እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ "ትግራይ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣጋጢሙዋ ዝፈልጥ ኣይመስለንን"
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ከም ዘብቀዐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ቢቢሲ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ ሰባት ከዛርብ ክኢሉ ኣሎ።
"እቲ ዘሎ ኹነታት መፍርሒ እዩ። ከቢድ እዩ። ትግራይ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣጋጢሙዋ ዝፈልጥ ኣይመስለንን" ክብል ኣብ ሻቕሎት ዘሎ ነባራይ ከተማ መቐለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቢቢሲ፡ ኣብ'ታ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝነብሩላ ከተማ መቐለ ንዘለዉ ሰባት ንምርካብ ክፍትን እዩ ቀንዩ።
ኣገልግሎት ስልኪ ተቛሪጹ ብምህላዉ፡ ሰባት ንምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ፡ መብራህቲ'ውን ስለ ዘየለ፡ እቶም ሳተላይት ኢንተርኔት ዝጥቀሙ ሰባት'ውን ሳሕቲ እዮም ዝርከቡ።
ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ ግን፡ ኣብ'ታ ከተማ ንዝርከቡ ክልተ ሰባት ረኺብና። ምእንተ ውሕስነቶም ስሞም ኣይንጠቕሶን።
እቲ ጎንጺ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ነበርቲ ከተማ መቐለ ብሕጽረት ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ክሳቐዩ እዮም ጺኒሐም።
ሓደ ካብቶም ዘዘራረብናዮም ነበርቲ፡ ኣብ'ታ ከተማ "መብራህቲ የለን፣ ማይ የለን፣ ስልኪ የለን፣ ኣገልግሎት ባንኪ የለን" ኢሉ።
"ኣብ'ታ ከተማ መንግስቲ የለን" ድማ ይብል።
ወሲኹ ድማ፡ ኣብ'ታ ከተማ ፖሊስን ኣኽበርቲ ጸጥታን ብዘይምህላዎም፡ ስርቅን ዘመተን ይረኣ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ኣብ ውሱን ክፋላት ናይ'ታ ከተማ ጥራይ ዓስኪሮም ከምዘለዉ ይዛረብ።
ብኻልእ ወገን፡ ጋዜጠኛታት መራኸብቲ ብዙሓን መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ጸብጻብ ዘሕለፉ ኾይኖም፡ እታ ከተማ ናብ ንቡር ምንቅስቓሳ ትምለስ ኣላ ክብሉ ጸብጺቦም።
እዚ ምስ'ቲ እቶም ነበርቲ ዝብልዎ ኣይቃዶን።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንከተማ መቐለ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት ዘብጸሖ ጉድኣት ብዝምልከት'ውን፡ መንግስቲ ዝብሎን እቶም ምንጭታት ዝብልዎን ነንበይኑ እዩ።
'ሰላማውያን ተቐቲሎም'
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሰኑይ ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ክዛረብ እንከሎ፡ ንከተማ መቐለ ንምቁጽጻር ኣብ ዝተገበረ ውግእ ኮነ፡ ኣብ ሓፈሻ እቲ ኲናት ዝሞተ ዋላ ሓደ ሰላማዊ ሰብ የለን ኢሉ።
እንተኾነ፡ ምንጭታት ቢቢሲ፡ በቲ ንከተማ መቐለ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ዝሞቱን ዝቖሰሉ ሰላማውያን ነበርቲ ምህላዎም ይዛረቡ።
በቲ ደብዳብ፡ ኣብ መቐለ ከባቢ ዓይደር፡ ዕዳጋ በጊዕ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ መንበሪ ገዛ ሓደ ስድራ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝዓነወን ኣባላት ስድራ ግዳያት ከምዝኾኑን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ብዛዕባ'ዚ ዝተሓተተ በዓል መዚ መንግስቲ ፌደራል፡ ዛዲግ ኣብርሃ "ብኣና ወገን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ጉድኣት ምሉእ ንምሉእ ኣወጊድና ኢና" ክብል ንዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብምድጋፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝፈነዎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ዝተጎድአ ሰላማዊ ሰብ የለን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ'ቲ ዝዓበየ ናይ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር፡ ሕጽረት ቀረባት ሕክምና ብምግጣሙ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ዝተኻየደ ውግእ ዝቖሰሉ ሰባት ምሕካም ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ቁጽሪ ምውታትን ቁሱላትን ኣይገለጸን። እቶም ግዳያት ሰላማውያን ድዮም ወተሃደራት ዝብል'ውን ኣየነጸረን።
