እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ገንዘብን ነዳድን ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ
ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ኣብ ትግራይ ሕጽረት ገንዘብን ነዳድን ከም ዘጋጠመ ዘመልክቱ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ።
እዞም ጸገማት፡ ኦቻ፡ ኣብቲ ክልል ንዘካይዶም ስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ዚያዳ ኣጸጋሚ ክገብሩዎ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።
ብሰኑይ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንከተማ መቐለ ከም ዝተቖጻጸሩዋ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣብ ዝወጽኡሉ ዝነበረ ግዜ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ 'በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ብምእዋጅ ሰራዊቱ ከም ዘውጽአ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ኣብቲ ክልል ሓረስቶት ሕርሻዊ ንጥፈቶም ንከሳልጡን ሰብአዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘይተገደበ መገዲ ንምኽፋትን ዝዓለመ ከም ዝኾነ መንግስቲ ይገልጽ።
ኦቻ፡ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተለዋዋጢ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ክልል ተዛማዲ ሰላም ምህላው ካብ መሓዙቱ ዝኾኑ ትካላት ከረጋግጽ ክኢለ ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተቛሪጾም ከም ዘለው ሓቢሩ።
ናብ ትግራይ ዝወስዱ ኣርባዕተ መእተውን መውጽእን መስመራት ከም ዝተዓጸውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስን ካብን ናብን ጠጠው ከም ዝበለን ሓበሬታ ከም ዘለዎ'ውን ጠቒሱ።
ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብሳተላይት ስልኪ ይሰርሑ ከም ዘለው ኣመልኪቱ።
እዚ ኣገልግሎት ግን ኣብ መቐለ ንዘለው ሰራሕተኛታት ጥራሕ ዝተሓጽረ ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ መቐለን ዓዲ ግራትን [ዞባ ምብራቕ]፣ ዓብዪ ዓዲ [ዞባ ማእከል] ከምኡ'ውን ደቡብ ትግራይ ኣብ ዘለው ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ ተኸልኪሉ ምንባሩ እቲ ትካል ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ማእከል ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኤምኤስኤፍ ምስ ተቐትሉ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ወጺኦም ስርሖም ጠጠው ከም ዘበሉ፤ እዚ ድማ ኣብ ጥዕና ህዝብን ምድሓን ህይወትን ጽልዋ ከም ዘሕደረ ተገሊጹ።
ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት'ውን ኣብ ኣክሱምን ሳምረን ዝነበረ ሰራሕተኛታቶም ክወጽኡ ከም ዝተገደዱን፤ ዕጡቓት እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ሳምረ ከይኸዱ ከም ዘዐንቀፉዎምን ቀረባት መግብን ሕክምናን ረድኤት ካብ ዘጉዓዕዛ ከም ዝተመንዝዐን ኦቻ ገሊጹ።
ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ናይ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝኾኑ ኣብ መቐለ፣ ዳንሻን ዓብደራፊዕን ዝነበሩ ናውታት ቴሌኮምዩኒኬሽን ብሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ዕጡቓትን ከም ዝተወሰዱ'ውን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ግን ርኡይ ስግኣት ድሕነት ከም ዘየጋጠመን ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ብዝተፈላለየ ኣማራጺታት ስርሖም ይሰርሑ ከም ዘለውን ተሓቢሩ።
እዚኦም ካብ ገዝኦም ወይ'ውን ሆቴል ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለው ኮይኖም ተንቀሳቒስካ ዝስርሑ ስራሓት ግን ንግዝኡ ጠጠው ኢሎም ከምዘለው ኣፍሊጡ።
ሰራዊታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ'ኳ እንተወጽኡ ሓይልታት ኣምሓራ ግን ኣብ ደቡብ፣ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ከም ዘይወጽኡ ምግላጾም ኣዘኻኺሩ።
ፍሉይ ሓይሊኣ ምሓራ'ውን ምዕራብን ደቡብን ሩባ ተከዘ ካብ ዝርከቡ ከባቢታት ከም ዘይወጽአን፡ ብሓደ ሓምለ 2021 [ትማሊ] ትግራይ ምስ ጎንደር ዘራኽብ ድልድል ብፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ከም ዝፈረሰ ኦቻ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን "ህወሓት ኮነ ኢሉ ነቲ ድልድል ኣፍሪሱዎ" ክብል ከሲሱ።
ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ዝርከብዎም ግፍዕታት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።
ኣብቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ልዕሊ ክልተ ሚልዮነ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ክመዛበሉ እንከለው፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዝርከቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብዚ ሰሙን ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 30 ሽሕ ህጻናት ኣብ ሓደጋ ሞት ከም ዘለዉ ብምግላጽ ኣድለይቲ ቀረባት ንምብጻሕ መገዲታት ክኽፈቱን በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቀድን ሓቲቱ።
ሰብመዚ ኣመሪካ፡ እቶም መስመራት ርክብ ብህጹጽ ናብ ንቡር ተመሊሶም ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጽጻሕ ብዘይ ጸገም ክሳለጥ ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ረዲኤት ብቕልጡፍ ንምብጻሕ ምስ መራሕቲ ትግራይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላት ረዲኤትን ክትተሓባበር ቅርብቲ ከም ዘላ'ውን ኣመሪካ ኣፍሊጣ'ላ።
ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ ኣመሪካ ወሲኹ ኣብ ክልል ትግራይ ምርግጋእ ሰፊኑ፡ ሓድነትን ሉኡላውነትን ኢትዮጵያ ዘኽብር ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ልዝብ ክካየድ ኣለዎ ይብል።
ነቶም ኣብቲ ኲናት ተፈጺሞም ዝብሃሉ ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ዝጻረይሉ ናጻ ኣገባብ ተፈጢሩ፡ ፈጸምቱ ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ ኩነታት ክፍጠር'ውን ኣመሪካ ኣዘኻኺራ።