እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ትግራይ ክወጹ’ ንዝጽውዕ መግለጺ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቒፉዎ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካ ብቀዳም ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ትግራይ ክወጹ ምጽዋዓ ነቒፉ።
“ከምዚ ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ሓላፍነት ጥራይ ምዃኑ ግልጺ ክኸውን ይግባእ” ኢሉ እቲ ሚኒስትሪ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጽኡ” እዩ ጸዊዑ ነይሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን፡ ሓይልታት ኤርትራ ብዝምልከት ዝበሎ ነገር የለን።
ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ምውፋሮም ብዝምልከት ግን ኢትዮጵያ “ኣብ ግዝኣታ ሕጊ ንምኽባር ኣድላዪ ዘበለ ናይ ጸጥታ መሓውር ክተዋፍር” ከምእትኽእል እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ጎንጺ ምስተወለዐ፡ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ኣምሓራ ኣብ ጎድኒ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝተዋግኢ እንትኾን፡ ሕጂ’ውን ንገለ ምዕራባውን ደቡባውን ክፋላት ትግራይ ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ኣመሪካ እንታይ እያ ኢላ ነይራ?
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ኣብ’ቲ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጽኡ” ኣገዳሲ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ’ቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ኣካላት’ውን በብወገኖም መጥቃዕቲ ደው ከምዘበሉ ክእውጁን ናብ ትግራይ ረድኤት ብዘይዕንቅፋት ክኣቱን ጸዊዑ።
ንሱ ወሲኹ፡ በቲ ኣብ ትግራይ “እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት” ኣመሪካ ተሻቒላ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ "ብዝተፈላለዩ ወገናት ንዝፍጸሙ ዘለዉ ቅትለታት፣ ኣስገዳዳዊ ምምዝባላት፣ ጾታዊ መጥቃዕትታትን ካልኦት ዘስካሕክሑ ሰብኣዊ ግህሰታትን ኣትሪርና ንኹነን” ኢሉ።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።