ቅልውላው ትግራይ: ሰልፊ ብልጽግና ኣምሓራ ‘ንሓይልታት ህወሓት’ ከምዘይዕገሶም ኣጠንቂቑ

ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ወሃቢ ቃል እቶም ሓይሊታት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናብ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ክዘምቱ ከምዝኽእሉ እንትገልጹ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ድማ ንሓይሊታት ህወሓት 'ኣይክዕገሶም እየ' ኢሉ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ብኣቆጻጽራ ግእዝ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ንርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ገዲፉ ምስወጸ፡ ነታ ከተማ ዝተቖጻጸሩ ሓይሊታት ትግራይ፡ ሕዚ እውን ንካልኦት ከተማታት እቲ ክልል ይቆጻጸሩ ከምዘለዉ ተገሊጹ፡፡

ኣቶ ጌታቸው: ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ንወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት ‘‘ናብ ክልል ኣምሓራ ምኽያድ ኣድላዪ እንተኾይኑ ክንከይድ ኢና፤ ናብ ኤርትራ ምዝማት እንተኣድልዩ እውን ክንገብሮ ኢና’’ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ፡፡

‘‘ቀንዲ ዕላማና ናይ ጸላእትና ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ምድኻም እዩ’’ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው ረዳ: ‘‘ኣብ ኤርትራ፣ ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ዘለዉ ጸላእቲ ንድሕነት ህዝብና ስግኣት ኣብ ዘይኮኑሉ ደረጃ ከምዝለዉ ክነረጋግጽ ኣለና’’ ኢሉ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ንከተማ መቐለ ገዲፉ ብምውጻእ ጎንጺ ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕን ብዝብል ምኽንያት ተዂሲ ደው ምባል ምስ ኣወጀ፡ ሓይሊታት ትግራይ ንካልኦት ብዙሓት ከባቢታት ይቆጻጸሩ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ፡፡

ዛጊት ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ እትርከብ ከተማ ሽረ ከምዝተቖጻጸሩ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቦም፡፡

ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ዝተባህለ ትካል እውን፡ ኣብዚ እዋን እቶም ሓይሊታት ንመብዛሕትኡ ከባቢታት እቲ ክልል ከምዝተቖጻጸሩ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ: ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ፡ መራሕቲ ህወሓት ‘‘ብተደጋጋሚ ንዝበጸሖም ዘሕፍር ስዕረት ንናይ ኣምሓራ ልሂቃን ተሓተትቲ ብምግባር ሒሳብ ከምዘወራርዱ ነጊሮምና እዮም’’ ኢሉ፡፡ ኮይኑ ግና ጉዳዮም ምስ ልሂቃን ዘይኮነስ ምስቲ ህዝቢ እዩ ክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከሲሱ፡፡

ነቶም ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብይግበኣኒ ዝሰሓሓቡለን ከባቢታት ብዝምልከት ድማ ‘‘ካብ ሕጊ ወጻኢ ነቶም ከባቢታት ናይ ምጥቕላል ድልየት እንተዳኣሃልዩ’’ ከምዘይቅበሎ ኣነጺሩ፡፡

ድሕሪ እቲ 4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት ምዕራባዊ ትግራይን ገለ ክፋል ደቡባዊ ትግራይን ናብ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣትዮም እዮም ጸኒሖም፡፡

ገለ ኣባላት እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ንክልል ትግራይ ከመሓድር ተጣይሹ ዝነበረ መንግስቲ ድማ ሓይሊታት ኣምሓራ ካብቲ ዝሓዝዎ መሬት ክለቁ ተደጋጋሚ ጻውዒት ይገብሩ ነይሮም፡፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ እቲ መሬት ብሓይሊ ናብ ትግራይ ዝተኻለለ መሬት ኣምሓራ ከምዝኾነ ክገልጽ ጸኒሑ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 21 ሰነ 2013 ዓ/ም ንርእሶም ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ክልል በይናዊ ኲናት ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ኣዊጁ፡፡

ምትሓዝ እታ ከተማ ስዒቡ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ባንዴራ እናምበልበሉ: ርችት እናተኮሱን ሓጎሶም ይገልጹ ከምዝነበሩ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ነታ ክልል ናብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ሸሚምዋ እዩ፡፡

ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ነበርቲ እታ ክልል ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ እንትኾኑ 350 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡፡

ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ጅምላዊ ጨፍጫፍ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ብምፍጻም ዝኽሰሱ እንትኾን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከምዝቐተሉ ይግለጽ፡፡