ቅልውላው ኢትዮጵያ ትግራይ፡ ህዝቢ መቐለ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከይልከም ተሓቲቱ

ኣብ መቐለ ብታንክታትን ከቢድ ኣጽዋርን ዝተሰነየ ከቢድ ኵናት ክካየድ ከምዝኽእል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንፊቱ።

ኣተሓባባሪ ሚድያ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግንባር ራያ ኮለኔል ደጀኔ ጸጋዬ፡ ሓይልታት መንግስቲ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየውረዱ ሓቢሩ።

ህዝቢ መቐለ፡ ነቶም ዝድለዩ ዘለው ሓለፍቲ ህወሓት ከርሕቖም እንተዘይኪኢሉ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዝካየድ ናይ ታንክታትን ከቢድ ብረትን ደብዳብ ነብሶም ከግልሉ ኣጠንቂቑ።

ንመቐለ ንምብጻሕ እውን ኣስታት 70 ኪሎ ሜትር ከምዝተረፎም ተዛሪቡ።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግን ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ግንባራት ራያን ዛላምበሳን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓያል ኪሳራ ብምውራድ ንድሕሪት ከምዝመለሶ ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ናይ መራኸቢታት መስመር ስለዘየሎ፡ መግለጺ ክልቲኦም ወገናት ብዝኾነ ናጻ ሳልሳይ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኽኣለን።

ኮለኔል ደጀኔ፡ ሰራዊት ፈደራል ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየዶ ኩናት ኣብ ንብረት ሓረስቶት፡ ሓደጋን ባርዕን ከየጋጥም ጥንቁቕ ውግእ ከምዘካየዱ ተዛሪቡ።

ኣብ መቐለ ዝካየድ ኩናት ግን ወሳኒ ብምዃኑ ከምቲ ዝቐደመ ዘይ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዝኣተወን ከተማታት ንጹሃን የበሳብስ ከምዘሎ ዝገልጹ መራሕቲ ህወሓት ግን፡ ክሳብ መወዳእታ ከምዝምክቱን ትግራይ መቓብር 'ወረርታ' ከምእትኸውን እዮም ዝዛረቡ።

ሕቶ ሕብረት ኣፍሪቃ

ብዓርቢ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሲሪል ራማፎዛ ሰለስተ ፕረዚደንታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ንኽብል ንኽዛተዩ ከምዝመዘዞም ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

መራሕቲ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኢትዩጵያ ምስ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ክራኸብን ክዛተን ክምሕጸኑ ጸኒሖም'ዮም።

ሓጋዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ማሞ ምህረቱ፡ መንግስቲ ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ እቲ ኵናት ደው ንኽብል ከምዘይትዛተ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽልእ ኣጠንቁቑ ኣሎ።

እንተኾነ ኢትዮጵያ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣውን ሕጊ ንምኽባርን ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ምኳኑ ብምሕባር ነቲ ጻውዒት ነጺጋቶ።

ሰራዊት ፈደራል ኣብዚ ሰሙን ኣገደስቲ ዝብሃለ ከተማታት ትግራይ ብምቁጽጻር ናብታ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ይግስግስ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ትማሊ ከተማ ዓዲግራት ከምዝተቖጻጸረ ዝገለጸ ኾይኑ፡ ሎሚ ድማ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ከምዝተቖጻጸረ ሓቢሩ ኣሎ።

እደንተኾነ፡ እቲ ሓበሬታ ካብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኮነ ካብ ናጻ ሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።፡፡