ኩሎም ሓይልታት 'ድሕነት ነበርቲ መቐለ ክሕልው ኣለዎም'- ሁይማንራይትስ ዎች

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ንመራሕቲ ህወሓት ናይ መወዳእታ ዝበሎ ናይ 72 ሰዓታት ኢዶም ንክህቡ ዘቕረቦ ናይ ግዜ ገደብ ሎሚ መዓልቲ ምብቅዑ ስዒቡ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝኽእል ኲናት ንሰላማዊ ሰባት ግዳይ ከይገብር ሁይማን ራይረተስ ዎች ስግኣቱ ገሊጹ።

እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ንድሕነት ሲቪል ዜጋታት ቀዳምነት ክህቡ ጸዊዑ።

ኣብ ሁይማን ራይትስ ዎች፡ ዳይሬከተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነት፡ ላቲሻ ባደር "ኣብ ትግራይ ምስቲ እናተባለሐ ዝመጽእ ዘሎ ንሕንሕ ኲናት፡ እቶም ኣብቲ ጎንጺ ዘለዉ ኣካላት ድማ ነቶም ድርኡ'ውን ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢን ኩሉ መገዲ መራኸብን ተዓጽዩዎም ዝሳቐ ዘለዉ ህዝብታት ድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ውሑድ እዩ ዝመስል" ክትብል ስግኣታ ገሊጻ።

እቲ ዓለማዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ቅድም ክብል ነቲ ብወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መጠንቀቕታ፡ 'እኹል ኣይኮነን' ብምባል ድሕነት ሰላማዊ ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ሕዚ ድማ፡ እታ ዳይሬክተር ፡ መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ከተገማታት ወተሃደራዊ ስጉምቲ እንትወስድ፤ መጠንቀቕታ ካብ ምሃብ ብዝዘለለ ናታቶም ድሕነት ውሑስ ክኸውን ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ክትብል ኣፍሊጣ።

"እዞም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ናብ ዝኸድዎ ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም" ድማ ኢላ።

ንሳ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝርከበሎም ከባብታት፡ ወተሃደራዊ ዕርድታት ምግባር ከምዘተሓሳሰባ'ውን ሓቢራ። ድሕነት እቲ ኣብ ቁጽጽሮም ዘሎ ህዝቢ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎም'ውን ጠቒሳ።

ናይቲ ሓደ ወገን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ፡ እቲ ካልእ ወገን ተመሳሳሊ ጥሕሰት ክፍጽም ምኽንያት ከምዘይኸውን፡ ድንጋገ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥቃስ ኣዘኻኺራ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ምሩጽ-ፕረዚደንት ጆ ባይደን ፡ ጄክ ሱሊቫን፡ ብወገኑ ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከጋጥም ዝኽእል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ከምዘተሓሳስቦ ብትዊተሩ ገሊጹ ኣሎ።

"ምናልባሽ'ውን ገበናት ኲናት ዘካትት ከይኸውን እሰግእ" ድማ ኢሉ። ሲቪልያን ድሕነቶም ውሕስ ክኸውንን፣ ዝተዓጸዉ መገዲ መራኸቢቲታት ብቕልጡፍ ክኽፈቱን ድማ ጸዊዑ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት ዘተ፡ ከይደንጎዩ ክቕበሉ ድማ ሓቲቱ ኣሎ።

ካልኦትከ እንታይ ኢሎም?

ኣብ ትግራይ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎን ሳልሳይ ሰሙኑ ዘቑጸረን ኲናት፡ ናብ ከተማ መቐለ እናተጸገዐ ብዝኸደ ቁጽሪ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ስግኣቶም እናገለጹ ይርከቡ።

ዛጊድ ብኣማኢቲ ምናልባሽ'ውን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ በቲ ኲናት ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።

ኣብቲ ክልል ስልክን ኢንተርኔትን ሓዊሱ፡ ኩሉ መራኸቢ ካብ ዝዕጸ ሳልሳይ ሰሙኑ ዘቑጸረ እንትኸውን፡ ኣብቲ ከባቢ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ብዕሊ ኣይፍለጥን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦትን፡ እቲ ኲናት ጠጠው ኢሉ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

ብፍላይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ትማሊ ብዕጽው ዝዘተየሉ ኾይኑ፡ ዘመሓላለፎ ዛጊድ ኣይተፈለጠን።

ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ዝበጽሖ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ግን፡ ነዚ ብምቅዋም ብዝመስል፡ 'ኢድ ኣእታውነት ኣይንቕበልን' ክብሎ ኮኒኑዎ ኣሎ።

ኣመዓባብላ እቲ ኲናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።