ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ድሌት ምሕዝነትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ንኢዱ

መንግስቲ ትግራይ፡ ድሌት ምሕዝነት ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ንኢዱ። ኣብ ሓፂር እዋን ቀጥታዊ ርክብ ክጅመር ድማ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ብዘላቒ መንገዲ ንምፍታሕ ዘርአይዎ ዘለዉ ድሉውነትን ተበግሶን መንግስቲ ብሄራዊ ክልል ትግራይ ንኢዱ።

ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስትን እቲ ክልል ሎም መዓልቲ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ብሕልፊ ህዝቢ ኤርትራ ምሕዝነትን ሕውነትን ክልቲኦም ሃገራት ንምጥንኻር ዘርኣዮ ድልየት፣ ባህጊን ፍቕሪን "ኣዝዩ ዘሐጉስን ኣብ ቅድሜና ብሩህ ተስፋ ምህላዉ ዝገልፅን" እዩ ይብል።

"ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕውነታዊ ናእዳን ምስጋናን ክገልፅ ይደሊ" ይብል እቲ መግለፂ፡፡

ኩነታት ኢትዮ-ኤርትራ ብዘላቒነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ፃዕሪ መንግስትን ህዝቢን ክልል ትግራይ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘሎ ኣረጋጊፁ።

ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ነቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕቲ ሰላም ዝያዳ ንምጥንኻር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ቀጥታዊ ዝኾነ ርክብ ብምጅማር ሕውነቶምን ምሕዝነቶምን ንኸጠናኽሩ ድማ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።