ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ: ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ምክልኻል ሓይልታት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ 'ህወሓት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስዱ' እውን ኣዚዙ።

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዢን ቀሪቡ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ ኢሉ።

"ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ። ሰሜን እዝ'ውን ክሰርቕ ፈቲኑ እዩ" ብምባል ከሲሱ።

ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ፡ ንደቓይቕ ዝቐጸለ ድምጺ ተኹሲ ከም ዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እንተኾነ፡ ነበርቲ መንቀሊ ናይ'ዚ ጎንጺ እንታይ ከም ዝኾነ ኣይገለጹን።

ኣብ'ዚ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተቛሪጹ'ሎ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኮነ ውድብ ህወሓት ግን ብዛዕባ'ዚ ዛጊድ ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።

እንተኾነ፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ "ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ ተዳልዩ'ሎ" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "እቲ ሰራዊት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዘሎ ነቲ ህዝቢ ንምሕላው እዩ። ህወሓት ግን፡ ከም ሓደ ባዕዳዊ ወራሪ ሪኡ ንምውቃዕን ንምውራርን ተልዒሉ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ ኣብ ከባብታት ዳንሻ'ውን 'ውግእ ተከፊቱ' ኢሉ።