ቅልውላው ትግራይ፡ ተራ ኤርትራ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ

ፖለቲካዊ ዕድላት ተቐያይሩስ፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ከም ዘይቅረብ ነቓጽ ፖለቲከኛ ዝረአ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ተዓዋቲ ኖቤል-ሰላም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ተመሓዝዩስ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ዝተገብረ ኵናት ንመንግስቲ ኣቢይ፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከበርከት ክኢሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እታ ብወተሃደርነት ዝተዓብለለትን ብሓደ ሰልፊ እትመሓደርን ኤርትራ፡ ብሓይልታት ህወሓት ተጠቒዖም ንኤርትራ ዘንሰሓቡ ኣብ ትግራይ ዓስኪሮም ዝነበሩ ሓይልታት ሰሜን እዝ ኢትዮጵያ፡ ከም ዝመገበት ዝኸደነትን ዘዕጠቐትን ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ በቲ ካብ ኤርትራ ዝተገብረሎም ሓገዝ፡ ገጾም መሊሶም ንሓይልታት እቲ ኣብ ሓደ እዋን ደባይ ተዋጋኢ ዝነበረን ዳርጋ 250 ሽሕ ተዋጋእቲ ከምዘለውዎ ዝግመትን ህወሓት፡ ብዕለት 28 ሕዳር ካብ ስልጣን ከምዝኣለዩዎ ተዛሪቡ።

“ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሕማቕ እዋን ኣብ ጐድንና ደው ብምባል ምሕዝነቶም ኣመስኪሮም’ዮም” ክብል ድማ ናእዳኡ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ንሱ እዩ፡ ኣቢይ ኣብቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ዉግእ “ሓገዝ ኤርትራ” ከም ዝረኸበ ዝተኣመነ።

እንተኾነ፡ ኣብይ ኣብ መግለጺኡ - እቲ ካብ 1993 ጀሚሩ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ - ነቶም ናይ ነዊሕ እዋን መቐናቕንቱ ህወሓት ንምጥቃዕ ወተሃደራቱ ብዛዕባ ምልኣኹ ግን ኣይተዛረበን።

ሆስፒታል ተደብዲቡ ከም ዝተባህለ

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ይዋግኡ ከም ዘለዉ ብህወሓት፡ ካብቲ ኲናት ብዘምለጡ በርጌስን፡ ኣብ ዉሽጥን ግዳምን ብዝነብሩ ኤርትራውያንን ሓበሬታ ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

“ኢሳይያስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ንክሞቱ ይልእኽ ኣሎ። እቲ ዉግእ ንቍጠባ ሃገር መሊሱ ከዳኽሞ’ዩ። ኢሳይያስ ግን ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዛ መግቢ ዕለቱ ክምእርር ም’በር ንናጽነቱ ክቃለስ ከም ዘይክእል ንምግባር ዝዓለመ’ዩ” ይብል ብመንግስቲ ተደፊኡ ዝወጽአ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ።

ሓደ ኣፈኛ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ትግራይ ወትሃደራት ኤርትራ ከም ዘሎዉ “ዝእመኑ ሓበሬታታት” ገሊጾም ክብል እቲ ኵነታት “ናብ ኣስጋኢ ደረጃ” ገጹ ይኸይድ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ክልቲአን ሃገራት - ኢትዮጵያን ኤርትራን - ነቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ይነጽግዎ እዩም።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ከኣ፡ “ፕሮፓጋንዳ’ዩ” ክብል ይገልጾ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብ 2018 ዝተገብረ ታሪኻዊ ስምምዕ፡ ንኤርትራ ክወሃብ ኣብ ዝተፈቕደ መሬት እንዘይኮይኑ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ከምዘይኣተው ኣብይ ኣረጋጊጹለይ እዩ ይብል።

እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ኣስታት ምኢቲ ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈን ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ንዝመጸ ሃዋህው ‘’ኣይሰላም ኣይኲናት’’ ክውዳእ ገይርዎ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ብምምጻእ ናይ ሰላም ኖበል ተሸሊሙ። እቲ ንኤርትራ ዝተዋህበ መሬት ግን፡ ክሳብ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ኤርትራ ኣይተሰጋገረን ነይሩ።

መንግስቲ ኣቢይ፡ ኣባላት ሚድያ፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኰኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምድረ ትግራይ ከም ድላዮም ንኸይንቀሳቐሱ ገቲኡዎ ኣሎ።

እዚ ከኣ ነቲ ካብ ትግራይ ዝወጽእ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኮነ ነቶም ብኽልቲኦም ሸነኻት ዝቐርቡ ክስታት ምጽራይ ከምዘይከኣል ገይሩዎ ኣሎ።

