ትግራይ፡ ኣብ መቐለ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ማሕበረሰብ ከምዝዘለቐ ተገሊጹ

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ከተማ መቐለ ናብ ማሕበረሰብ ከምዝዘለቐ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ቢሮ ከም ዝገለጾ ትማሊ ጥራይ ኣብቲ ክልል 31 ሰባት ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ኮይኑ እቶም 18 ነበርቲ ከተማ መቐለ እዮም።

ካብዚም እቶም 3 ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር፣ 5 ኣብ ለይታዊ ትልሂት ['እንዳጭፈራ']፣ 3 ኣብ ሆቴላት፣ 6 ድማ ነበርቲ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ምዃኖም እቲ ቢሮ ኣመልኪቱ።

እቲ ለበዳ ብፍላይ ኣብ ክፍላተ ከተማ ሓወልቲ፣ ሓድነትን ቀዳማይ ወያነን ከምዝተረኣየ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ዛጊድ 13,363 ሰባት ምርመራ ኮቪድ-19 ዝተገበረሎም ኮይኑ ካብዚኦም 331 እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

ኮይኑ ግና እቶም 235 ሰባት ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር 1 ሰብ ኣብ ሑመራ ከምዝሞተ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።