ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ወዲቖም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት እንታይ ይብሉ?

ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ፡ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ዝጅምር ንነጀው ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተዓጽዩ'ዩ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዛዕባ ዝፍጸሙ ዘለው ነገራት ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ትግራይን ቑጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት።

ኣብ ጽባሕ እቲ ጎንጺ ዘጓነፈሉ ለይቲ፡ ብፌዴራል መንግስቲ ኲናት ከምዝተኣወጀ ዝገለጸ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ'ቲ ክልል ካብ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን ገለ ምስኡ ተሰሊፎም ክዋግኡ ምውሳኖም ዝሕብር መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ድማ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ልዕሊ 10 ሺሕ ዝኾኑ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተትሓዙ ገሊጹ ነይሩ።

ብኻልእ ገጽ ድማ፡ መንግስቲ ፌዴራል ካብቶም ን22 መዓልታት ብህወሓት ተዓጊቶም ዝጸንሑ ኣባላት እቲ ሰራዊት፡ ኣስታት 7 ሽሕ ዝኾኑ ብወተሃደራ ስርሒት ከምዝተፈትሑ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ካብቶም ኣብ ትግራይ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዝብሃሉ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብሸነኽ ዋግኽምራን ሰሜን ጎንደርን ናብ ክልል ኣምሓራ ከም ዝኣተው ይግለጽ።

ቢቢሲ፡ ካብዞም ብዋግኽምራ ናብ ሰቖጣ ዝኣተው ን ገለ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ጻንሒቶም ኣመልኪቱ ኣዛሪቡ ኣሎ።

ሓለቓ ሓምሳ ኣብርሃም ባየ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዓዲ ሃገራይ እንዳሸተላይ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ኣባል ክፍለ ሰራዊት 31 ዓድዋ እዩ።

ንሱ፡ ለይቲ ሰዓት 6፡15 ናይ መጀመርታ ጥይት ክትትኮስ እንከላ'የ ካብ ድቃሰይ ተሲአ ይብል።

"ሽዑ ብፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ትግራይ ኣብ ልዕሌና ሓያል ተኹሲ ተኸፊቱና" ብምባል፡ እቲ መኽዝን ኣጽዋር ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ስለ ዝነበረ ንርእሶም ዝከላኸልሉ ተወሳኺ ኣጽዋር ከም ዘይረኸቡ ይዛረብ።

ኣብ ቀረብኦም ዝነበረ ካልእ ኣሃዱ ሰራዊት'ውን ብተመሳሳሊ ኲናት ተኸፊቱዎ ለይቱ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ንጉሆ ሰዓት 4፡00 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ከም ዝቐጸለ ይዛረብ።

እንተኾነ፡ ዓርሶም ንምክልኻል ዘኽእሎም ኣጽዋር ስለ ዝወድኡ "ኣማራጺ ኣይነበረናን፤ ኣብ ጎንና ብዙሓት ኣሕዋትና ምስ ሞቱ ንሕና ተታሒዝና" ኢሉ። እቲ ውግእ ብኸምዚ መልክዑ ከምዝተዛዘመ ይገልጽ።

ድሕሪኡ፡ ብ27 ጥቅምቲ 2013፡ ናብ 10 ሽሕ ዝጽግዑ ሰራዊት ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም፡ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ድማ ናብ ዓብዪ ዓዲ ከም ዝተወሰዱ ሓለቓ ሓምሳ ኣብርሃም ተዛሪቡ።

ምሩኻት ኮይኖም ኣብ ዝጸንሑሎም መዓልታት ብሚሊሻ ክሕለው ከም ዝጸንሑ ብምግላጽ "ዝኾነ ዓይነት ዝርርብ ኣይነበረን። ብፍላይ ኣብ ዓብዪ ዓዲ ከለና ኣብ ዝነበረ ኲናት ሚሳይላት ክትኮሱ ከለው ንርኢ ነይርና። ከበድቲ ኣጽዋር ናብቲ ቦታ ክጉዓዓዙ እናርኣና ኣብ ካልእ ክፋል ሃገርና እንታይ ይኸውን ኣሎ ዝብል ስለ ዘይንፈልጥን ንጭነቕ ነይርና" ኢሉ።

መንግስቲ ንከተማ መቐለ ከም ዝተቐጻጸረ ምስ ገለጸ፡ 20 ሕዳር ከም ዝፈነዎዎም ዝዛረብ እቲ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ናብ ጫፍ መመንጨዪ ጸዓት ተከዘ ኣብጺሖምዎም ከም ዝተመለሱ ሓቢሩ።