እንኮላይ ነቲ ብሸነኽ ኤርትራ ናብ ሆስፒታል ተተኲሱ ዝበሃል ደብዳብ ከቢድ ብረት።

ኤርትራ፡ ነቲ ብሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ደብዳብ ዝቐረበ ክሲ፡ ናይ ኣሉታ መግለጺ ወይ መልሲ ኣይሃበትሉን። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዪ ድማ ወተሃደራቱ ኣብ ትግራይ ሓደ ሲቪል’ኳ ከም ዘይቐተሉ’ዩ ዝዛረብ። “እዚ ዉግእ’ዚ ኣብ ፍጹም ጸልማት’ዩ ተኻዪዱ። ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ደረጃ ናይቲ ኩነታትን ሳዕቤኑን ዝፈልጥ ሰብ የለን” ይብል ራሺድ ኣብዲ፡ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ።

ወተሃደራት ኤርትራ ብዘመተ ከም ዝተኸሰሱ

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተንታኒ ኣፍሪቃ ኣለክስ ድቫል፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንዝርከቡ ምንጭታቱ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ዞባ “ኣዝዩ ዓቢ ዝመጠኑ ምፍንቓል ህዝቢ” ኣጋጢሙ’ሎ።

“እቲ ኵነታት ከምዚ ኢሉ እንተድኣ ቀጺሉ” ይብል ፕሮፈሶር ድቫል፡ “ኣብ ትግራይ ዓቢ ዓጸባ ጥራይ ዘይኰነስ ብሕርቃን ዝተላዕጠጠ ቂምን-በቀልን ከስዕብ’ዩ” ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ “ካብ እሙናት ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ትግራይ ከም ዝሰምዖ፡ እንኮላይ መራሕቲ ሃይማኖት ዝርከብዎም፡ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ምዝራፍ ንብረት ይርከቡ ምህላዎም” ገሊጹ። “ከምቲ ዝሰማዕናዮ መዓጹ ገዛ ጥራይ ዘይኰነስ ኣቑሑ ናይ ክፍሊ-መሕጸብ-ሰብነት ከይተረፈ ይሰርቁ ኣሎዉ” ኢሉ።

ገለ ኤርትራውያን ከም ዝበልዎ ወትሃደራት ኤርትራ፡ እንኮላይ መቕርብኦም፡ ኣንጻር ሓይልታት ህወሓት ኣብ ብርክት ዝበሉ ግንባራት ይዋግኡ ከም ዘሎዉ ይምስክሩ።

ገሊኦም ክዳን ወትሃደራት ኢትዮጵያ ተኸዲኖም ይዋግኡ ከም ዘሎዉ ድማ ይዛረቡ።

ኤርትራ ግን ወተሃደራታ ኣብ ትግራይ ከም ዘየለዉ’ያ እትዛረብ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ “ኢድና ኣየእተናን” ኢዩ ዝብል።

ይዅን’ምበር፡ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ዲፕሎማት ዓብደላ ኣደም ከምዝሓበሮ፡ ንሱ ዝፈልጦም ዝተወግኡ ወተሃደራት ኤርትራ ከም ዘሎዉ ይዛረብ።

ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ሰንዓፈ (ደቡብ ኤርትራ) ዝርከብ ሆስፒታል፡ ንውጉኣት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ገሊጹ።

“ኢሳያስ ንህወሓት ንምጥፋእ’ዩ ዕላምኡ

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ካልኦት ምንጭታት ከም ዝብሉዎ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ሓጋዝ ክተኣኻኸቡ፣ ዉጉኣቶም ድማ ኣብ ጥቕኡ ናብ ዝርከብ ጊላስ ዝበሃል ወተሃደራዊ ሆስፒታል ክወስዱ ተራእዮም።

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ፕሮፈሶር ጋይም ክብረኣብ ከም ዝብሎ፡ ኢሳያስ ናብ ትግራይ ወተሃደራቱ ከም ዝለኣኸ ከም ዝኣምን ገሊጹ። “ንህወሓት ምጥፋእ፡ ካብ እዋን 1998-2000 ዶባዊ ኲናት ዝጀመረ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ዕላማኡ እዩ ነይሩ” ኢሉ።

ህወሓት፡ ኣብ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ዀነ ኣብ ክልል ትግራይ ይገዝእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ውግእ ተኻዪዱ።

“ኣብቲ ዉግእ’ቲ - 1998-2000 - ህወሓት ንባድመ ብምቁጽጻር ንኢሳያስ ከም ዝሓስር ጌሩዎ’ዩ። ዋላ’ኳ ኣህጕራዊ ቤት-ፍርዲ ባድመ ንኤርትራ’ያ ትግባእ ኢሉ እንተፈረደ መራሕቲ ህወሓት ን 18 ዓመታት ነቲ ብይን ክነጽግዎ ጸኒሖም’ዮም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ነዛ ምችእቲ እዋን ብዓቕሊ ክጽበ ጸኒሑ። መራሕቲ ህወሓት ድማ፡ ነቲ ጕርሑን ዓቕሉን ኣስተናዒቖምዎ’’ ይብል ፕሮፈሰር ጋይም።

ካብ ሰላም ናብ ግጭት

ደገፍቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ተወሪሩ ዝጸንሐ ልኡላዊ መሬት ባድመን ከባቢኡን ኣብ ምምላስ እንተዘይኮይኑ፡ ናብ መሬት ትግራይ ከምዘይሰገሩ ብጽኑዕ ይዛረቡ።

