እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ነፈርቲ ኲናት ኣብ መቐለ ደብዲበን
ሎም ረፋድ ቅድሚ ቐትሪ ነፋሪት ኩናት ንከተማ መቐለ ከምዝደብደበት ሪፖርተር ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።
እቲ ቦምባ ኣብ ጥቓ ነባር ስታድዮም ባሎኒ ኢዩ ወዲቑ። ዛጊድ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ናይ ሓደ ሰብ መቑሰልቲ ከምዘጋጠመ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ባንክ ብምጅማሩን መዓልቲ ዕዳጋ ሰኑይ ብምዃኑን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብቲ ኸተማ ዋኒኑ ንምስላጥ ይንቀሳቐስ ምህላው ሪፖርተርና ሓቢሩ።
ኣብ ደቡባዊ ቦታታት ትግራይ ኣብ ግንባር ራያ ኣላማጣ ትርር ዝበለ ኩናት ይካየድ ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ። ብዛዕባ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ዕንወት ግን ዛጊድ ዝተነግረ የለን።
ናብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውገሐ ለይቲ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ፡ ናብ ቀዳም ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ከኣ ኣብ ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ይዝከር።
ወሃቢ ቃል ማእከላይ ካማንድ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ፡ ጌታቸው ረዳ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተሰሊፎም ይወግእዎም ምህላዎም ብምግላጽ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተመረጹ ከባቢታት መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ቅድሚኡ እውን ኣብ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ እንተቐጺሉ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ተኸታተሊ ደብዳብ ከምእተኻየደን፡ ኣራጉራ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ 28 ኪሎሜተር ካብ መቐለ ሓንቲ ነፋሪት ተወቒዓ ከምዝወደቐት መንግስታዊ ሚድያታት ክልል ትግራይ ሓቢረን ነይረን።
መንግስቲ ፈደራል ግን ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ነጺጉዎ። ብሳልሳይ ወገን እውን ኣይተረጋገጸን።
እቲ ግጭት ካብ ዝኽሰት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተኻየደን ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጎድኡን መራሕቲ እቲ ክልል ገሊጾም ነይሮም።
ዶክተር ኣቢይ፡ ከበድቲ ኣጽዋራት ውግእ ንምዕናው ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካይድን ሲቪል ከይልከሙ ኣብ ከተማታት ተኣኪቦም ከይንቀሳቐሱን ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣመዓባብላ እዚ ኲናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።