ቅልውላው ትግራይ፡ መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ቃልሱ ከሕይል ምዃኑ ገሊጹ

መራሒ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኢዶም ንክህቡ ዳግማይ 72 ሰዓታት ተዋሂቡዎም ኣሎ ንዝብል መጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብምንጻግ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ መንግስቲ ትግራይ ቃልሱ ከም ዘሐይል ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ መቐለ ብሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ተኸቢባ እያ ንዝብል መግለጺ መንግስቲ ፌደራል ነጺጉዎ።

ኣብቲ ሰለስተ ሰሙን ኣቑጺሩ ዘሎ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ዘካይዱዎ ዘለው ኲናት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

እንተኾነ፡ ብዝሒ ኣብ'ዚ ኲናት ዝሞቱ ሰባት ብንጹር ስለዘይተፈልጠ እምበር ዝያዳ እቲ ዝግለጽ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ክሳብ ሕጂ ድማ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ጎንጺ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ ይኽእል'ዩ ብምባል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ብሰንበት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ሕጂ'ውን ኢድኩም ንክትህቡ ግዜ ገደብ 72 ሰዓታት ተዋሂቡኩም ኣሎ ምባሉ ይፍለጥ።

ሰራዊት ምክልኻል ብወገኑ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ "ተኸቢባ" ከም ዘላ ብምግላጽ ህዝቢ ነብሱ ከድሕን፡ እንተዘየሎ ግን "ምሕረት ኣይህልውን" ክብሉ ኣጠንቂቐም ነይሮም።

እንተኾነ ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር "መን ምዃንና ኣይፈልጥን። ንሕና ሰብ መትከል ኢና፡ መሰል ርእሰ ምሕደራ ክልልና ንምውሓስ ክንመውት ድልዋት ኢና" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት፡ ብ1 991 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ንስርዓት ደርግ ክምሓው ዝኽኣለ ጥንኩር ሓይሊ ከምዝነበሮ ይፍለጥ።

ከም ጸብጻብ ሮይተርስ ድማ፡ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ነቲ መቐለ ኣብ ክባ ኣእቲናያ ዝብል ዘረባ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ምስተስዓሩ ሰራዊቶም ዳግም ክሳብ ዝተኣኻኸብ ዝፈጠሩዎ እዩ ክብል ነጺግዎ።

እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

መንግስቲ ፌደራል፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣክሱም ንዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዕኒዮምዎ ክብል ይኸሶም።

መራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ጉድኣት ከም ዘብጽሑሉ ዘርኢ ስእሊ ዝዘርገሓ ኮይነን፡ ንቁጠባ ናይ'ታ ክልል ክሃስዮ እዩ ክብላ ተሰሚዐን።

ህወሓት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን። እንተኾነ፡ ዶክተር ደብረጽዮን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ንግስጋሰ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣጽዋራቱን ከምዝዓገቱ'ዩ ገሊጹ።

"ሽሾ ወተሃደር እዮም ዝሰድዱ ዘለው። ግን ድማ ኣይሰመረሎምን" ኢሉ።

ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ

ምስ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ጥቡቕ ምሕዝነት ዘለዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ በቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ከም ዝተሻቐለት ብምግላጽ፡ ነዚ ንምፍታሕ ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ጻዕሪ ከም ዝጀመረት ገሊጻ።

ብዓርቢ ድማ ፕሬዝደንት ስሪል ራማፎሳ ከም ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ጎንጺ ደው ንክብልን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ልዝብ ንክህሉን መገዲ ዝኸፍቱን ሰለስተ ልኡኻት ሸይሙ። እቶም ልኡኻት፡ መራሕቲ ሃገራት ነበር እዮም።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝወስዶ ዘሎ ስርሒት "ምኽባር ሕጊ" ውሽጣዊ ወይ ሃገራዊ ጉዳይ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ ዝኾነ ልዝብ ከም ዘይቅበል ኣፍሊጡ'ሎ።

"ምስ ገበነኛታት ኣይንላዘብን። ናብ ጠረጴዛ ዘይኮነ ናብ ፍትሒ ኢና እነምጽኦም" ክብል ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ማሞ ምህረቱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣፍሪቃውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ህወሓት ኢዱ ንክህብ ጸቕጢ ብምግባር ዓብዪ ግደ ክትጻወቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ግልጺ ንምግባር ዝኣክል፡ ዋላ ሓደ ሰብ ናብ መቐለ ወይ'ውን ትግራይ ኣይኸይድን" ኢሉ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።

ሓሙሽተ ነገራት ብዛዕባ ትግራይ:

  • ኣክሱማዊ ንግስነት ማእከል እቲ ዞባ እዩ ነይሩ፡ ሓደ ካብ ጥንታውያን ምዕባለታት እዛ ዓለም ዝቁጸር ኣክሱማዊ ንግስነት፡ ካብ ንግስነት ሮማን ፐርሽያን ዝሓየለ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።
  • ኣብ ኣከሱም ዘለዉ ሓወልትታት ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ኣትዮም'ዮም። እቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 13 ክፍለ ዘመን ከምዝተሃንጹ ዝንገረሎም ሓወልትታት ቅርስታትን ሓድግታትን ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ኣትዮም።
  • ዝበዝሐ ህዝቢ ትግራይ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትያ እዮም። እቲ ክልል ካብ ቅድሚ 1600 ዓመታት ኣትሒዙ ንእምነት ኦርቶክስ ክርስትያን ክኽተሎ ከምዝጀመረ መዛግብቲ ይሕብሩ።
  • ቀንዲ ቋንቋ እቲ ክልል ትግርኛ እዩ፡ ብደረጃ ዓለም (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ብውሑዱ ሸውዓት ሚልዮን ተዛረብቲ ትግርኛ ከምዘለዉ ይግመት።
  • ኣብቲ ክልል ስምስም ብብዝሒ እዩ ዝፈሪ፡ ኣብዚ ክልል ዝፈሪ ስምስም ናብ ኣመሪካን ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ብሰደድ ይልኣኽ እዩ።