸሐ ክሳራ ብትኽክል ንምፍላጥ ከቢድ እዩ ይብሉ፡፡

''ካብቶም ዓብዪ ዋጋ ዝወሃቦም ሕቶታት ሓደ እዩ'' ዝብል ዊልያም ዳቪሰን '' ብትኽክል ኣይንፈልጦን፤ ንሓይሊታት ፌደራል ግን ኣዝዩ ዘጨንቕ ምስሊ ይመስለኒ፡፡ ሓያል ምምንናህን ከቢድ ሞራላዊ ኪሳራን ኣጋጢምዎ እዩ'' ኢሉ፡፡

''ምስቲ ቅድም ክብል ኢትዮጵያ ከም ዞባዊ ኣኽባሪት ሰላም ዝወሃባ ዝነበረ ዓብዪ ክብሪ፡ ኣብዚ እዋን ወታሃደራዊ ሓይላ ኣዝዩ ተዳኺሙ እዩ'' ብምባል ወሲኹ ገሊጹ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ቀዳማይ ሚነስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብቲ ወታሃደራዊ ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ንዳግመ ህንጸትን ሓገዝ መግብን 100 ቢልዮን ብር [2.3 ቢልዮን ዶላር] ወጻኢ ከምዝተገበረ ሓቢሩ እዩ፡፡ እዚ ድማ 20 ምኢታዊት ናይ ሎምዘበን ዝጸደቐ ዓመታዊ በጀት እታ ሃገር እዩ፡፡

እናዓበየ ዝመጽአዓለም ለኻዊ ጸቕጢ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብቐጻሊ ዝወስዶም ስጉምቲታት፡ በቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ክበጽሕ ዝጸንሐ ስቅያት ሻቕሎቱ እናዓበየ ዝመጸአ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ኣዐርዩ ክከታተሎም እዩ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ካብ ከተማ መቐለ ምስ ሰሓበ፡ መስመራት መብራህትን ቴሌፎንን ብምቁራጽ፡ ቀይሕ መስቀል ከምዝሕብሮ ድማ ሆስፒታላት ብጀነሬተር ክጥቀማ ብምግዳድ ይኽሰስ ኣሎ፡፡

''እዚ ከም ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣይቑጸርን፤ የግዳስ ምትዕንቓፍ ስራሓት ግብረ ሰናይ ዘመላኽት እዩ'' ይብል ዳቪሰን፡፡

''እቶም ተቓወምቲ ናብ ስልጣን ብምምጽኦም፡ ትግራይ ንምምሕዳር ዘይትጥዕም ናይ ምግባር ዝመስል ፖሊሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ዕንወት ከብጽሕ እዩ፡፡''

ምምሕያሽ ኩነታት ጸጥታ ትግራይ ከተረጋግጽን ህጹጽ ምግብን ካልኦት ሓገዝን ንዘድልዮም ሰባት ክበጽሕ ክትፈቅድን ምምሕዳር ባይደን ዝርከቦም መንግስቲታት ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ይፈጥሩ ኣለዉ፡፡

እዚ እንድሕር ዘይተመሓይሹ ግና ''ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሳኺ ስጉምቲ ይጸበያ'' ክብል ኣብ ኣመሪካ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ሮበርት ጎዴክ ተዛሪቡ፡፡

''ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ስቓይ ደው ኢልና ኣይክንርእን ኢና፡፡''

ኣብ ሕቶ ዝኣተዉ ወታሃደራት ኤርትራ

''ኤርትራ ሰራዊታ ንምስሓብ ክትውስን ድያ ዝብል ዓብዪ ሕቶ ኮይኑ ዝቕጽል እዩ'' ይብል ኣሌክስ ዲ ዋል፡፡

እቲ ዝተናወሐ ኲናት ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝጎድእ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝገልጽ ተንታኒ ጸጥታ ማክዲሞት ''ርክብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ወጥሪ ኣትዩ እዩ'' ይብል፡፡

'' ከምቲ ኣብይ ኣሕመድ ምሕዝነት ኣምሓሩ ደገፍቱ ከይስእን ጥንቃቐ ክገብር ዘለዎ፡ ናይ ኤርትራ ምሕዝነት ከይስእን እውን ክጥንቀቕ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ወፍሪ ኣዝዮም ጠቐምቲ እዮም ነይሮም፡፡''

ዘይምርግጋእ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ኣይኮነን፤ ኮይኑ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ዝጋደድ ዘሎ ኩነታት ብጠቕላላ ኣብቲ ዞባ ጸገም ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ፡፡

ዛጊት ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኩነታት ተቖጻጺርዎ እኳ እንተሃለወ፡ ለውጢ እንድሕር መጺኡ ግን እቲ ሳዕቤን ኣዕናዊ ክኸውን ከምዝኽእል ዳቪሰን ይገልጽ፡፡

''ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ይትረፍ ከም ሃገር ምፍራስ፡ ተወሳኺ ምግንጻላትኳ ነቲ ዞባ ሓደገኛ እዩ፡፡

'' እዚ ዝተርፍ ኣይመስልን፤ እንተኾነ እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ግን ብዕቱብ ክረኣይ ኣለዎ፡፡'' ሓይልታት ኤርትራ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ክዋግኡ ጸኒሖም፡፡ እንተኾነ እቲ ጎንጺ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝሓሰበኦ ንላዕሊ እዩ ነዊሑ፡፡

ትግራይ፡ መሰረታዊ ነገራት

  • ኢትዮጵያ ኣብ ዓሰርተ ክልላት ዝተኸፋፈለት ኮይና፡ እተን ክልላት ብማእከላይ መንግስቲ እናተማእከላ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር እየን ዝኽተላ።
  • ኣንጻር እቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ተቓውሞታት ምስ ነሃረ፡ ኣብ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተኪኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመሪጹ፡ ብዙሕ ለውጥታት ኸኣ ኣታኣታትዩ።
  • ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ እትርከብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ጸለውቲ ፖሎቲከኛታትን መራሕቲ እቲ ክልልን ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንክልላት ናጽነተን ኣንፊጉ፡ ንሓይሊ ፌዴራላዊ መንግስቲ ይድርዕ ኣሎ ብምባል ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።
  • ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር 2020፡ መንግስቲ ኢትዮጰያ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መዓስከራት ሰሜን እዚ ናይ ፈዴራል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝበሎም ሓይልታት ትግራይ ኵናት ኣዊጁ።
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ፌዴራል ብ28 ሕዳር 2020 ንመቐለ ምስ ተቖጻጸርዋ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝተዛዘመ ብወግዒ ሓቢሩ፡ እንተኾነ እቲ ኵናት ኣይተዛዘመን፡ ኢትትዮጵያ 21 ሰነ ምርጫ ኣብ ተካይደሉ ዝነበረት እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዲቕ ዝበለ ኵናት’ዩ ዝካየድ ነይሩ።
  • እቶም ብህወሓት ዝምርሑ ተቃወምቲ ሓይልታት ትግራይ 28 ሰነ ንርእሰ ኸተማ እቲ ክልል ዝኾነት ከተማ መቐለ ተቆጻጺሮማ።
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ።