ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኲናት ደው ንኽብል ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናት ደው ንኽብል ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ ኣብ መቐለ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ኵናት ንማንም ስለዘየርብሕ፡ ብዝቐልጠፈ ደው ክብል ብጭርሖታቶምን ድምጾምን ተማሕጺኖም።

ማሕበረሰብ ዓለም ከኣ ነዚ ኵናት እዚ ንምዕራፍ ተርኡ ክጻወት ጸዊዐም።

ኣብ ገለ ከባብታት ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊጾም።

መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን ትማሊ ናብ ከተማ ኣስመራ ናይ ሚሳይል ደብዳበ ከምዝፈጸመ ተፈሊጡ።

ጉዳይ ስደተኛታት

እቶም ስደተኛታት ጉዳዮም ኣቓልቦ ክወሃቦ እውን ሓቲቶም።

ኣብ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ማይ ዓይኒ፡ ሕጻጽን ሽመልባን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይን ኣስታት ብዓስርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ከምዘለው ዩኤንኤችሲኣር ይሕብር።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ኵናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ እቶም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ጸገምን ስግኣትን ከምዘለው ይፍለጥ።

ብፍላይ እቲ ብምዕራብ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝቐነየ ኩናት ናብቲ መዓስከራት ቀረባ ብምዃኑ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሎም ነበርቲ እቲ መዓስከራት ስክፍተኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።