ቢቢሲ፡ ካብ መቐለ ወጻኢ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝርከብ ሓደ ሰብ'ውን ከዛርብ ክኢሉ እዩ።
ኣብ'ቲ ከባቢ፡ ኣገልግሎት ቴሌፎን ብኽፋል ተመሊሱ'ሎ።
'ኣብ በረኻ ተሓቢእና ንውዕል'
እቲ ዘዘራረብናዮ ነባራይ ምዕራብ ትግራይ፡ ብፍርሒ ይነብሩ ምህላዎም እዩ ዝገልጽ።
ነቲ ኸባቢ ተቖጻጺሮምዎ ዘለዉ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ድማ ንተጋሩ ይቐትሉ፣ የጋፍዑ፣ የፈራርሑን የመዛብሉን ኣለዉ ይብል።
"ናብ ሱዳን ክሰግር ፈቲነ፡ ከልኪሎምና። ዳርጋ ኣብ ማእሰርቲ ዘለና እዩ። ሰባት ዝበልዕዎ ዘይብሎም፡ ፈቖዶ ሽንጥሮ ተሓቢእና ንውዕል ንሓድር" ኢሉ።
"ሕርሻና ገዲፍና፡ ጥሪትና በቲንና ኢና ወጺእና" ክብል ድማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣስተት 600 ሰባት ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ተቐቲሎም ዝብል ጸብጻብ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።
እቶም ዝተቐትሉ፡ ካብ ብሄር ኣምሓራ ከምዝኾኑን፡ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ መናእሰይ ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸምዎን እዩ ተገሊጹ።
ህወሓት ግን፡ ነዚ ክሲ ዝነጸጎ ኾይኑ፡ እቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።
'ውግኣት ይቕጽል ኣሎ'
እቶም ካብ መቐለ ዘዘራረብናዮም ሰባት፡ ብረቡዕን ሓሙስን ብርሑቕ ድምጺ ተኹሲ ከም ዝሰምዑ ይዛረቡ።
ክሳብ ሓሙስ ቀትሪ ድማ፡ ካብ መቐለ ብኽልተ ኣንፈት ድምጺ ተኹሲ ከም ዝሰምዑን ውግኣት ይቕጽል ምህላዉን ይገልጹ።
ውሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ፡ ገብረ ገብረጻድቃን'ውን፡ ብረቡዕ ኣብ ክልላዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ ከባብታት መቐለ ውግእ ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ "እቲ ኲናት ብቐሊሉ ዘብቅዕ ኣይኮነን" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ 'ኲናት ይቕጽል ኣሎ' ዝብል ሓበሬታ ነጺግዎ።
ሚኒስተር ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ፡ ዛዲግ ኣብርሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኲናት ዝበሃል ነገር የለን" ኢሉ።
"ህወሓት ኣብ'ዚ እዋን ኲናት ከካይደሉ ዝኽእል ወተሃደራዊ ቁመና የብሉን" ድማ ኢሉ።
'ኲናት ክቕጽል እዩ'
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ትግራይ ኲናት ይቕጽል ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
ክልቲአን ክልላዊ ቴሌቪዥናት፡ ድምጺ ወያነ ትግራይን ቴሌቪዥን ትግራይን፡ ሕጂ'ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኮይነን ፈነወታተን የካይዳ ኣለዋ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ብሓሙስ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "መሰል ርእሰ ውሳነና ከየረጋገጽና፡ ህልውናናን ክብርናን ከየረጋገጽና ደው እንብለሉ ምኽንያት ስለ ዘየለ፡ ኲናት ደው ኣይበለን፡ ኲናት'ውን ደው ኣይብልን' ኢሉ።
ዛዲግ ኣብርሃ ብወገኑ፡ እቲ ኲናት ኣብቂዑ "ዝተረፈና [ንመራሕቲ ህወሓት] እናተኸታተልካ ምሓዝ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ንመቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ "ወተደሃራዊ ወፍሪ" ከምዘብቀዐ ዝኣወጀ ኾይኑ፡ ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ንላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ይሃድን ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ንክልሎም ካብ "ወረርቲ" ይከላኸሉ ምህላዎም ብምግላጽ፡ ቃልሶም ከምዘሕይሉ ይገልጹ።
ብሰንኪ'ዚ ሓደ ወርሒ ገይሩ ዘሎ ጎንጺ፡ ልዕሊ 45,000 ሰባት መረበቶም ገዲፎም ናብ ሱዳን ክሰግሩ ተገዲዶም ኣለው።
ኣመዓብላ እቲ ጎንጺ
ደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ከሊእዎ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።