እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ: ኣስታት 30 ሽሕ ህጻናት ትግራይ ኣብ ሓደጋ ሞት ከምዘለዉ ተገሊጹ
ኣብ ትግራይ ንሓደጋ ንዝተቓልዑ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብህጹጽ ክብጸሐሎም መገዲ ክኽፈተሉ ከምዝግባእ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ፡፡
ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ህጻናት ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ብምህላዎም፡ ኣድለይቲ ቀረባት ንምብጻሕ መገዲታት ክኽፈቱን በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቀድን ሓቲቱ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘መስመራት ስልኪ ምኽፋቶም፣ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምላሱን ተባጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባትን ክነረጋግጽ ንደሊ’’ ክትብል ተወካሊት ዩኒሴፍ ኣደል ኮድር ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ሰራዊት መንግስቲ ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ደጊሙ ምሓዝ ከምዝኽእል ተዛሪቡ፡፡
እታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እያ ኣብ ትሕቲ ንባዕሎም ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝጽውዑ ተዋጋእቲ ኣትያ፡፡
ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ፡ ነታ ከተማ ገዲፉ ዝወጸ ንካልኦት ኣስጋእቲ ጉዳያት ምድላው ንምግባርን ሓይሊታት ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ጸገም ስለዘይኮኑዎን ከምዝኾነ ገሊጹ ኣሎ፡፡
ብካልእ ዜና ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ በይናዊ ኣዋጅ ተኹሲ ደው ምባል፡ ነቲ ጎንጺ ደው ንምባል ኣብ ዝግበር ከይዲ እንተድኣ ሓጊዙ ኣወንታዊ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ፡፡
ኩሎም ሓይሊታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበጻሒ ክኸውን ክፈቕዱን ምብጻሕ ሓገዝ ምግቢ ከቀላጥፉን ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተማሕጺኑ፡፡
ኣብዚ እዋን ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ፡፡
ብተወሳኺ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ወታሃደራት ኤርትራ ብቕልጡፍን ብዝረጋገጽን መገዲ ክወጹ ኣመሪካ ጸዊዓ ኣላ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ሓይሊታት ትግራይ ንከተማታት መቐለን ሽረን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተቖጻጸሩ ኮይኖም፡ ዓቕሚ ምውጋእ ጸላእቶም ክሳብ ዝዳኸም ቃልሶም ደው ከምዘየብሉ ገሊጾም ኣለዉ፡፡