ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተመዘዘ ከንቲባ መቐለ ብዛዕባ ኩነታት እታ ከተማ እንታይ ይብል?

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ሞንጎ ዝሸሞም ከንቲባ መቐለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ ኣብታ ከተማ ዝተፈላለዩ ትሕተ ቕርጺ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝጀመሩ ተዛሪቡ።

ኣገልግሎት ማይ፡ መብራህቲ ጥዕናን ነፈርትን ከም ዝጀመረ ዝገለጸ ኣቶ ኣታኽልቲ፡ ኣገልግሎት ባንኪ ዝምልከት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ክውድኡ ዝግብኦም ናይ ወረቐት ስራሕቲ ተዛዚሞም ኣግልግሎት ምሃብ ክጅምር እዩ ኢሉ።

ቅድም ክብል ባንክታት ብወረቐት ኣገልግሎት ዝህብሉ ኣሰራርሓ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ናብ ሲስተም ክሳብ ዝኣቱ እቲ ኣገልግሎት ዳግም ንምጅማር ከም ዝተዶናገየ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ብዘጋጠመ ወተሃደራዊ ጎንጺ ን40 መዓልታት ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ማይን ቴሌፎንን ከምኡ’ውን ባንኪን መጓዓዝያን ተቛሪጹ ጸኒሑ’ዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ርሒቖም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ካብ ሰኑይ 05 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም (14 ታሕሳስ 2020) ጀሚሩ ናብ ስርሖም ክምለሱ ብመሰረት ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባት ናብ ስርሖም ከም ዝተመለሱ ይግለጽ።

እንተኾነ ብዙሓት ዝዓነው ነገራት ስለ ዘለው፡ ናይ ጽገናን ምዝገባን ስራሕቲ ይሳለጡ ከም ዘለው ተዛሪቡ።

ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝግበር ጉዕዞ ነፋሪት ብኦንላይን ትኬት ምቑራጽ ከም ዘይክኣል ዝተሓተተ እቲ ከንቲባ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምስ ምቁራጹ ብዝተሓሓዝ ዝተፈጥረ ጸገም ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክቑረጽ ብምግባር ከምኡ’ውን ሰንበት ብዝዝርጋሕ ኣገልግሎት ንምሃብ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣቶ ኣታኽልቲ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ምስ ነበርቲ እታ ከተማ ይዝትዩ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ኣብ ክፍለ ከተማን ቀበሌን ኣብያተ ምኽሪ ይጣየሱ ኣለው’ዮም ኢሉ።

ብቐንዱ ጸጥታ ሕብረተሰብ ክሕሎ ኢና ንደሊ ዝበለ እቲ ከንቲባ፡ ክሳብ ሕጂ ፖሊስ ፌራልን ሰራዊት ምክልኻልን ምስቲ ምምሕዳር ኮይኖም ይሰርሑ ከም ዘለው ሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ ሓሓሊፊ ስርቂ ከምዝርኣይ ዝገለጸ ኣቶ ኣታኽልቲ፡ ተወሳኺ ሓይሊ ጸጥታ ዝምደበሉን ድጋፍ ህዝቢ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ሓበሬታ ዝወሃበሉ መስርሕ ይመቻቻእ ኣሎ ኢሉ።

በዚ መሰረት፡ “ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ብስነ ምግባሮም ምስጉናት ዝኾኑ ሰናይ ፍቓደኛታት ዝኾኑ መናእሰይ ተመልሚሎም መብርሂ ይወሃቦም” ምህላዉ ተዛሪቡ።

ክሳብ ሕጂ ኣብታ ከተማ መዓልታዊ ለውጢ ይርኣይ ምህላዉን ትካላት ንግድን መንግስትን ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ሰባት ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ መቐለ ወተሃደራት ‘ሕጊ ንምኽባር’ ብዝብል ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ሰባት ተቐቲሎም’ዮም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ኣታኽልቲ፡ ንሱ ነዚ ሓላፍነት ካብ ዝተዋህቦ ግዜ ንነጀው ካብ ዝምታን ዘይምርድዳእን ወጻእ ናይ ሞት ሓበሬታ ከም ዘይመጽኦ ገሊጹ።

ነበርቲ እታ ከተማ ቴሌፎንና ይጥለፍ’ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ተሓቲቱ’ውን ብዛዕባ እዚ ርኢይቶ የብለይን ኢሉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ምምሕዳር እቲ ክልል ንክፈርስ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስርሑ ከም ዝጀመረ’ዩ ዝግለጽ።

ትማሊ፡ ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን ውቕሮን ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት መብራህቲ ከም ዝጅምረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብናይ ፌስቡክ ገጽ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ኣኽሱምን ዓድዋን’ውን ኣገልግሎት ንምጅማር ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ።