እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መራሕቲ ህወሓት ንምሓዝ ንዝተሓባበር 10 ሚልዮን ብር ከምዝህብ ገሊጹ
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ንምሓዝ ሓበሬታ ንዝህቡ ሰባት 10 ሚልዮን ብር ጉንዖ ከም ዘዳለወ ገሊጹ።
ሓላፊ መምርሒ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጀነራል ኣስራት ዴኔሮ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ገንዘብ "እቶም ዝድለዩ ሰባት ኣብ ዝሓጸረ ግዘ ንምሓዝ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንምሕጋዝ'ዩ" ኢሉ።
እቶም መራሕቲ ዘለውሉ ቦታ ዝፈልጡ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሓበሬታ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ነዚ ኣገልግሎት ዝውዕል ቑጽሪ ስልኪ'ውን ከም ዝተዳለወ ሓቢሩ።
ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብዝብል መንግስቲ ፌደራል ድሕሪ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ንመራሕቲ ህወሓት ካብ ስልጣኖም ከም ዝኣለዮም መንግስቲ ገሊጹ እዩ።
ኣብዚ ግዜ እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ናይ ማእሰርቲ ደብዳበ ወጺእዎም ይድለዩ ከምዘለው ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ ግን ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ጥራይ ብወግዒ ከም ዝተትሓዙ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ዝነበረት ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ክግለጽ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዝሓለፈ እዋን ሰራዊቱ ንከተማ መቐለ ከም ዝተቖጻጸረ ብምግላጽ እቲ ዝወስዶ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝተዛዘመ ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝርከብሉ ቦታ'ውን መንግስቲ ብድሮን (ሰብ ኣልቦ ነፋሪት) ይከታተሎ ከም ዘሎ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ይኹን'ምበር እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣበየናይ ቦታ ከም ዘለው ኣይፍለጥን። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኲናት ከምዘሎ'ውን ምንጭታት ይሕብሩ።
ምክንያት እቲ ግጭት እንታይ እዩ?
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።