ካብቶም ዝተፈነው ትሕቲ ሓለቓ 50 መዓርግ ዘለዎም ወተሃደራት ምዃኖም ብምግላጽ፡ "ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራትን ልዕሊ 50 ሓለቓ መዓርግ ዘለዎምን ኣበይ ከም ዘለው ኣይንፈልጥን። ከቢድ መቑሰልቲ ዘጋጠሞም'ውን ነይሮም" ኢሉ።

ብዝሖም ልዕሊ 4 ሽሕ ከምዝኾኑ ዝገልጽ ሓለቓ ሓምሳ ኣብርሃም፡ ኣብ ሩባ ተከዘ ምስ በጽሑ ገንዘብ ከፊሉ ክሳገር ዝኸኣለ ናብ ሰቖጣ ግዒዙ፡ ዘይከኣለ ድማ ብእግሩ ብበየዳን ደባርቕን ኣቢሉ ናብ ጎንደር ከምዘምረሐ ይዛረብ።

ንሱ ዝርከቦም፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ተሳገሩ፡ ነባሪ እቲ ከባቢ ከም ዝሓብሐቦም ሓቢሩ፡ "ዝነበርናሉ ኩነታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ዝተብሃልናዮ ካብ ምግባር ወጻኢ ፡ ከቢድ ቆስሊ ሒዝና'ኳ ከንሕከመሉ እንኽእል ዕድል ኣይነበረን፡ እዚ ምርኣይ ከቢድ እዩ" ይብል።

ካልእ ኣባል ሰራዊት ሓለቓ ዓሰርተ ኢብራሂም ሓሰን፡ ካብ 2005 ዓ.ም ጀሚሩ ናብቲ ሰራዊት ከም ዝተጸንበረ ተዛሪቡ።

መጀመርታ ናብ ትግራይ ክመጽእ እንከሎ፡ ናብ ከተማ ኣክሱም'ዩ ተመዲቡ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ጸኒሑ።

ሰዓት 5፡30 ናይ ለይቲ ተኹሲ ከም ዝተኸፈተ ዝገልጽ ሓለቓ ዓሰርተ ኢብራሂም፡ "ድሕሪኡ 'ዕጥቅኹም ፍትሑ፤ ኢድኩም ሃቡ' ኢሎምና። ንሕና ከኣ 'ዕጥቅና መንግስቲ ፌደራል'ዩ ዘፍትሐና፡ ኢድና ኣይንህብን' ኢልናዮም ነይርና" ይብል።

ኣብ መወዳእታ፡ ብፍሉይ ሓይልታት ትግራይ ተኸቢቦም ከምዝተትሓዙ ዝገልጽ እቲ ኣባል፡ "ይኹን'ምበር ብጥቅምቲ 27 ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሲድና። ኣብኡ ሓደ ሰሙን ምስ ጸናሕና ናብ ዓብዪ ዓዲ ተወሲድና" ኢሉ።

ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ክቐርበልና ጀሚሩ ዝብል ኢብራሂም፡ "ናብ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ምጽንባር፣ ሲቪል ኮይንካ ኣብ ትግራይ ምጽናሕ ወይ ናብ ዝመጻእኹሉ ክኸይድ'የ ዝብል እንተሃልዩ'ውን ክኸይድ ይኽእል እዩ ኢሎምና። መብዛሕትና ምምላስ ዝብል መሪጽና" ብምባል ይዛረብ።

ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሕሉ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝነበረን ይጠምዩ ከምዝነበሩን ይገልጽ።

"ንጎሆ ሓንቲ ባኒ ትመጽአና፡ ንምሳሕ ድማ ሓንቲ ባኒ ትወሃበና ነይራ። ሓሓሊፉ ንጎሆ በሊዕና ምሳሕ ዘይንደግመሉ ኣጋጣሚ ነይሩ" ይብል።

ካልእ ሽሙ ዘይገለጸልና ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት 2ይ ብርጌድ ኣባል ዝነበረ እዩ።

"ከምዚ ዓይነት ስርሒት ከም ዝህሉ ጥርጣረ ነይሩና፤ ግን መዓስ ዝብል ኣይፈለጥናን" ዝብል እቲ ኣባል ሰራዊት ኣብቲ እዋን ንሓለዋ ዝኾኖም 3 ክላሽንኮቭ ጥራይ ሒዞም ከም ዝወጽኡ ገሊጹ።

