እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጠፋፍኡ ስድራ ዘራኽብ ትካል ገባሪ-ሰናይ
ዳንኤል ናይዝጊ ይበሃል፤ ኣብ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ንኡስ ልኡኽ መቐለ ን12 ዓመታት ኣገልጊሉ። ብምኽንያት ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተጠፋፍኡ ስድራ ኣብ ምርኻብ ምስ ዝነጥፍ ክፍሊ ድማ ይሰርሕ ነይሩ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ቀይሕ መስቀል ዝወጽአ ዳንኤል፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንዝተጠፋፍኡ ሰባት ዘተኣላልሽን ደገፍ ዝህብን ግብረ-ሰናይ ትካል ብምጥያሽ 'ንተመሳሳሊ ዕላማን ስራሕን' ከምዝተበገሰ ይዛረብ።
"ብስንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት፡ ብዙሓት ሰባት ደሃይ ስድርኦምን ወገናቶምን ስኢኖም'ዮም። [ኣብ ቀይሕ መስቀል ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን] እቶም ዝፈልጦም ሰባት ነቲ ስራሕ ብውልቀይ ክቕጽለሉ ስለዝጎስጎሱኒ ድልየት'ውን ስለዝነበረኒ ናብዚ ስራሕ ኣትየ" ኢሉ።
እቶም ደሃይ ስድርኦም ንምርካብ ዝተጸገሙ ሰባት ብዝፈጠሩሉ ምልልዕዓል ነቲ ግብረ-ሰናይ ትካል ከጣይሽ ዝወሰነ ዳንኤል፡ ንኻልኦት መሓዙቱ ብምትሕብባር እዩ ናብ ስራሕ ኣትዩ ዘሎ።
"ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ደሃዮም ናይ ዝተሰኣነ ሰባት ዝርዝር ብምትእኽኻብ፡ ናብ ኣለሻን ምርኻብን ክንኣተው ዘድልይ ቅድመ ምድላው ነጽፍፍ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።
"ክፍሊት ኣይክንሓቶምን"
ዳንኤል ከምዝበሎ፡ ካብቶም ብሰንኪ ኲናት ክልትኤን ሃገራት ምስ ስድርኦምን ወገናቶምን ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ብስነልቦናን ቁጠባውን ዓቕሚ ዝተሃሰዩ ይርከብዎም።
"ኣይኮነን'ዶ ንኣገልግሎት ክፍሊት ክንሓቶም፡ ኢኮኖሚያዊን ስነልቦናውን ደገፍ ዝረኽቡሉ ዕድል ንምፍጣር ትካልና ክሰርሕ'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።
ምስ ዩኒቨርሲቲታትን ካልኦት ኣካላትን ብምዝርራብ እቲ ዘድልይ ደገፍ ንምርካብ ክሰርሑ ከምዝጀመሩ'ውን ሓቢሩ።
ደሃይ ስድርኦምን መቕርቦምን ዝሰኣኑ ሰባት ነቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ብዝተፈላለዩ መገዲታት ሓበሬታ ክህቡ ከምዝኽእሉ ዳንኤል ይዛረብ።
"እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ብኣካል ናብ ቤት ጽሕፈትና ቀሪቦም ሓበሬታ ክህቡና'ዩ። ኣብ ደገ [ወጻኢ] ዘለዉ ይኹኑ ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ናብ ቤት ጽሕፈትና ክመጽኡ ዘይከኣሉ ፌስቡክ ገጽ ኣለና፤ ዌብሳይት'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ክኽፈት'ዩ" ኢሉ።
እዚ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ማእኸሉ መቐለ ብምግባር ክሰርሕ'ኳ እንተጀመረ፡ ኣብ ቀጻሊ ግን ዝሓሸ ኩነታት እንተተፈጢሩ ናብ ኤርትራ ብምንቅስቓስ ክሰርሕ ትልሚ ኣለዎ።
ኢትዮ ናይ ዝተጠፋፍኡ ሰባት መተኣላለሽን ደገፍ ወሃብን ግብረ ሰናይ ትካል፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ደሃይ ንዝሰኣኑ ስድራ ጥራይ'ዩ ኣገልግሎት ክህብ።
ኣብ መጻኢ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተጠፋፍኡ ሰባት ኣብ ምርኻብ ከምዝሰርሕ መስራቲ ናይቲ ትካል ኣይተ ዳንኤል ናይዝጊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።