ቅልውላዉ ትግራይ፡ 'ራያ፡ ወልቃይትን ሰቲት ሑመራን ብሓይሊ ተወሲዱ ብሓይሊ ተመሊሱ'

ቅድሚ'ቲ ብ4 ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ዝመሓደር ዝነበረ ከባቢታት ወልቃይት፡ ጠለምት (ጸለምት)፡ ሰቲት ሑመራ፡ ራያ፡ ኣላማጣን ኮረምን ዝበሉ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ኣምሓራ ከምዘሎ፡ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ተኣሚኖም።

ክልል ኣምሓራ 'ብግዝያዊነት' የመሓድሮም ከምዘሎ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ክልል ትግራይ፡ ብዛዕባ ወልቃይትን ራያን ዝበሉ ከባቢታት ብዝምልከት ዘቕረቦም ሕቶታት እንተሊዮሞ ብሕጋዊ መንገዲ ከቕርብ ከምዝኽእል'ውን ኣቶ ግዛቸው ገሊጹ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ፡ ኣብዚ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ደቡብ፡ ምዕራብን፡ ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ሰፋሕቲ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ሎሚ ዓርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ዘይግባእን ማይ ዘይቋጽርን'ዩ" ኢሉ።

"ብሓይሊ ተወሲዱ ነይሩ፡ ብሓይሊ ተመሊሱ'ሎ፡ ብሓይሊ ተመንዚዕና፡ ብሓይሊ ኣምሊስና" ብምባል "እቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት ናይ ኣምሓራ'ምበር ናይ ትግራይ ኣይኮኑን" ብምባል ይምጉት።

ኣቶ ገብረመስቀል፡ ኣብቶም ከባቢታት ምምሕዳራት ዳግም ንምምስራት ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብፍሉይ ሓይልን ምልሻን ክልል ኣምሓራ ከምዝተኸልከሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። ነበርቲ ናይቶም ከባቢታት'ውን ተፈናቒሎም ምህላዎም ኣቶ ገብረመስቀል ጠቒሱ።

''ብዝተወደበ መልክዕን ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራን ዝምራሕ ስለዝኾነ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣበይ ከምዘሎ ኣይንፈልጥን'' ክብል'ውን ከሲሱ።

ሓይልታት ፈደራል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዶ/ር ሙሉ ነጋ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መስሪቱ።

ይኹን እምበር፡ ብድሆታት ጸጥታን ስእነት ህዝባዊ ተቐባልነትን፡ ከምኡ'ውን ምትእትታው ሓይልታት ኣምሓራ ብግቡእ ምምሕዳር መስሪቱ ከምድሌቱ ከንቀሳቐስ ከምዘይካኣለ ሰብመዚ ይዛረቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣመሪካ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ትግራይ ከወጹን፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክካየድን ጸዊዓ ምንባራ ይዝከር።

'ቁራስ ሰንቲ ሜትር ኣይንህብን ኢና'

ብ3 ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰሜን እዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀንዲ ኣካል ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ብምክያድ መዓስከራቱ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ሰራዊት መንግስቲ ብሓይልታት ክልል ኣምሓራ ተደጊፉ ነቶም ካባቢታት ካብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ከምዝመንዝዖም ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብ ወልቃይትን ራያን ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶታት ክለዓሉ ከምዝጸንሑ ዝሓበረ፡ ብዓልመዚ ክልል ኣምሓራ፡ ኣቶ ግዛቸው፡ "ብሕገ-መንግስቲ መሰረት መፍትሒ ከይተዋህቦ'ዩ ጸኒሑ" ይብል።

"ክልል ትግራይ እቲ ቦታታት ይግብኣኒ'ዩ ዝብል እንተኾይኑ፡ ቅጥዒ ተኸቲሉ ብሕጋዊ መንገዲ ይሕተት" ድሕሪ ምባል "ኣብዚ ጉዳይ'ዚ፡ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ይኹን ናይ ትግራይ ጣልቃ ክኣቱ የብሉን" ኢሉ። ይኹን 'ምበር ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዘላቒ ፍታሕ ክረኽበሉ ጻዕርታት ከካይዱ ምዃኖም'ውን ሓቢሩ።

ኣቶ ግዛቸው፡ እቲ "ሕጊ ንምኽባር" ዝብል ስም ዝተጠመቐ ወታሃደራዊ ኲናት፡ ነቲ ዝነበረ ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶ "ንእግረ-መንገዱ መልሲ ሂቡሉ'ሎ" ይብል።

ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ''ካብቲ ህወሓት ዘመሓድሮ ዝነበረ ትግራይ ዝበሃል ክልል ቁራስ ሰንቲ ሜትር እውን ቀኒሱ ከመሓድር እውን ኣይኽእልን፤ እቶም ሒዞምዎ ዘለዉ ሓይሊታት ካብ ሸፋቱ ፈሊና ኣይንርእዮምን'' ክብል ብመንገዲ ኣቶ ገብረመስቀል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

''እቲ ክልል ክሕተት እዩ፤ ብዙሕ ገበን እውን ይፍጸም ከምዘሎ እውን ብስልኪ ሪፖርት ይበጽሓና እዩ፡፡ ነቲ ክልል ኣምሓራ ዘመሓድር ዘሎ ሓይሊ ኣብ ሕጊ ደው ክነብሎ ኢና። ካብ መሬትና ክወጹ ጥራሕ ከይኮነስ ነዚ ዝፈጸሙ ኣመራርሓ ኣምሓራ ኣብ ሕጊ ጠጠው ክብሉ ኢና ንደሊ '' ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘ ተሻገር፡ ብኣጋጣሚ መበል 125 ዝኽሪ በዓል ዓድዋ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኣብ ወልቃይት ጠገዴ ዝተገብረ ወግእ መንነት ንምርግጋጽ ዝተኻየደ'ምበር መሬት ንምውራር ኣይኮነን። ካብዚ ንደሓር ናጻ ወጺእና ኣለና" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ማዕከናት ዜና ክልል ኣምሓራ ብወገኖም፡ ኣቶ ተሻገር፡ ኣብ ማይካድራ፡ ሑመራ፡ ወልቃይት ጠገዴ፡ ዳንሻ፡ ራያ፡ ኣላማጣ፡ ኮረምን ካልኦት ከባቢታትን ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ብህወሓት ተመዛቢሉ ክብል ከምዝኸሰሰ ጸብጺቦም።

ኣብቲ ብሓይሊታት ኣምሓራ ተወሲዱ ዘሎ ከባቢታት ዝነብሩ ተጋሩ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ብሓይሊ ክፈናቐሉ ምግባር፣ ካብ መንበሪ ገዝኦም ምብራር፣ ምውቃዕ፣ ምቕታልን ምዝራፍን ዝኣመሰሉ ገበናት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ካብ ተፈናቐልትን ነበርትን ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን ሰብመዚ ትግራይ ይዛረቡ።

ክልል ኣምሓራ ግን፡ ኣብ ኲናት ምፍንቓል ክህሉ ርዱእ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም በደል ከምዘየለን፡ ብማዕረ ይርእይዎም ከምዘለዉን ይምጉቱ።

ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ክልል ክወጹን ኩነታት ክመሓየሽን ምስ መንግስቲ ፌደራል ይሰርሑ ከምዘለዉ ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ይገልጹ።

ይኹን እምበር፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ዛጊት ወግዓውን ዝርዝራውን መግለጺ ኣይሀበን ዘሎ።

እዚ ድሮ ኣብ መንጎ'ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመዘዘ ምምሕዳር ትግራይን ክልል ኣምሓራን ምትፍናን ፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ቀጻሊ ሓደገኛ ግጭት ክፈጥር ዝኽእልን፡ ንሳዕቤናት ናይቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝሓላልኽን ከይኮነ ኣይተርፍን።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝኣዘዘ ቀዳማይ ሚኒስተር'ውን ዓቢ ፖለቲካውያን ጸጥታውን ብደሆ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወለዐ ኲናት ሰፊሕ ምፍንቓልን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ወሃብቲ ረዲኤት ትካላት ናብቲ ክልል ብምእታው ህጹጽ ደገፍ ከይህቡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸልኪሎም'ዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ መንግስቲ "ብዘይገደብ" ክኣትዉ ከምዘፍቀደሎም ገሊጹ'ሎ።

ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል ካብ ኣባይቱ ክፈናቕል እንከሎ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ብምህዳም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ካልኦት'ውን ህጹጽ ናይ መግቢን ሕክምናን ሓገዝ ከምዘድልዮም ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ።

ሓይልታት መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2020 ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ "ሕጊ ንምኽባር" ብዝብል ዝኣወጆ ወታሃደራዊ ስርሒታት ብዓወት ከምዝተዛዘመ'ኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓሓሊፉ ወግእ ይካየድ ምህላዉ ይግለጽ።

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2020 ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፋና ብትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምስ ክልል ትግራይ ናይ ምውጋእ መደብ እንተለዎ ምስ ተሓተተ፡ "ናይ ዕብዳን ዘረባ'ዩ፡ ካብ [ባሃሊኡ] ደጋሚኡ" ክብል መሊሱ። ንሱ ይኹን እቲ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ሃቐነ ከም ዘይብሎም'ውን ገሊጹ።

ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።