ቅልውላው ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብርክት ንዝበላ ከተማታት ትግራይ ተቖጻጺረ ይብል

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብርክት ንዝበላ ከተማታት ትግራይ ተቖጻጺረ ክበል ተዛሪቡ። እቲ ሰራዊት ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ኣንጻር ሓልታት ትግራይ ክዋጋእ ጸኒሑ'ሎ።

ለተናል ጀነራል ሓሰን ኢብራሂም ኢብራም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብ ከተማ መቐለ ንሰሜን እትርከብ ከተማ ውቑሮን ካልኦት ከተማታትን ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እዚ ዜና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ናይ ሳምንቲ ኲናት፡ ንሰራዊቱ፡ ናይ መወዳእታን ወሳንን ምዕራፍ ናይ'ቲ ወፍሪ ክግበር ድሕሪ ምምዛዙ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንከተማ ንመቐለ ኣብ ምቁጽጻር ዝገብርዎ ስርሒት ሰላማውያን ሰባት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝገብሩ ኣፍሊጡ።

ኣብ'ዚ "ወፍሪ" ቀንዲ ቆላሕታ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ምቁጽጻር እዩ። "ከተማ መቐለ ሓያል ሃስያ ከይወርዳ ክንዲ ዝከኣለና ክንጽዕር ኢና" ድማ ኢሉ። መቐለ ኣስታት 500,000 ሰባት ዝነብሩላ ከተማ እያ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዓስኪሮም ዝርከቡ ህወሓት ግን ክሳብ መወዳእታ ከምዝዋግኡ እዮም ዝዛረቡ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ እንተኣጥቂዖማ ገበናት ኲናት ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።

ሓላፊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ''ኣብ ከቢድ ሓደጋ'' ከምዘለው ኣፍሊጣ።

"ኣብ ከተማ መቐለ ሰላማውያን ሰባት ተዓጊቶም ብምህላዎም በዚ ሓደገኛ ኩነታት ሰንቢድና ኣለና'' ድሕሪ ምባል ''ተኽእሎታት ምግሃስ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት'' ክህሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ብሰንቲ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጽሩ ሞይቶም ከምዝኸእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣብ ትግራይ፡ መስመር ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላው፡ ነቲ ዝወጽእ ዘሎ ዝርዝራት ኲናት ንምርግጋጽ ሓበሬታ ክረከብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

ንመንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ናብ ሰላማዊ ልዝብ ከቕርቡ፡ ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ዝተሓጸዩ ሰለስተ ልኡኻት ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ተራኺቦም። እንተኾነ፡ ነቲ ኲናት ብዘተ ንምውድኡ ዝተዋሃበ ሓበሬታ የለን።

ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝተመደቡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ናብ ሱዳን ክኸዱ ንዝደለዩ ስደተኛታት ይኽልክልዎምን ጸቕጢ ይገብሩሎም ከም ዘለው ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ስደተኛታት ሓቢሮም።

ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ'ውን ብርክት ዝበሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝረኣየን፡ ቁጽሪ እቶም ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ስደተኛታት ብመጠኑ ከምዝጎደለን ኣፍሊጡ።

ዛጊት ልዕሊ 40,000 ሰባት ካብቲ ኲናት ሃዶሞም ናብ ሱዳን ኣቲዮም ኣለው።

ግብረ መልሲ ህወሓት

መራሒ ህወሓት ዶ/ር ደብረጸን ገብረሚካኤል፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ''ንመሰል ርእሰ-ምምሕዳር እናተኻለኹ ክሞቱ ድልዋት'' ከምዘለው ኣፍሊጡ'ሎ።

ህወሓት፡ ፍሉይ ሓይልታትን ምልሻን ዝርከቡዎም ኣስታት 250,000 ተወጋኢ ሰራዊት ከምዘለዎ ይግለጽ። ህወሓት፡ ከተማ መቐለ ሰራዊት መንግስቲ ፈደራል እንተሒዙዋ ናብ ደባይ ተዋጋኢ ተቐይሩ ንሓይልታት መንግስቲ ብቐጻሊ ከጥቅዕ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖሎቲካ እቲ ዞባ ይገልጹ።

ሮይተር ንዲፖሎማስያዊ ምንጭታት ብምርቋሕ ''ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ወተሃደራት ኣኪቡ'' ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ምንጪ፡ ''እቶም ሰራዊት ድፍዓት ይኹዕቱ ከምዘለውን ኩሎም ጠበንጃ ከምዘለዎምን'' ገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ረድአት ብወገኖም እዚ ዘሎ ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክፈጥር ከምዝኽእል ይገልጹ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ ምርጫ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።