ጳውሎስ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ኣሎዎ። ንሱ፡ “ባድመ ናብ ኢድ ኤርትራ ተመሊሳ፡ ግን ብዛዕብኡ ዝኾነ መግለጺ ኣይነበረን ምኽንያቱ ዕላማ ናይ ኢሳይያስ ንሱ ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ንህወሓት ኣብ ምጥፋእ ይሰርሕ ኣሎ’’

“ኣቢዪ ከም ደላይ-ሰላምን ከም ደላይ-ለውጢን እዩ ጀሚሩ። ጸኒሑ ግን ኣብ መፈንጠራ ሕነ-ምፍዳይ (ኣንጻር ህወሓት) ኣቲዩ። እዚ ከኣ ድልየት ኢሳያስ ዝነበረ’ዩ” ይብል ጳውሎስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከም ዝበሎ፡ ንሱ ነቶም ምስ ህወሓት ዝነበሩ ፍልልያት ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖም ከም ዝፈተነ፡ ግናኸ ኣንጻር ሰላማዊ ኣገባብ ዝወሰነሉ እዋን ህወሓት ብዕለት 3 ሕዳር፡ ለይቲ ምድሪ ብዘካየድዎ ዉግእ ንመዓስከርና ብምሓዞም’ዩ ይብል።

እቲ ዝወሰዱዎ ስጕምቲ መንግስቲ ንምግልባጥ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ ድማ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀልጢፉ’ኳ ንኣብይ ክሕግዝ እንተወፈረ፡ ሚድያ ኤርትራ ግን ሓንቲ ቃል ኣየውጽአን፣ እቲ ግጭት ምስ ተጀመረ ብህወሓት ዝተተኰሱ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝወደቑ ህዝቢ ዝሰምዖን ዝረኣዮን ተወንጨፍቲ ነይሮም፡ እቲ መንግስቲ ግን ሓንቲ ቃል ከየውጽአ ሱቕ ኢሉ።

“ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ሶርያ ዝተተኰሰ ቦምባ ከቃልሕ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝወደቐ ግን ኣይተዛረበን” ይብል ኣብ ስደት ዝርከብ ዳዊት ፍስሃየ።

የማነ ገብረመስቀል፡ ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ፡ ብትዊተር ኣቢሉ “ህወሓት ትልኽ እናበለ ንዝገበሮ፡ ዝፍለጥ ግናኸ ትርጕም ዘይብሉ ፈተነ ምቅላሕ ዋጋ የብሉን” ክብል ተዛሪቡ።

“ጭውያ ስደተኛታት

ኣብ ኤርትራ ዝርግሐ ኢንተርነት ድሩት’ዩ፣ እቲ ሃገር ናጻ ፕሬስን ተቓወምቲ ሰልፍታትን የብላን። ሓለፍቲ መንግስትን ሰልፍን ዝነበሩ 11 ሰባት፡ ከምኡ’ውን 17 ጋዜጠኛታት፡ ካብ ዝእሰሩ 20 ዓመታት ሓሊፉ’ሎ፣ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ብተወሳኺ፡ ውትህድርና ግደታዊ እዩ። ዕድላት ስራሕ ብዘይምህላው፡ መናእሰያት ካብ ሃገሮም ክሃድሙ ተገዲዶም። ኣብ ዉሽጢ ትግራይ - ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዓመታት ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ቍጽሮም ኣስታት 100,000 ይበጽሕ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝበሎ፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሞቱ፡ ዝተጨውዩ፡ ብሓይሊ ንኤርትራ ዝተመልሱ ብዙሓት ስደተኛታት ከም ዘሎዉ ኣዝዩ ብዙሕ ዝቝጽሩ ጭቡጥ ሓበሬታ በጺሑና” ይብል።

ዋላ’ኳ መን’ዩ ዝጨዊ ዘሎ ብርግጽ እንተዘይገለጸ፡ ሓደ ስደተኛ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ ኤርትራውያን ወተሃደራት ካብ ዓዲ ግራት ኣብ መካይኖም ጽዒኖም ንዓዲ ዃላ ከም ዝወሰድዎም ተዛሪቡ።

ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ሓበሬታ የለን። ቅድሚ ሕጂ ግን ንሕቡራት ሃገራት፡ “ኣንጻር ኤርትራ ዝግበር ጠቐነ ንኤርትራን ህዝባን ንምብራስ ዝዓለመ’ዩ” ክትብል ትገልጾ።

ኣቶ ዳዊት፡ “ኤርትራ ዝዀነ ዓይነት ለውጢ ከተኣታቱ’ያ ዝብል እምነት የብለይን” ይብል።

“ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ለውጢ የለን፣ ዋላ’ውን ሕጂ ህወሓት ካብ ስልጣን ኣብ ዝተኣልየሉ እዋን ኤርትራ ለውጢ ከተኣታቱ’ያ ኢልካ ምሕሳብ ከንቱ’ዩ” ኢሉ ዘረብኡ ይድምድም።