"ተኹሲ ምስተጀመረ ኣጽዋር ከነውጽእ ናብቲ መኽዝን እንተኸድና'ውን ኣቐዲሞም ስለ ዝኸበቡዎ ከጸግዑና ኣይኽኣሉን" ኢሉ።

ኣብዚ ህሞት፡ "ናይ ባዕለይ ብረት ስለ ዝነበረኒ ስቕ ኣይብል ኢለ ክታኾስ ክወጽእ ከለኹ 30 ሜትሮ ምስተጉዓዝኹ ትወቒዐ ወዲቐ። ንዝተወሰነ ግዘ ነብሰይ ስሒተ ወዲቐ ስለ ዝነበርኹ ሞይቱ ኢሎም ገዲፎምኒ። ድሕሪ ብሓጹር ሸሊኸ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ሰራዊት ኣትየ" ይብል።

ኣብኡ ሰብ ከም ዘይረኸበ ብምግላጽ "ናብ ካልእ ክፍሊ ኸይደ ከም ዝተሃረምኩ ምስ ነገርኩዎም ነቲ ተሃሪሙ ዘሎ ቦታ ኣሲሮም ኮፍ ኣቢሎምኒ። ካልእ ሓይሊ ክከላኸለልና ፈቲኑ'ኳ እንተነበረ ጥይት ወዲኦም ግን ተማሪኾም። ንሕና'ውን ተታሒዝና" ኢሉ።

ምስተማረኹ ፍርቆም ናብ ውቕሮ፡ ካልኦት ድማ ናብ ኣጉላዕ ከም ዝተወሰዱ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ሆስፒታል ውቕሮ ንሰለስተ መዓልቲ ሕክምና ተገይሩሉ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ዓብዪ ዓዲ ከም ዝተወሰደ ይዛረብ።

ከም መራሒ መኪና፣ ቴክኒሻን፣ መሃንዲስን በዓል ሞያ ሓበሬታን ዝበሉ ኣባላት ተፈልዮም ከም ዝተረፉ ብምግላጽ፡ ድሕሪኡ እቶም ሰለስተ ኣማራጺታት ከም ዝቐረበሎም ሓቢሩ። ዝበዝሐ ናብ ዓድኻ ምምላስ ዝብል ከምዝመረጹ ይዛረብ።

እቲ ዝመልእዎ ቅጺ፡ ብሄር ዝሓትት ክፍሊ ከምዝነበሮ ዝዛረብ እዚ ኣባል፡ ሰለስተ መሓዝቱ ግን ምስተማረኹን ከምዝተቐትሉን ይዝክር።

----

እቶም ተማሪኾም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ብኽልተ ኣንፈት ናብ ክልል ኣምሓራ ዝኣተው ኮይኖም፡ ክሳብ ሕጂ ቑጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጠ ኣባላት ሰራዊት ብዋግኽምራን ሰሜን ጎንደርን ብሰላም ኣትዮም ኣለው።

ካብዚኦም ትማሊ ብዋግኽምራ ልዕሊ 1240 ኣባላት ሰራዊት ሰሜን እዝ ከም ዝኣተው ሓላፊ መምርሒ ኮምዩኒኬሽን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግኽምራ ኣቶ ጳውሎስ በላይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ድሕረ ባይታ እቲ ኲናት

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝነበረ ወጥሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ግዜ ሰሌዳ ወጺኡሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስተናውሐ ከም ዝዓረገ ይዝከር።

በዚ ምኽንያት፡ መንግስቲ ትግራይ ንውሳነ ፌደራላዊ መንግስቲ ንጎኒ ገዲፉ ክልላዊ መረጻ እኳ እንተኣካየደ፡ መንግስቲ ፌደራል ግን ቕቡል ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ብኽልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ተነጺጉ እዩ።

ሰብ መዚ ትግራይ ብወገኖም፡ መንግስቲ ፌደራል ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 መረጻ ብምንውሑ "ካብ ሕገ መንግስቲ ወጻኢ ስልጣኑ ኣናዊሑ'ዩ" ብምባል "ዘይሕጋዊ" መንግስቲ ብምባል ይነጽጉዎ።

ድሕሪ'ዚ፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ ዓመታዊ በጀት እቲ ክልል ክቋረጽ ተገይሩ'ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ከተማ መቐለ ብቐዳም ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ወተሃደራት ፌደራል ስለ ዝኣተወ፡ እቲ 'ሕጊ ንምኽባር' ዝውሰድ ዝነበረ ወፍሪ ተወዲኡ ኣሎ ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። መራሕቲ ትግራይ ግን፡ እቲ ኲናት ቀጺሉ ይካየድ ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ።

ብምኽንያት እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ግን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም እዮም።

ብኣማኢቲ ኣሸሓት ድማ፡ ካብ ቤት መረብቶም ተመዛቢሎም ከምዝርከቡ መረዳእታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መልክት።