እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ 'ብሓገዝ ቻይና ዝተሃንጸ ፋብሪካ ሽኮር ብነፋሪት ደብዲባ'
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ብሓገዝ ቻይና ዝተሃንጸ ፋብሪካ ሽኮር 'ብነፋሪት ከምዝደብደበ'፡ ንመንግስቲ ቻይና ዝድግፍ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ቻይና፡ 630 ዜጋታታ ካብ ክልል ትግራይ ከምዘውጸአት ሓቢሩ።
እቲ ካብ ነፈርቲ ዝተፈነወ ቦምብታት፡ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ከምዝዓለበን፡ ነቲ ብሓገዝ ቻይና ዝተስርሐ ፋብሪካ ከምዘዕነዎን እቲ ዝወጽኣ ዜና ገሊጹ።
ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ'ውን እቲ ዜና ወሲኹ ጠቒሱ።
ብሕዳር 15፡ መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ብነፈርቲ ከምዝደብደበ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝተጀመር ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘብቐዐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ኩሉ እቲ ወፍሪ ኣብ ከተማታት ትግራይ ብሰራዊት ፈደራል ዋላ ሓደ ሰብ ከምዘይሞተን ጉድኣት ከምዘይወረደን ሓቢሩ ነይሩ።
ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ሲቪል ከምዝተኸላበቱን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ብሓገዝ ቻይና ዝህነጹ ፕሮጀክትታት ከምዘለውን፤ ብርክት ዝበሉ ቻይናውያን ኣብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ገለ ኢንዳስትርያል ፓርክታት ይሰርሑ ነይሮም።
ኢምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ፡ 'ንድሕነት ዜጋታተይ ስለዝሰጋእኹ' ክብል ካብ ትግራይ ኣውጺእዎም እዩ። ድሕነቱ ዝተሓለዎ ናብ ዝበሎ ካልእ ካባቢ'ታ ሃገር ከምዝወሰዶም'ውን ተገሊጹ።
ንዝሓለፉ 10 ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ንህንጸት መንገድታትን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ካብ ቻይና ልዑል ሓገዝን ልቓሕን ትርከብ ዝነበረት ሃገር እያ።
ገለ ካብቶም ብቢልዮናት ዝግመቱ ፕሮጀክትታት፡ ጽርግያታት፣ መገዲ ባቡርን ደረቕ ወደባትን ይርከብዎም።
እቲ ኣብ ትግራይ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዘቑጸረ ኲናት ካብ ዝጅመር፡ ኣብቲ ክልል ስልክን ካልኦት መሰረታዊ መራኸቢ መገድታትን ስለዝተዓጽዉ፡ ነቲ ዝወጽእ ዘሎ ዝርዝራት ኲናት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ትካላት ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ መሰላትን ረድኤትን፡ ኣብ ትግራይ ሰለማውያን ሰባትን ስደተኛታትን ብጥሜትን ሰኣን መድሓኒትን ንሓደጋ ሞት ከምዝተቓልዑ፡ መንግስቲ መራኸቢ መንደገድታት ብቕልጡፍ ክኸፍት ክሓቱ ጸኒሖም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ግን፡ ኣብታ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኲናት ዝካየደላ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ምስ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ክልል ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ ልዕሊ 45 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።
ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስተደኛታት'ውን ኣብ 4 መዓስከራት ብዘይመግብን ጸጥታዊ ውሕስነትን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ኣማዓባብላ እቲ ኲናት
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ፀኒሖም።
ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎንፂ ኣምሪሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ መረፃ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ መረፃ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን መረፃ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም መረፃ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ መረፃ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላፅ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነፂጎምዎ።